ሊብያ: ዛንታ ንምልእቲ ከተማ ዘሸበሩ ሽዱሽተ ኣሕዋትን ኣናብሶምን

እንዳ 'ካኒ' ዝበሃሉ ኣሕዋት፡ ስልጣኖም ንምዕቃብ ንሰብኡት፡ ደቂኣንስትዮን ቆልዑን ብምቕታል ንሊብያዊት ንእሽቶ ከተማ ካብ ዝቆጻጸሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣርባዕተ ዓመት መሊእዎም ኣሎ።
ሕጂ እቲ ገበናቶም በብቕሩብ ይቃላዕ ኣሎ። ንሸውዓተ ኣዋርሕ ጻዕዳ፡ ኬሚካል ዝከላኸል በጃ ኽዳን ዝለበሱ ሰራሕተኛታት ናብ ንእሽቶ ሕርሻዊት ከተማ ታርሑና ክምላለሱ ጸኒሖም ኣለው።
ጌና ዘይተተንከፈ ሰፊሕ መሬት እኳ እንተሎ፡ ዛጊት 120 ኣስከሬናት ኣልዒሎም ኣለው።
“ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ኣስከሬን ዘውጻኹሉ እዋን፡ ብዝተኻእለ መጠን ተጠንቂቐ እየ ዝገብሮ” ይብል ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ዝኾነ ዋዳህ ኣል-ኪሽ።
“ዓጽሚ [እቲ ኣስከሬን] እንተተሰቢሩ ነፍሱ ከም እትሳቐይ ኢና ንኣምን” ኢሉ።
ገለ ካብ'ቲ ኣስከሬናት ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ከባቢ ታርሑና ኣብ ዝነበረ ውግእ ዝተቐትሉ ዕጡቓት ይመስል።
ብዙሓት ግና ደቂኣንስትዮን ክሳዕ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑን ዝርከብዎም ሲቪላት እዮም።
ገሊኦም ኣብ ልዕሊኦም ናይ ዝተፈጸመ ምስቓይ ምልክታት ኣለዎም።
እቲ መቓብር ሓድጊ ናይ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ንሸሞንተ ዓመታት ብስድራቤት እንዳ ካኒን ንሳቶም ዝፈጠርዎ ምልሻን ዝጸንሐ ኣሸባሪ ግዝኣት እዩ።

ካብ ሸውዓተ ኣሕዋት ካኒ፡ እቶም ሰለስተ ክሞቱ እንከለው፡ እቶም ዝተረፉ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ሓይልታት እቲ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ ሊብያ ኣብ'ታ ከተማ ድሕሪ ዝገበሮ መጥቃዕቲ ሃዲሞም እዮም።
እንተኾነ ግና ነበርቲ ታርሑና ሎሚ’ውን ብዛዕባ ግፍዕታት እታ ስድራ ንምዝራብ ይፈርሑ።
ብደገፍቲ ኣሕዋት ካኒ ምፍርራሓት ከም ዝበጽሖም ድማ ይገልጹ።
እቶም ኣብዱል-ኻሊቕ፡ መሓመድ፡ ሙዓማራ፡ ኣብዱል-ራሂም፡ ሞሕሰን፡ ዓሊን ኣብዱል-ኣድሂምን ዝበሃሉ ካብ ድኻ ስድራ ዝኾኑ ኣሕዋት ኣብ 2011 ውልቀ መላኺ ሙዓማራ ጋዳፊ ካብ ስልጣን ምስ ተወገደ እዮም ነቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ብጭካነ ክገዝኡ ዝጀመሩ።
“እዞም ሸውዓተ ኣሕዋት ስነስርዓት ዘይብሎም ጨካናት እዮም ነይሮም” ይብል ቅድሚ 2011 ኣብ መርዓን ቀብርን ረኺብዎም ዝነበረ ጠበቓን ኣክቲቪስትን ሃምዛ ዲላብ።
“ብሓባር ክኾኑ እንከለው፡ ከም ጭፍራ ናይ ኣዛብእ እዮም። ይቋየቑን ይባኣሱን፤ ንሓድሕዶም ከይተረፈ ብበትሪ ይተሃራረሙ።”
