ሊብያ፡ 220 ስደተኛታት ናብ ኒጀርን ሮማንያን ግዒዞም

ምንጪ ስእሊ, UNHCR
ላዕለዋይ ኮሚኒሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 220 ኣብ መዳጎኒታት ሊብያ ተታሒዞም ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ውሑሳት መጽንሒ ሃገራት ከም ዘግዓዘ ብትዊተር ሓቢሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ ትካል፡ ትማሊ ለይቲ 135 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብኣውቶቡሳት ናብ ኒጀር ተበጊሶም።
እቶም ዝተረፉ 85 ካብ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶርያን ዝመጹ ዝደተኛታት ድማ ትማሊ ናብቲ ኣብ ኣውሮጳዊት ሃገር ሮማንያ ዘሎ ናይቲ ትካል መጽንሒ ማእከል ግዒዞም ኣለዉ። ናይ መወዳእታ ጉዕዞኦም ግን፡ ናብታ ዝተቐበለቶም ሃገረ ኖርወይ ምዃኑ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ጠቒሱ።
"ነቲ ናይ ምግዓዝ ስራሓት ንምፍጻም ሰራሕተኛታት ትካል ስደተኛታት ውድቡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ፡ ብዙሕ ናይ ጸጥታ ብድሆታትን ማሕልኸታትን ሰጊሮም'ዮም" ድሕሪ ምባል፡ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ዘሎ ምትፍናን እናዓበየ ምምጽኡን፡ ሓሓሊፎ'ውን ተኹሲ ከም ዝለዋወጡ እቲ ትካል ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, UNHCR
እዞም ናብ ውሑስ ሃገር ክግዕዙ ዕድል ዝረኸቡ ስደተኛታት፡ ህጻናት፡ ኣዴታትን፡ ካልኦት ቀዳምነት ክዋሃቦም ኣለዎም ዝተባህሉ ሰባት ምዃኖም ምርዳእ ተኻኢሉ'ሎ።
እቶም ናብ ኒጀር ዝተወስዱ ድማ፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ከም ዝሰጋገሩ ኣብ ምግባር ክጽዕር ምዃኑ እቲ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።
እቲ ትካል ካብ ታሕሳስ 2017 ጀሚሩ ካብ ሊብያ ዘግዓዞም ስደተኛታት 1997 በጺሑ ከም ዘሎ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
ይኹን እምበር፡ ዕጫ ናይቶም ኣብተን ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ዘዕለቕለቓ መዳጎኒታት ሊብያ ዘለዉ ኣሽሓት ስደተኛታት እንታይ ከም ዝኾነ ጌና ዝተፈልጠ የለን።
ብሰብ መዚ ሊብያ ይኹን ካልኦት ጨወይትን ኣሰጋገርትን ብዙሕ ስቅያት፡ ምስርጣይን፡ ጭውያን ከም ዝጋጥሞም ገለ ኤርትራውያን ካብኦም ንቢቢሲ ክገልጹ ከም ዝጸንሑ ይዝከር።
እዞም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለያ መዳጎኒታት ሊብያ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ምዃኖም ይፍለጥ።
ሃገረ ጥልያን እትርከበን ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝተፈላለዩ ስጉምታት ክወስዳ ጸኒሐን ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, MERON ESTIFANOS/TWITTER
ኣካል ናይቲ ፓሊሲ ድማ፡ ንሰብመዚ ሊብያ ወታሃደራዊ ደገፍ ብምሃብ፡ ነቶም መብዛሕትኡ እዋን ብዘይብቑዓት ጃላቡ ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ብምምላስ ኣብ መዳጎኒታት ከም ዝተሓዙ ምግባር'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







