ቅልውላው ሊብያ፡ ሚሊሻታት ሊብያ 'ነፋሪት ውግእ ከም ዘውደቑ' ኣፍሊጦም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተኣመንቲ ወተሃደራት መራሒ ጉጅለ ሚሊሻ ሊብያ ዝኾነ ጀነራል ካሊፋ ሃፍጣር፡ ነፋሪት ውግእ ወቒዖም ከም ዘውደቑን እቲ ዝሓዝዎ ኣብራሪ ወፃእተኛ ምዃኑን ኣፍሊጦም።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ ዝተዘርግሑ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት (ቪድዮ) እቲ ፓይለት ክዳውንቱ ብደም ተፀይቑን ርእሱ ቆሲሉን ይረኣይ።
ብጀነራል ሃፍጣር ዝምራሕ ሰራዊት ኤል ኤን ኤ (ሊብያን ናሽናል ኣርሚ)፡ እታ ሚራጅ ኤፍ-1 ዝዓይነታ ነፋሪት ውግእ፡ ካብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ኣስታት 70 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ኣብ ትርከብ ዞባ ሂራ ምውዳቓ ሓቢሩ።
ነቲ ሰራዊት ዝድግፍ ሓደ ዌብሳይት ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ እቲ ኣብራሪ ወዲ 29 ዓመት 'ፖርቹጋላዊ' ከም ዝኾነ ይዛረብ።
ወኪል ዜና ሮይተርስ ከም ዝፀብፀቦ፡ ሚንስትር ምክልኻል ፖርቹጋል ኣብ ዜግነት እቲ ኣብራሪ መረጋገፂ ዘይክህብ ይኽእል'ዩ።
ወሃቢት ቃል እቲ ሚንስትሪ "ንሕዚ ክንዛረቦ ንኽእል ነገር እንተሃለወ ናይ ፖርቹጋል ወተሃደር ከም ዘይኮነ ጥራሕ'ዩ" ክትብል ገሊፃ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







