ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶዋን፡ ወተሃደራት ቱርኪ ኣብ ሊብያ ተቐቲሎም

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲጵ ጠይብ ኤርዶጋን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶዋን፡ ክልተ ወተሃደራት ቱርኪ ኣብ ሊብያ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

መንግስቲ ተርኪ፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ ንምድጋፍ ሰራዊቱ ናብ ሊብያ ከምዘእተወ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኤርዶዋን ወግዓዊ ምብጻሕ ንኽገብር ንኣዘርብጃን ቅድሚ ምብጋሱ "ኣብ ሊብያ ዝተሰውኡ ኣለውና" ክብል ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ፡ ምስቶም ብጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ዝምርሑን ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዓሪዶም ዘሎውን ዕጡቓት እዩ ዝዋጋእ ዘሎ።

ከተማ ትሪፖሊ ንምሓዝ ዝፍትን ዘሎ ካሊፋ ሓፍጣር፡ ብሃገራት ግብጽን ኢማራት ዓረብን ዝድገፍ ኮይኑ፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝተዋሃቦ መንግስቲ ሊብያ ድማ፡ ብቱርክን ቐጠረን ዝድገፍ።

ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ቐዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።