ወተሃደራት ቱርኪ ንሊብያ ክኣትው ጀሚሮም

ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶጋን፡ ወተሃደራት ቱርኪ ናብ ሊብያ ክኣትው ከምዝጀመሩ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ባይቶ ቱርኪ፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምሕጋዝ፡ ቱርኪ ሰራዊት ክትልእኽ ከምዝተማምዑ ይፍለጥ።

እቲ ፕረዚደንት ከምዝሓበሮ፡ ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ውሕስነት እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መንግስቲ ከምዝዋፈር ኣፍሊጡ።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ፡ ምስቶም ብጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ዝምርሑን ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዓሪዶም ዘሎውን ዕጡቓት እዩ ዝዋጋእ ዘሎ።

ከተማ ትሪፖሊ ንምሓዝን ዝፍትን ዘሎ ካሊፋ ሓፍጣር፡ ብሃገራት ግብጽን ኢማራት ዓረብን ዝድገፍ ኮይኑ፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ ድማ፡ ብቱርክን ቐጠረን እዩ ዝድገፍ።

ብካሊፋ ሓፍጣር ዝምርሑ ሓይልታት፡ ኣብ ቅንያት ብዘካየድዎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 30 ሰባት ከምዘተቐትሉ ይግመት። እንተኾነ ግን፤ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዘይብሎም ገሊጾም።

እስራኤል፣ ግሪኽ ከምኡ'ውን ሳይፕረስ ንምትእትታው ቱርኪ ተቓዊሞምዎ ኣለው። እቲ ምትእትታው ቱርኪ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቒቆም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ኩነታት ሊብያ ንምዝርራብ ሎሚ ክራኸቡ እዮም።

ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።