ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝተረኸበ ሬሳ ወዲ 16 ዓመት ስደተኛ

ሰበስልጣን ፈረንሳ ስደተኛታት ከድሕኑ እንከው

ምንጪ ስእሊ, Chef d'état-major de la Marine

ኣብ ባሕሪ ጠፊኡ ዝጸንሐ ሬሳ ወዲ 16 ዓመት ሱዳናዊ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ።

እቲ መንእሰይ ብንእሽቶ ጃልባ ብመትረብ ኢንግሊዝ (ኢንግሊሽ ቻነል) ክሰግር ክብል ከምዝጠፍኣ ሰብ መዚ ፈረንሳ ሓቢሮም።

ካልእ ስደተኛ እውን ኣብቲ ባሕሪ ኣካላቱ ኣዝዩ ዝሒሉ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ምስ ተረኽበ ተፍትሽ ከምዝተጀመረ ተፈሊጡ።

እቲ ስደተኛ፡ እታ ጃልባኦም ምስ ጠሓለት እቲ ብጻዩ ክሕንብስ ብዘይምኽኣሉ ኣብቲ ባሕሪ ከምዝተረፈ ነቶም ሰብ መዚ ሓቢሩዎም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ፐረቲ ፓተል፡ ኣስገርቲ ገና ነዞም ስደተኛታት ይምዝምዝዎም ምህላውም ብምግላጽ ነቲ ሞት መንእሰይ "ኣረመናዊ ተግባር ዘዘኻኽር እዩ" ክትብል ገሊጻቶ።

ኣብ ኬንት ንስደተኛታት ናይ ዝሕግዝ ትካል ሓላፊት ብሪጅት ቻፐማን ግን፡ መንግስቲ ኣብ ገበነኛታት ጥራይ ኣድህቦ ክገብር ኣይግባእን'ዩ። እቶም ኣስገርቲ ኣብዚ ኩነታት ምናልባት ኢድ ዘይክነብሮም እውን ይኽእል እዩ ኢላ።

ሓለዋ ዶብ ስደተኛታት ከድሕኑ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ድማ "ካልኦት ስደተኛታት ከይሞቱ እንከው ብሪጣንያ ንጉዳይ ስደተኛታት ኣቓልቦ ክትገብረሉን ካልእ ውሑስን ሕጋውን መስመር ክትከፍትን ጸዊዓ።

ኣባል ባይቶ ዓቃባዊ ሰልፊ ኒክ ቶማስ እውን፡ መንግስቲ ርህራሀን ብቕዓትን ከምዝጎድሎ ገሊጹ።

ንሱ፡ እቶም ሚኒስተራት ምስ ካልኦት ዓለምለኻዊ መሻርኽቲ ኮይኖም ነዚ ህይወት ሰብ ዘጥፍእ ዘሎ ቅልውላው ሰብኣዊ ፍታሕ ክገብሩሉ ተማሕጺኑ።

ትማሊ ሮቡዕ፡ ካልኦት ኣብ ዓርባዕተ ጃላቡ ዝነበሩ 41 ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት እንከው ብሰብ መዚ ፈረንሳ ከምዝደሓኑ ተገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ 4,800 ስደተኛታት ብመትረብ ኢንግሊዝ ኣቢሎም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ይግለጽ። እዞም ስደተኛታት ብኣስታት 360 ጃላቡ ከምዝሰገሩ ከኣ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣቡን ዶቨር ሮስ ሃድሶን "እዞም ሰባት ውሕስነት ደልዮም እዮም ዝሰግሩ እምበር ገበነኛታት ኣይኮኑን-ደቂ-ሰባት እዮም" ክብል ተዛሪቡ።

"ነቲ ንሕና ኣቕሊልና እንወስዶ መሰላት ደልዮም ዝመጽኡ ብምዃኖም፡ ክብርን ኣኽብሮትን ዝግብኦም ደቂ-ሰባት እዮም። እዚ መንእሰይ ኣብ ዝሓለሞ ከይበጽሐ ስድራ ቤቱ ዓብዩን ጎቢዙን ኣብ ዝብጻሕ ክበጽሕ እናተጸበዩ ብሕማቕ ተቐዚፉ"

ስደተኛታት ኣብ ከተማ ዶቨር

ምንጪ ስእሊ, PA Media

"ክመውት ዘይግብኦ'ዩ ነይሩ"

ኣብ ካለይ ፈረንሳ ንስደተኛታት እትሕግዝ ክለር ሞስልይ፡ ሞት ናይቲ መንእሰይ ኣዝዩ ከምዘጉሃያ ገሊጻ።

"እቲ ንዕኡ ዝተሰመዖ ጓህን ፍርሕን ክንግምቶ ጥራሕ ኢና ንኽእል። መሳኪን ወለዱ የደንግጹኻ" ክትብል ተዛሪባ።

ሰብ መዚ ፈረንሳ፡ ሬሳ ናይቲ መንእሰይ ኣብ ገማግም ካለይ ከምዝረኸቡዎ ገሊጾም።