ልዕሊ 100 ስደተኛታት ኣብ ማያት ሊብያ ጢሒሎም

ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ልዕሊ 100 ስደተኛታት ብሓደጋ ምጥሓል ጃላቡ ኣብ ማያት ሊብያ ከም ዝሞቱ ሓደ ንምድሓን ስደተኛታት ዝሰርሕ ግብረሰናይ ማሕበር ሓቢሩ።

ሓንቲ ካብተን ብ1 መስከረም ስደተኛታት ጺዒነን ናብ ኣውሮጳ ክሰግራ ዝተበገሳ ናይ ጎማ ጃላቡ ብምንፋሳ ክጥሕል ተገዲዳ።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ 276 ሰባት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ ወደብ ኩሙስ ከም ዝተመልሱን ኣብ ጊዝያዊ መዳጎኒ ተታሒዞም ከም ዘለዉ'ውን ብዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝፍለጥ ማሕበር ገሊጹ።

ካብቶም ዝደሓኑ፡ ነፍሰ-ጾራትን ቆልዑትን ከም ዝርከብዎምን፡ ኒሞንያን ምንዳድ ሓውን ንዘጋጠሞም እቲ ማሕበር ሕክምናዊ ረዲኤት ከም ዝገበረሎምን ተዛሪቡ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ኣብ ማያት ቱኒዝያ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ'ውን ልዕሊ 112 ስደተኛታት ከም ዝሃለቑ ይፍለጥ።

ህጻናትን ኣዴታትን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒታት ሊብያ

ምንጪ ስእሊ, MERON ESTIFANOS/TWITTER

መግለጺ ስእሊ, ህጻናትን ኣዴታትን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒታት ሊብያ ይሳቐዩ ምህላዎም ይዛረቡ

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ብዘጋጠመ ሰለስተ ጀላቡ ዝጠሓላሉ ሓደጋታት ድማ 220 ስደተኛት ግዳይ ሞት ከም ዝኾኑ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።

ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት ጥራይ 1500 ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉ ጸብጻባት ውድብ ስደት ዓለም (ኣይ ኦ ኤም) ይገልጽ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካልኦት ካብ ሞት ከም ዝደሓኑን፡ ዝበዝሑ ድማ ናብ ሊብያ ከም ዝምለሱ ይግበር ኣሎ። እቶም ዝተረፉ'ውን ሃገራት ኣውሮጳ ብፍላይ ጥልያን ስደተኛታት ምቕባል ብምእባያ ኣብ ባሕሪ ቀንፈዘው ክብሉ ይረኣዩ።

ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒታት ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተታሒዞም ከም ዘለዉ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከቃልሕ ምጽንሑ ይዝከር።