ሊብያ፡ 133 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ተሰጋጊሮም

ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ክኸዱ ዝዳለዉ ዘለዉ ስደተኛታት ሊብያ፡ 2018

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/Farah Harwida

መግለጺ ስእሊ, ኣስታት 5000 ዝግመቱ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሊብያ ዘርከቡ መዳጎኒ ማእከላት ተታሒዞም ኣለዉ

ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ተታሒዞም ዝጸንሑ 133 ስደተኛታት ብ06 ታሕሳስ ናብ ኒጀር ከም ዝተሰጋገሩ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ትማሊ ጀሚሮም ኣብቲ እቲ ትካል ምስ ሰብመዚ እታ ሃገር ኮይኑ ዘማሓድሮ መበገሲ ማእከል ዝተኣኻኸቡ'ዮም።

እቶም 81 ቆልዑን ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ሓሙሽተ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ መዳጎኒ ማእከላት ዝተወጻጽኡ ምዃኖም እቲ መግለጺ የረድእ።

እቲ 'መኣከብን መበግስን ማእከል' ትማሊ ዝተኸፍተ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታ ምዃኑ እቲ ትካል ተዛሪቡ። እቲ ማእከል ብሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ፡ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣርን ሊብኤድ ዝተባለ ማሕበርን ብሓባር ዝቆጻጸርዎን ዘማሓድርዎን ክኸውን'ዩ።

እቲ ብቐዳምነት ውሕስነትን ሓለዋን ዘድልዮም ስደተኛታት ከዕቁብ ትጽቢት ዝግበረሉ ማእከል ኣስታት 1000 ሰባት ክሕዝ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ሓደ ጸቢብ መዳጎኒ ሊብያ 2018

ምንጪ ስእሊ, Yonas

ኣስታት 5000 ዝግመቱ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሊብያ ዘርከቡ መዳጎኒ ማእከላት ተታሒዞም ከም ዘለዉ እቲ ትካል ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት።

ካብኣቶም እቶም 3600 ዓለምለኻዊ ሓለዋ (ዑቕባ) ዘድልዮም ምዃኑ'ውን እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንልዕሊ 200 ስደተኛታት ናብ ኒጀር ድሕሪ ምግዓዝ ናብ ሰልሳይ ሃገር ዝሰጋገሩሉ ዕድላት ክፈጥር ጸኒሑ'ሎ። እንተኾነ ግን እቲ ዕድላት ጸቢብ ብምዃኑን ብዙሓት መዋጽኦ ስኢኖም ኣብ ሓዲግ ተሪፎም ኣለዉ።

እዞም ስደተኛታት ኣብቲ መዳጎኒ ማእከላት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ክገብረሎም ክጽውዑ ይስምዑ'ዮም። መብዛሕትኦም ድማ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ኣብ ባሕሪ ዝተታሕዙ ወይ ድማ ካብ ሓደጋ ዝደሓኑ'ዮም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ኣብ ሓንቲ ናይ ጐማ ጃልባ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 15 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብትዊተር ገሊጹ ቀንዩ'ዩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ 10 ምስታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከም ዝደሓኑ'ውን ተፈሊጡ።

እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ጃልባ ንልዕሊ 12 መዓልታት ኣብ ማእከል ባሕሪ ዝጸንሐት'ያ ተባሂሉ።

እቶም ብሂወቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ብጽምኢ ማይን ጥምየትን ኣዝዮም ተሃስዮም ከም ዝተረኽቡን፡ እቲ ትካል ንኩነታቶም ይከታተሎ ከም ዘሎን ዘድሊ ህጹጽ ሓገዝ ንክገብረሎም ቅሩብ ምህላውን ገሊጹ።

ስደተኛታት ኣብ ናይ ጎማ ጃልባ ኣብ ባሕሪ

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነቶም ዝዳሓኑ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መዳጎኒ ወሲድዎም ከም ዘሎ ድማ ውድብ ስደት ዓለም (ኣይ ኦ ኤም) ሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ ሰሜን ካብ ከተማ ሚስራታ ኣብ ዝርከብ ማያት ሊብያ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ እታ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ማዕበል ደፊኡ ናብ ገምገም ባሕሪ ኣጸጊዕዎም ከም ዝተረኽቡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጠቒሱ።

ዛጊት መንነት ናይቶም ግዳያት ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ገለ ግብጻውያን ከም ዝርከብዎም ግን ጸብጻባት ሮይተርስ የነጽር።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላትን ዝምልከተን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ነቲ እናወሰኸ ክኸይድ ዝጸንሐ ሞት ስደተኛታትን ኣብ ሊብያ ዘሎ ሕማቕ ኩነታትን ማሕበረሰብ ዓለም መብፍትሒ ከናድየሉ ክጽውዑ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብኣባላት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝግበር ዝነበረ ሂወት ናይ ምድሓን ስራሕ ምዝሕታሉ ሓያሎ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝወደቑ'ዩ ዝንገር።