ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቱርኪ ንኩርዳውያን እንተጥቂዓ ቁጠባኣ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ እየ ኢሉ

ብቱርኪ ዝድገፉ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ተቓለስቲ ኩርዳውያን መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ኣብ ምድላው ይርከቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብቱርኪ ዝድገፉ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ተቓለስቲ ኩርዳውያን መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ኣብ ምድላው ይርከቡ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቱርኪ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ምስሓብ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ሶሪያ መዝሚዛ ነቶም ብኣሜሪካ ክድገፉ ዝጸንሑ ኩርዳውያን ሓይልታት እንተድኣ ኣጥቂዓ፡ ኣሜሪካ `ንቱርኪ ብቑጠባ ከተዕንዋ`ያ` ክብል ኣፈራሪሑ።

እቶም ኩርዳውያን`ውን ንቱርኪ ክተዃትኹዋ ከምዘይደሊ ትራምፕ ብሰንበት ክልተ ጊዜ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ሶሪያ ኣብ ጎኒ ኩርዳውያን ሚሊሻ ኮይኖም ኣንጻር እስላማዊ ጉጅለ [ዳዕሽ] ተዋጊኦም`ዮም።

ቱርኪ ግን ነቲ ፒፕልስ ፕሮቴክሽን ዩኒት (ውሕስ ህዝቢ)ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓይሊ ከም ኣሸባሪ ሓይሊ`ያ ትርእዮ።

ፕረሲደንት ጣይብ ኤርዶዋን ኣሜሪካ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብምሕጋዛ ቁጠዓኡ ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ፡ ክጭፍልቖ ምዃኑ ድማ ፈኪሩ`ዩ።

እቲ ናይ ሰንበት ናይ ትራምፕ ርእይቶ፡ ንተወሳኺ ወቐሳ ንሃንደበታዊ ውሳነ ምስሓብ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ሶሪያ ስዒቡ`ዩ መጺኡ።

ምስሓብ ኣመሪካውያን ወተሃደራት ካብ ሶሪያ፡ ንኢራን፣ ሩስያን ፕረዚደንት በሽር ኣል ዓሳድ ናይ ሶሪያን ዘርብሕ `ኣሉታዊ ጽልዋ` ክህልዎ`ዩ ኢሉ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ንጉሳዊ ቤተሰብ ሱዕዲ ዓረብ ዝኾነ ልዑል ቱርኪ ኣል ፈይሳል፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

ማይክ ፔምፖ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት እናገበሩ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሽዑዲ ረኪቦሞም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ማይክ ፔምፖ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዑደት እናገበሩ ይርከቡ

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ቀጻሊ ደገፍ ኣመሪካ ንመሻርኽቲ`ታ ሃገር ዝኾና ዞባውያን ሃገራት ማእከላ ምብራቕ ንምግላጽ፡ ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ርእሰ-ከተማ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ዝኾነት ሪያድ ይርከብ።

ትራምፕ እንታይ`ዩ ኢሉ?

ትራምፕ ኣሜሪካውያን ወተሃደራት ካብ ሶሪያ ንምስሓብ ዝወሰዶ ስጉምቲ ቅኑዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዝተረፉ ተዋጋእቲ ዳዕሽ እንተሃልዮም፡ `ኣብ ቀረባ ቦታ ካብ ዘሎ` ዘይተሰመየ መዓስከር መጥቃዕቲ ክፍነወሎም ይኽእል`ዩ ኢሉ።

ቱርኪ ንዋይ ፒ ጂ እንተድኣ ኣጥቂዓ፡ ቁጠባኣ ብኸመይ ክህሰይ ከምዝኽእል ግን ኣይገለጸን። ትራምፕ `20 ማይልስ ዝስፍሃቱ ውሑስ ቦታ` ክምስረት ምዃኑ`ውን ኣተምቢሁ። ልእኽቲ ቢቢሲ ባብራ ፕለት ኣሸር እዚ ኣዘራርባ`ዚ ሚስተር ፖምፐዮ ምስ ዞባውያን መራሕቲ ዝዘራረበሉ ዘሎ ዓይነት መፍትሒ ይመስል ኢላ።

ሩስያ፣ ኢራንን ሶሪያን እተን ዝዓበያ ተጠቀምቲ ህላወ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ሶሪያ ኮይነን ጸኒሐን`የን፡ ሕጂ ግን ነቶም ወተሃደራት ናብ ዓዶም ምምላስ እዋን ኣኺሉ`ዩ ኢሉ ትራምፕ።

ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ`ቲ ተዋፊሮምሉ ዝጸንሑ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር`ቲ ብዋይ ፒ ጂ ዝምራሕ ደሞክራስያውያን ሓይልታት ሶሪያ (ኤስ ዲ ኤፍ) ዝርከብ 30 ሚእታዊት መሬት ሶሪያ ብቕልጡፍ ስሒቦም ክወጹ ኣብ ዝሓለ ወርሒ ምስ ኣዘዘ ንመሻርኽቲ ኣሜሪካ ኣሰንቢዱ`ዩ፡ ኣብ ኣሜሪካ ድማ ሓያል ተቓውሞ ገጢምዎ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ማይክ ፖምፐዮ`ኸ እንታይ በለ?

ኣብ`ዚ ቀዳመ-ሰንበት፡ ሚስተር ፖምፐዮ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ መቭሉት ካቩሶግሉ ብቴለፎን ከምዝተዘራረበን ቱርኪ ነቶም ኩርዳውያን ተዋጋእቲ ውሕስነት ክትህብ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝካኣል ድማ `ትስፉው` ምዃኑ ገሊጹ። ዝርዝር ግን ኣይሃበን።

`ህዝቢ ቱርኪን ሚስተር አርዶዋንን ሃገሮም ካብ ኣሸበርቲ ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለዎም` ኣሜሪካ ትኣምን`ያ ኢሉ ሚስተር ፖምፐዮ ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ ዝሃቦ በብርሂ።

`እቶም ኣብ ጎንና ኮይኖም ንነዊሕ እዋን ዝተዋግኡ`ውን ውሕስነት ክወሃቦም ከብዝግባእ`ውን ንፈልጥ ኢና` ድማ ኢሉ።

ኣብ ሪያድ ድማ ፖፐዮ ብዛዕባ ኣብ ኢራንን የመንን ዘለዉ ግጭታትን መርመራ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ክዛተ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ጸብጺበን።

ኣብ ሶሪያ ክንደይ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣለዉ?

ኣስታት 2,000 ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ሶሪያ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ይእመን። ናይ ሽዑ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዝነበረ ባራክ ኦባማ ውሑድ ቁጽሪ ዝነበሮም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ንተዋጋእቲ ዋይ ፒ ጂ ከማኽሩን ከሰልጥኑን ምስ ለኣኸ`ዩ ድማ ኣጋር ሰራዊት ንፈለማ እዋን ኣብ ቀውዒ ናይ 2015 ናብ ሶሪያ ኣትዩ።

ንዳዕሽ ንምግጣም ዓረባውያን ተዋጋእቲ ንምዕጣቕን ምስልጣንን ዝገበረቶ ፈተነታት ኣብ ሕንፍሽፍሽ ምስ ኣተወ`ያ ድማ ኣሜሪካ ነዚ ዝገበረት።

ጸኒሑ ግን ቁጽሪ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ሶሪያ እናዓበየ መጺኡ፡ ኣብ ሰሜናውን ምብራቓውን ክፋል ናይ`ታ ሃገር ድማ ሓያሎ መዓስከራትን መዓልቦ ነፈርቲ ውግኣትን ተመስሪቱ።