እቲ ውልቀ መላኺ፡ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከቡ ምርኡያት ስድራቤታት ኣብ ስልጣን ብምቕማጡ፡ ኣብ ሊብያ ኣንጻር ጋዳፊ ሰውራ ምስ ተወልዐ፡ ዝበዝሑ ነበርቲ ታርሑና ንጋዳፊ ምእዙዛት ኮይኖም እዮም ቀጺሎም። እንዳ ካኒ ግና ካብቶም ነቲ ኣንጻር ጋዳፊ ዝተሰለፉ ዝደገፉ እዮም።
እንተኾነ ነቲ ስነ-ሓሳብ ደጊፎም ዘይኮነ ምስኦም ናይ 30 ዓመት ጽልኢ ዝነበሮም እንዳ ሓወቦኦም ደገፍቲ ጋዳፊ ብምንባሮም እዩ ይብል ሃምዛ።
ጋዳፊ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ነቶም ኣሕዋት ጽቡቕ ዕድል እዩ ነይሩ።
“እንዳ ካኒ ቀስ እናበሉ ሓደ ብሓደ ነታ ስድራ” ከም ዘጽነትዋ ሃምዛ ይዛረብ። እንተኾነ ግና ኣብ 2012 ሓደ ካብ ኣሕዋት ካኒ [ዓሊ] ብሕነ ተቐትለ።
ኣብታ ስድራ መጽናዕቲ ዝገበረ ንጉዳያት ሊብያ ብቐረባ ዝከታተልን ኣብ ሆላንድ ዝነብር ጃለል ሃርቻዊ፡ ዓሊ ምስ ተቐትለ እቶም ኣሕዋት ንዓሊ ውሩይ ከም ዝገበርዎ ይገልጽ።
“ኣሕዋቱ ንቐተልቲ ዓሊ ብምርካብን ሕነ ብምፍዳይን ጥራይ ዘይኮነ ንብምልእቲ ስድራ ብምጽናት እዮም ግብረመልሲ ሂቦም።”እንዳ ካኒ በብቕሩብ እናሓየሉ ብምኻድ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ዘለዎ ናቶም ምልሻ ኣቖሙ።
ከም ዝበዝሑ ኣብ ሊብያ ዘለው ሚሊሻ ድማ ብመንግስቲ ሓገዝ ይግበረሎም ነይሩ። ኣብ ታርሑና ድማ ስልጣኖም ኣደልደሉ።
“ናቶም ፖሊሲ ሰባት ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ብምርዓድ ፍርሒ ምዝራእ እዩ። ሰብ ይቐትሉ ነይሮም። ኣብ ታርሑና ኣንጻሮም ዝተዛረበ ኩሉ ይቕተል ነይሩ” ይብል ሃምዛ ዲላብ።

ምንጪ ስእሊ, Hanan Abu-Kleish
ኣብ 17 ሚያዝያ 2017 ሃናን ኣቡ-ክለይሽ ኣብ ገዝኣ እንከላ ሚሊሻታት ካኒ ናብቲ ገዛ መጺኦም። “ሓደ ካብኣቶም ብረት ኣብ ርእሰይ ጌሩ፡ ‘መን ኣሎ ኣብዚ ገዛ’፡ ኢሉኒ፤ ኣነውን ‘ወላ-ሓደ’ ኢለዮ።
ጎቲቱ ናብ መደቀሲ ኣቦይ ወሲዱኒ። ‘ቅድም ንዓኻ ክንቀትለካ ኢና’ ኢሎምዎ። ደው ከብሎም ዝከኣለኒ ኩሉ ፈቲነ ግና ብጥይት ኣብ ኣፍልቡ ሃሪሞም ቀቲሎምዎ።”
ኣብቲ ዕለት ሰለስተ ኣሕዋት ሃናንን፡ ደቂ 14ን 16 ዓመትን ዝነበሩ ደቂ ሓዋን ተቐቲሎም።
ካልኦት ብሓይልታት ካኒ ዝተጨወዩ ኣዝማድ ክሳዕ ሕጂ ደሃዮም ኣይተረኽበን።
ሃናን ኣባላት ስድራቤታ ዘቕትሎም ዝኾነ ኣበሳ ከም ዘይነበሮም ትገለጽ እንትርፎ ደሓን መነባብሮ ስለዝነበሮምን ኣብታ ከተማ ዝተኸብሩን ምንባሮም።
ኣብቲ እዋን እንዳ ካኒ ኣብ ታርሑናን ከባቢኣን ዝተደላደለ ባዕሎም ዝውንንዎ ንፖሊስ’ውን ዝቆጻጸር ሓውሲ-ግዝኣት መስሪቶም እዮም ነይሮም።
ኣብቲ ከተማ ካብ ዝርከብ ፋብሪካ ሲሚንቶን ካልኦት ትካላትን ቀረጽ ይእክቡን ናቶም ማእከል ዕዳጋ’ውን ነይሩዎም።
ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሓሽሽን ብግዝኣቶም ኣቢሎም ናብ ሜዲተራንያን ዝሓልፉ መርበባት ስደተኛታት “ብምክልኻል” ብዙሕ ይረብሑ ነይሮም።
ኣብታ ብኲናት ተሓሚሳ ዝነበረት ሊብያ ስርዓት ዘለዋ ደሴት ፈጢርና ኢሎም እውን ይንየቱ ነይሮም።
