ኣሜሪካ ሰራዊታ ካብ ሶሪያ ትስሕብ ከምዘላ ምምሕዳር ትራምፕ ገሊጹ

ኣስታት 2,000 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ከምዘለዉ ይእመን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣስታት 2,000 ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ሶርያ ከምዘለዉ ይእመን

ወተሃደራት ኣሜሪካ ካብ ሶሪያ ስሒቦም ይወጹ ከምዘለዉ ምምሕዳር ትራምፕ ገሊጹ።

እቲ ምስሓብ ሰራዊት፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ጉጅለ ዕጡቓት ኣስላማዊ መንግስቲ [ዳዕሽ] `ተሳዒሩ`ዩ` ድሕሪ ምባሉ`ዩ ጀሚሩ።

ፔንታጎን [ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ] ናብ `ዝቕጽል መድረኽ ናይ`ቲ ወፍሪ` ይሰጋገር ከምዘሎ ገሊጹ፡ እንተኾነ ግን ዝሃቦ ዝርዝር የልቦን።

ኣስታት 2,000 ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶሪያ ኣብ ምድምሳስ ዝበዝሕ ሓይሊ ዳዕሽ ሓጊዞም`ዮም። ገና ግን ዝተረፉ ዕጡቓት ኣለዉ።

ዳዕሽ ዳግማይ ንኸይውደብ፡ ሰብ መዚ ምክልኻል ኣሜሪካ ገለ ወተሃደራት እታ ሃገር ኣብ ሶሪያ ክጸንሑ ይደልዩ`ዮም ዝብል ግምት ነይሩ።

ምስሓብ ኣሜሪካ ንጽልዋ ሩስያን ኢራንን ኣብ ሶርያ ይኹን ብዓብዩ ኣብ`ቲ ዞባ ከዛይዶ ከምዝኽእል`ውን ይፍራሕ።

ብፔንታጎን ይኹን ብዋይት ሃውስ [ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ] ዝተዋህቡ መግለጺታት `ናብ ዝቕጽል መድረኽ ናይ`ቲ ወፍሪ ንሰጋገርሉ ኣብ ዘለና እዋን፡ ኣሜሪካ ሰራዊታ ክትመልስ ጀሚራ`ላ` ኢሎም።

`ድሕነት ሰራዊትን ምስጢራውነት ናይ`ቲ ስርሒትን ንምሕላው` ፔንታጎን ብዛዕባ`ቲ ዝቕጽል መድረኽ ዝኾነ ይኹን ተወሳኺ መግለጺ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ።

ዋይት ሃውስ ድማ፡ ኣሜሪካን መሻርኽታን `ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ጥቕምታት ኣሜሪካ ንምሕላው ኣብ ዝኾነ ይኹን ጽፍሒታት ዳግማይ ንምውዳብ ድልዋት`የን፡ ጥሩፋት እስላማውያን ግዝኣት መሬት ከይሕዙ፣ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ከይረኽቡን ዶባትና ከይጥሕሱን ንምግታእን ብሓባር ምስራሕና ክንቅጽል ኢና` ኢሉ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ድማ ድሕሪ`ቶም `ታሪኻውያን ዓወታት` ሕጂ ሰራዊትና ናብ ዓዶም ዝምለስሉ እዋን`ዩ ኢሉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

እቲ ግብረ-መልሲ`ኸ እንታይ ይመስል?

ኣሜሪካ `ጽልዋኣ ኣብ`ቲ ቦታ እተረጋግጸሉ ካልእ ኣማራጺታት ከምዘለዋ` ከምዝተነገራ እስራኤል ገሊጻ። እንተኾነ ግን `መቐን ጊዜን ኣተገባብራን ሳዕቤናትን ናይ`ቲ ምስሓብ ከተጽንዖ ምዃና`ኣፍሊጣ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያን ወጻኢ ሩስያ ማሪያ ዛኻሮቫ ድማ እቲ ውሳነ ናይ ኣሜሪካ ኣብ ምፍታሕ ሽግር ሶሪያ `ሓቀኛን ርግጸኛን ፖለቲካዊ መፍትሒ` ከምጽእ ይኽእል`ዩ ኢላ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ምስሓብ ሰራዊት ሃገሩ ካብ ሶርያ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝኣተዎ ቃል`ዩ። እዚ ናይ ሕጂ መግለጺ ግን ንገለ ናይ ባዕሉ ሰብ-ስልጣናት ከይተረፈ ከየገረሞም ኣይተርፍን።

