ሶርያ፡ ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ "ብመንግስቲ ዝድገፉ ዕጡቓት" ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, TWITTER/@DANNYMAKKISYRIA
ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ፡ ኣብ ልዕሊ ወታሃደራዊ ዕላማታት ትማሊ ለይቲ ብዝተገብረ ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ሓያሎ ብመንግስቲ ዝድገፉ ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ'ለዉ።
ኣብ ከተማታት ሃማን ኣለፓን ወታሃደራውያን ትካለት በቶም ዝተተኮሱ ሚሳይላት ከም ዝተሃርማ ሰራዊት ሶርያ ኣፍሊጡ።
ብዛዕባ ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝሃቦ ዝኾነ ሓበሬታ ግን የለን። እንተኾነ ግን፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሶርያውያንን፡ ዝበዝሑ ኢራናውያን'ዮም ዝበሎም 22 ወጻእተኛታት ከም ዝተቐትሉ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚመደበሩ ንግጭት ሶርያ ዝከታተል ጉጅለ ተዛሪቡ።
ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየደ ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን። ቅድሚ ሕጂ ምዕራባውያንን ሃገራትን እስራኤልን ንወታሃደራዊ ትካላት ሶርያ የጥቅዓ ከም ዝነበራ ይፍለጥ።
ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣሜሪካ፡ ዓዲ እንግሊዝን ፈረንሳን ነቲ ስነቀመማዊ ኣጽዋር ይስራሓሉ'ዩ ዝበልኦ ትካላት ብሚሳይላት ደብዲበን ከም ዝነበራ ይዝከር።
እስራኤል ብወገና፡ ንገለ ኢራን ትጥቀመሉ'ያ ዝበለቶ ወታሃደራዊ መኣዘዚ ማእከላት ብምጥቃዕ እቶም 7 ኢራናውያን ምዃኖም ዝንገረሎም 14 ኣባላት ቀቲላ ተባሂላ ትሕመ'ያ።
እስራኤል፡ ነቲ ኢራን ኣብ ሶርያ ዘለዋ ህላወ ንምድኻም ኣሐይላ ከም እትሰርሕ ገሊጻ ነይራ'ያ። ኢራን፡ ነቲ በቲ ኣብ 2011 ዝተወለዐ ኩናት ሓድሕድ ዝተዳኸመ ፕረዚደንት ባሻር ኣል ኣሳድ ብምድጋፍ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወታሃደራታ ኣብ ሶርያ ከም ኣሰሊፋ ከምዘላ ይንገር።
ብኢራን ዝድገፉን መብዛሕትኦም ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ሕዝቡላህ ዝኾኑን፡ ካብ ዒራቕ፡ የመንን ኣፍጋኒስታንን ዝተኣኻኸቡ ናይ ሺዓ ሚሊሻን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ሶርያ ብምዃን ክዋግኡ ጸኒሐም'ዮም።
እቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 200 ዝኣክል ሚሳይላት ከም ዘዕነወን 16 ሰባት ከም ዝተቐተለን ሓደ ኣባል ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ኣብ ሶርያ ዘሎ ልፍንቲ ንመጽሄት ኒውዮርክ ታይምስ ሓቢሩ።
ታስኒም ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ኢራን ግን እቲ ጸብጻብ 'መሰረት ዘይብሉ' እዩ ክብል ገሊጽዎ'ሎ።
እቲ መጥቃዕቲ ብኢስራኤል ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል'ኳ ይግለጽ እንተሎ፡ ሚኒስተር ስለያ'ታ ሃገር ዝኾነ ዪስራኤል ካዝ ግን ብዛዕባ'ቲ ዝበሃል ዘሎ መጥቃዕቲ 'ኣፍልጦ የብለይን' ክብል ተዛሪቡ።
"እዚ ኩሉ ኣብ ሶርያ ዘሎ ዕንወትን ዘይምርግጋእን ውጺኢት ናይቲ ኢራን ኣብታ ሃገር ወታሃደራዊ ህላወ ክትምስርት እትገብሮ ዘላ ሓቐነ'ዩ። እስራኤል ድማ ካልእ ሰሜናዊ ግንባር ክኽፈት ኣከተፍቅድን'ያ" ኢሉ እቲ ሚኒስተር።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣልዓዲን ቦሮጀርዲ ዝተባህል ላዕለዋይ ኣባል ባይቶ ኢራን ብወገኑ፡ ሎሚ ሰኑይ ምስ ፕረዚድንት ባሻር ኣል ኣሳድ ብምርኻብ፡ ክሳዕ ወግእ ሓድሕድ ሶርያ ዘብቅዕ ሃገሩ ሓይልታታ ካብ'ታ ሶርያ ከምዘይተወጽእ ኣፍሉጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