መራሒ ናይታ ሓውሲ-ግዝኣት መሓመድ ኣል-ካኒ እዩ ነይሩ። ንሱ ሳላፊስት (ኣኽራሪ እስልምና) ኮይኑ ካብቶም ኣሕዋት ቅሩብ ትምህርቲ ዝነበሮን ቅድሚ እቲ ምልዕዓል ኣብ ሓደ ናይ ነዳዲ ኩባንያ ከም መራሕ መኪና ተቖጺሩ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ።

ኣብ 2017 እቶም ኣሕዋት ከበድቲ ኣጽዋር፡ ዩኒፎርም ዝለበሱ ፖሊስን ኣናብስን ዝተሳተፉሉ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣቕሪቦም።
እቶም ኣናብስ ውልቃዊ ንብረት እቶም ኣሕዋት ኮይኖም፡ ናይቶም ዝቐተልዎም ሰባት ስጋ ይምግብዎም ምንባሮም ይዝረብ።
ኣብ 2019 ግና እንዳ ካኒ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሊብያ ዝነበሮም መርገጺ ቀዪሮም። ምስቲ ንምዕራባዊ ሊብያ ተቖጻጺሩ ዝነበረ መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ ዝነበሮም ኪዳን ብምፍራስ ነቲ ንምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝገዝእ ዝነበረ ቀንዲ ተጻራሪኡ ጀነራል ከሊፋ ሃፍታር ዕድመ ኣቕረቡ።
እቲ ጀነራል ንርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ንምቁጽጻር ኣብ ዝገብሮ ኲናት ንታርሑና ከም መበገሲ ክጥቀመላ’ውን ሓተትዎ።
ሃንደበት እታ ንእሽቶ ከተማ ታርሑና ማእከል ናይ ኣህጉራዊ ቅልስ ኮነት። ሃፍታር ብፈረንሳ፡ ግብጺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሩስያን ዝድገፍ ብምንባሩ፡ ሩስያ ዕሱባት ናብታ ከተማ ለኣኸት።
ቱርኪ ብወገና ንመንግስቲ ትሪፖሊ ንምድጋፍ፡ ኣጽዋር ኣጓረተት። ካብ ኣባላት ስድራ እንዳ ካኒ ዝኾኑ ሞሕሰን ኣል-ካኒን ኣብዱል-ኣድሂምን ናይ ቱርኪ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝፈጸምኦ ደብዳብ ኣብ መስከረም 2019 ከም ዝተቐትሉ’ውን ይግለጽ።
ፍሽለት እቲ ንትሪፖሊ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ፈተነን ቅትለት ናይእዞም ኣሕዋትን፡ ኣብ ታርሑና መጀመርታ ናይቲ ዝኸፍአ እዋን ኮነ።
“ኩነታት ከምቲ ዝደለይዎ ስለዘይከደ፡ እቲ ሲቪላውያን ምቕታል መሊሱ ገዲዱ” ይብል ጃለል ሃርቻዊ። ኣብ ፈለማ ሰነ 2020 ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ሓይልታት ንከተማ ታርሑና ተቖጻጺሮምዋ፤ እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ኣሕዋት እንዳ ካኒን ምልሽኦምን ምስ ሓይልታት ሃፍታር ብምዃን ናብ ምብራቓዊ ሊብያ ሃዲሞም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
“ሽዑ ምሸት ብዙሕ ተስፋ ጌርና፡ ኣይደቀስናን፡ ቆልዑ’ውን ተሓጒሶም” ትብል ወዲ ሓትንኣ ብሚሊሻታት ካኒ ዝተቐትላ በዓልቤታ ዝተጨውያን ራብያ ጃባላህንጽብሒቱ ንሳን ካልኦት ሰብዑተን፡ ኣሕዋተንን ደቆምን ዝተጨወይዎም ብዙሓትን ኮይኖም ናብቲ ፍሉጥ ቤት ማእሰርቲ እንዳ ካኒ ኣንጊሖም ከይዶም።