`ዕጡቓት ዳዕሽ ክጠፍኡ`ዮም ዝበለ ሰብ የለን። ክሳብ ክንድኡ የዋህ ዝኾነ ሰብ የለን። ስለ`ዚ ድማ ኣብ`ቲ ቦታ ሰላም ንምስፋን ክንጸንሕ ኢና` ኢሉ ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኣብ ጉዳያት ዓለማዊ ጥምረት ንምጥፋእ ዳዕሽ ብረት ማክጋርክ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

እቲ ምስሓብ ሰራዊት ምስ ተነግረ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝህቦ መዓልታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ብረቡዕ ብሃንደበት ኣቋሪጽዎ።

ሓደ ካብ ደገፍቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ባይቶ ድማ ኣባል ናይ`ታ ንጉዳያት ሰራዊት እትከታተል ኮሚቴ ሪፓብሊካን ሰኔተር ሊንድሰ ግራሃም እቲ ምስሓብ ሰራዊት `ምስ ናይ ኦባማ ዝመሳሰል ዓቢ ጌጋ` ኢሉዎ።

ብተኸታታሊ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮም ጽሑፋት ድማ ዳዕሽ `ኣይተሳዕረን` ብምባል፡ ምስሃብ ሰራዊት ኣሜሪካ `ንመሻርኽትና ኩርዲ ኣብ ሓደጋ ከውድቖም`ዩ` ኢሉ።

ቱርኪ ኣንጻር`ቶም ኣብ ሰሜናዊ ሶሪያ ዓስኪሮም ዝርከቦ ሚሊሽያ ኩርዲ መጥቃዕቲ ንምፍናው ትዳሎ ከምዘላ ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ገሊጻ ነይራ። እቲ ጉጅለ ሚሊሻ መሻርኽቲ ወፍሪ ኣሜሪካ ኣንጻር ዳዕሽ`ዩ።

ኣፈኛ መንግስቲ ብሪጣኒያ ድማ፡ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት `መፈጸምታ ናይ`ቲ ዓለማዊ ጥምረት ኣንጻር ዳዕሽ ይኹን ወፍሪታቱ ኣየመልክትን` ኢሉ። ብሪጣንያ `ነባሪ ስዕረት` ዳዕሽ ንምርግጋጽ `ውፍይቲ ኮይና ከምትቕጽል` ድማ ኣረጋጊጹ።

`ብዙሕ ክግበር ዘለዎ ነገር ኣሎ፡ ነቲ [ዳዕሽ] ከዝዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ድማ ክንዝንግዖ የብልናን` ኢሉ እቲ መግለጺ መንግስቲ ብሪጣኒያ።

`ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት እንዳተኸታተልና፡ ንኣሜሪካ ወሲኽካ ምስ መሻርኽትና ኮይንና ሸቶታትና ብኸመይ ከምንወቅዕ ምምክኻርና ክንቅጽል ኢና` ድማ ኢሉ።

Grey line 2 pixels

ሕንፍሽፍሽ ፖሊሲ ኣሜሪካ?

ውሳነ ፕረሲደንት ትራምፕ ነቲ ወግዓዊ ኣቕዋም ናይ ፔንታጎንን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን የፍርስ፡ ንመሻሪኽቲ ኣሜሪካ ዝኮኑ ኩርዲ ድማ ኣብ ዓቢ ሓደጋ የውድቖም።

ኣስታት 2,000 ወይ ካብኡ ዝበዝሑ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ስሪሒታት ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ተዋፊሮም ጸኒሖም። ሓያሎ መደበራትን መዕለቢ ነፈርትን ድማ ተሰሪሖም`ዮም። ነየናይ ስትራተጂያዊ ዕላማ ግን?

