ኲናት ሶርያ፡ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራዊ ቃፍላይ ቱርኪ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሰለስተ ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ሶርያ ኣብ ልዕሊ ቃፍላይ ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ሰለስተ ሲቪላውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ፡ ቱርኪ ገሊጻ።
እቲ ወታሃደራዊ ቃፍላይ ናብታ ተቓውምቲ ዝቆጻጸርዋ ኣብ ሰሜን ሶርያ እትርከብ ከተማ ኢድሊብ ዝግስግስ ዝነበረ'ዩ።
ኣብቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ካልኦት 12 ሰባት ከም ዝቖሰሉ'ውን ሚኒስትሪ ምክልኻል ቱርኪ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ቱርኪን ሩስያን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ከተማ ኢድሊብ ብናይ ጸጥታ ዞባ ክትሕሎ ዝነበራ'ያ።
ይኹን 'ምብር ሓይልታት መንግስቲ ሶርያ ካብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ጀሚሮም ኣብታ ከተማ ዝገብርዎ ዘለዉ መጥቃዕትታት ኣበሪኾሞ'ለዉ።
ከም ሳዕቤኑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ኩነታት እናገደደ እንተድኣ ከይዱ ድማ፡ ብዙሓት ካልኦት ክሞቱ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ህጹጽ መፍትሒ እንተ ዘይተረኺቡሉ፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ነበርቲ ናይታ ከተማ ግዳያት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ማሕበራት ረዲኤት ኣጠንቂቖም።
እታ ንገለ ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ተቓውምቲ ሶርያ ከም እትድግፍ ዝንገረላ ቱርኪ፡ ኣብታ ከተማ ገለ ኣሃዱታት ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
እቲ ቃፍላይ ነተን ኣብቲ ቦታ ዘለዋ ዒላማ መጥቃዕቲ ሓይልታት መንግስቲ ሶርያ ክኾና ዝኽእላ ኣሃዱታት ንምጥንኻር ምዃኑ'ውን ጸብጻባት ገሊጾም።
ሓሙሽተ ታንክታት ዝርከበኦ ድሩዓት መካይን ዘለዎ ብድምር ኣስታት 50 ተሽከርከርቲ ዝሓቖፈ ቃፍላይ ምንባሩ ኣገልግሎት ዜና ኤ ኤፍ ፒ ጸብጺቡ።
ሶርያ፡ እቲ ቃፍላይ ናብቲ ቦታ ምእታዉ ቅሉዕ ወራር'ዩ ክትብል ድሕሪ ምቅዋም ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ መጥቃዕታ ከም እትቕጽል ኣጠንቂቓ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