ንመቕርቦም ግና ክረኽቡ ኣይከኣሉን። “ብጣዕሚ ጉሂና፤ እቲ መናድቕ ብደም ተሸፊኑ ነይሩ። ክጻወሮ ኣይከኣልኩን ተስፋይ ተጸንቂቑ” ኢላ። ኣብ መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ ሓላፊ በዓልመዚ ምንዳይ ምልላይን ደሃይ ዘጥፍኡ ሰባት ዝኾነ ከማል ኣቡበከር ካብ ከተማ ተርሑና ልዕሊ 350 ደሃይ ዘይብሎም ዝተመዝገቡ ሰባት ምህላዎም ይገልጽ።
ገለ ነበርቲ እታ ከተማ እቲ ኣሃዝ ናብ 1000 ዝጸጋጋዕ ምዃኑ ይዛረቡ።
ብዲኤንኤ ዝግበር መርመራ ምልላይ መንነት ጌና ኣብ ምጅማሩ ስለ ዝኾነ፡ ዛጊት ካብቲ ኣብ ናይ ጃምላ መቓብራት ካብ ዝተረኽበ ኣስከሬናት ናይ ውሑዳት ጥራሕ እዩ ክልለይ ተኻኢሉ ዘሎ።
እንተኾነ ግና እቲ ተረኺቡ ዘሎ መቓብራት ካብ ዝኾነ ድሕሪ 2011 ኣብ ካልእ ክፋል ሊብያ ካብ ዝተረኽበ ኣዝዩ ዘሰቅቕ ምዃኑ ይገልጽ።
“ንፈለማ እዋን ኣብ ናይ ጃምላ መቓብር ደቂ ኣንስትዮ ኮነ ህጻናት ዝረኸብና ኣብዚ እዩ። ብዘይካ’ዚ ምስ ናይ ሕክምና ኣቕሑት፡ ማለት ኦክስጅንን ማስክን ዝተቐብረ ረኺብና፡ እቲ ሰብ ካብ ሆስፒታል ተወሲዱ ብህይወቱ እዩ ተቐቢሩ። እዚ ኣዝዩ ኣሰቃቒ እዩ።” ኢሉ።
ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መንግስቲ ነቲ ቅትለት ዝፈጸሞ ወገን የጻርይ ከም ዘሎ እኳ እንተገለጸ፤ ኣብ ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ተመራማሪት ሃናን ሳላሕ ግና ካብ 2015 ንደሓር ብዙሕ ርኽበታት ከም ዝገለጸ እንተኾነ ግና ሓደ’ውን ኣብ መፈጸምታ ከም ዘይበጽሐ ትዛረብ።
“እቶም ሰብመዚ፡ ኣብቲ ርኽበታት ተሞርኪሶም ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከቕርቡ ይግባእ” ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንሳ ወሲኻ እቲ ንዓመታት ምስ እንዳ ካኒ ዝምድና ዝነበሮ መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ “ንገለ ካብዞም ክስታት ኮነ ኢሉ ሸለል ኢልዎም ክኸውን ከም ዝኽእልን እዚ ድማ ኣዘዝቲ ሚሊሻ ጥራሕ ዘይኮኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ ኣብቲ ገበናት ኢድ ከም ዘለዎም ዘርእይን” ከም ዝኸውን ትገልጽ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሰብ መዚ እቲ መንግስቲ ንምዝርራብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግና ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበን ኣብ ጉዳይ ቅትለት ታርሑና መርመራ ጀሚሩ ኣሎ።
መሓመድ ኣል-ካኒ ድማ ኣብ ዝርዝር እገዳ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣትዩ ኣሎ። እንተኾነ ግና ኣብ ብጀነራል ከሊፋ ሃፍታር ብዝገበረሉ ዘሎ ሓለዋ፡ ንሱን ካልኦት ኣሕዋቱን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝከኣል ኣይመስልን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







