ሊብያ፡ 220 ስደተኛታት ናብ ኒጀርን ሮማንያን ግዒዞም

ካብ ሊብያ ዝገዓዙ ስደተኛታት ስድራቤት

ምንጪ ስእሊ, UNHCR

መግለጺ ስእሊ, 85 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ካብኦም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰጋገሩ ናብ ሮማንያ ኣትዮም ኣለዉ

ላዕለዋይ ኮሚኒሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 220 ኣብ መዳጎኒታት ሊብያ ተታሒዞም ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ውሑሳት መጽንሒ ሃገራት ከም ዘግዓዘ ብትዊተር ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ ትካል፡ ትማሊ ለይቲ 135 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብኣውቶቡሳት ናብ ኒጀር ተበጊሶም።

እቶም ዝተረፉ 85 ካብ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶርያን ዝመጹ ዝደተኛታት ድማ ትማሊ ናብቲ ኣብ ኣውሮጳዊት ሃገር ሮማንያ ዘሎ ናይቲ ትካል መጽንሒ ማእከል ግዒዞም ኣለዉ። ናይ መወዳእታ ጉዕዞኦም ግን፡ ናብታ ዝተቐበለቶም ሃገረ ኖርወይ ምዃኑ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ጠቒሱ።

"ነቲ ናይ ምግዓዝ ስራሓት ንምፍጻም ሰራሕተኛታት ትካል ስደተኛታት ውድቡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ፡ ብዙሕ ናይ ጸጥታ ብድሆታትን ማሕልኸታትን ሰጊሮም'ዮም" ድሕሪ ምባል፡ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ዘሎ ምትፍናን እናዓበየ ምምጽኡን፡ ሓሓሊፎ'ውን ተኹሲ ከም ዝለዋወጡ እቲ ትካል ገሊጹ።

ናብ ኒጀር ብኣውቶቡስ ዝግዕዙ ዘለዉ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, UNHCR

መግለጺ ስእሊ, እቶም ስደተኛታት ብኣውቶቡስ ናብ ኒጀር እናተበገሱ

እዞም ናብ ውሑስ ሃገር ክግዕዙ ዕድል ዝረኸቡ ስደተኛታት፡ ህጻናት፡ ኣዴታትን፡ ካልኦት ቀዳምነት ክዋሃቦም ኣለዎም ዝተባህሉ ሰባት ምዃኖም ምርዳእ ተኻኢሉ'ሎ።

እቶም ናብ ኒጀር ዝተወስዱ ድማ፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከም ዝሰጋገሩ ኣብ ምግባር ክጽዕር ምዃኑ እቲ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።

እቲ ትካል ካብ ታሕሳስ 2017 ጀሚሩ ካብ ሊብያ ዘግዓዞም ስደተኛታት 1997 በጺሑ ከም ዘሎ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

ይኹን እምበር፡ ዕጫ ናይቶም ኣብተን ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ዘዕለቕለቓ መዳጎኒታት ሊብያ ዘለዉ ኣሽሓት ስደተኛታት እንታይ ከም ዝኾነ ጌና ዝተፈልጠ የለን።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ብሰብ መዚ ሊብያ ይኹን ካልኦት ጨወይትን ኣሰጋገርትን ብዙሕ ስቅያት፡ ምስርጣይን፡ ጭውያን ከም ዝጋጥሞም ገለ ኤርትራውያን ካብኦም ንቢቢሲ ክገልጹ ከም ዝጸንሑ ይዝከር።

እዞም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒታት ሊብያ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ምዃኖም ይፍለጥ።

ሃገረ ጥልያን እትርከበን ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝተፈላለዩ ስጉምታት ክወስዳ ጸኒሐን ኣለዋ።

ኣብ መዳጎኒ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ማእሰርቶም እናተቓወሙ

ምንጪ ስእሊ, MERON ESTIFANOS/TWITTER

መግለጺ ስእሊ, ኣበተን ልዕሊ ዓቕመን ዝመልኣ መዳጎኒታት ብዙሕ ዓመጽን ምስርጣይን ከም ዘሎ ይዛረቡ

ኣካል ናይቲ ፓሊሲ ድማ፡ ንሰብመዚ ሊብያ ወታሃደራዊ ደገፍ ብምሃብ፡ ነቶም መብዛሕትኡ እዋን ብዘይብቑዓት ጃላቡ ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ብምምላስ ኣብ መዳጎኒታት ከም ዝተሓዙ ምግባር'ዩ።