ዳዕሽ ንብ ስዕረት ገጹ ይኸይድ ኣሎ። ፕረሲደንት ዓሳድ ናይ ሶርያ ድማ ገና ኣብ ስልጣኑ ተኾይጡ`ሎ። ሕጂ እቲ ዕላማ ነቲ ኣናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ሩስያን ኢራንን ኣብ`ቲ ዞባ እንተደኣ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ሰፊሕ ግዝኣት መሬት ተዘርጊሑ ዝርከብ 2,000 ሰራዊት ነዚ ዕላማ`ዚ ከዕውት ዘይክል ኣዝዩ ንእሽቶ ሓይሊ`ዩ።

ህላወ ናይ`ዚ ሓይሊ`ዚ ንኣሜሪካ `ኣብ ሓደጋ ዘእቱ`ዩ`፡ ብዙሓት ሰባት ግን ነዚ ሰራዊት ናይ ምስሓብ ውሳነ ከም ምልክት ሕንፍሽፍሽን ዘይርግጹነትን ፖሊሲ ኣሜሪካ ኣብ`ዚ ወሳኒ ዞባ ክራይዎ`ዮም።

Grey line 2 pixels

ህላወ ኣሜሪካ ከመይ`ዩ?

ወተሃደራት ኣሜሪካ ብዝያዳ ኣብ`ቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶሪያ ዝርከብ ዞባ ኩርድ`ዮም ዓሪዶም ጸኒሖም።

ምስ`ቶም ብዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ ተባሂሎም ዝፍለጡ ሶሪያውያን ኩርድን ዓረባውያን ተዋጋእትን ዝጸንሐ ሽርክነት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝተገብረ ምድምሳስ ዳዕሽ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ`ዩ።

እንተኾነ ግን እቲ ጉጅለ ዕጡቓት ፈጺሙ ኣይጠፍአን። ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻብ ኣሜሪካ ድማ ገና ክሳብ 14,000 ዝኾኑ ዕጡቓት ዳዕሽ ኣብ ሶሪያ፡ ካብኡ ዝበዝሑ ድማ ኣብ ዒራቕ ከምዘለዉ ሓቢሩ። መርበቦም ዳግማይ ንምውዳብ ድማ ስልትታት ደባይ ተዋጋእቲ ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ`ውን ይፍራሕ።

ሽርክነት ኣሜሪካን ኩርዲን ግን ነታ ነቲ ዋይ ፒ ጂ ሚሊሻ ከም ጥብቆ ናይ`ቲ ንርእሰ-ውሳነ ዝቃለስ ውጉዝ ዕጡቕ ጉጅለ ኩርዲ እንርእዮ ጎረቤት ሃገር ቱርኪ ኣቖጢዕዋ`ዩ።

ፕረሲደንት ጥየብ ኤርዶዋን ናይ ቱርኪ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ውሽጢ ሶሪያ ኣንጻር ዋይ ፒ ጂ ስርሒት ንምክያድ ወጢና ከምዘላ ኣፍሊጡ። ነቲ ውጥን ድማ ምስ ፕረሲደንት ትራምፕ ብቴለፎን ከምዝተመያየጥሉን ትራምፕ `እወታዊ መልሲ` ከምዝሃበን ድማ ገሊጹ።

ኣሜሪካ ሰለስተ ነጥቢ ሸውዓተ ቢሊዮን ዶላር ዝዋግኦም ሚሳይላት ንቱርኪ ክትሸጠላ ከምዝተሰማምዐት ብሰኑይ ገሊጻ። እቲ ኦላማ መሸጣ ኣጽዋር `ብቕዓት ሓይልታት ምክልኻል ቱርኪ ኣብ ምብዳህ ወራር ንምድንፋዕን ውሕስነት ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ቱርኪ ወተሃደራዊ ልምምድ ክገብራ ንዝኽእላ ኣባል ሃገራት ኔቶ [ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ] ንምርግጋጽን` ምዃኑ ኣሜሪካ ብሰለሱ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።

ሩስያ ድማ ብረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብቕዓት ምክልኻል ቱርኪ ንምሕያል መሸጣ ምክልኻል ሚሳይላት ነታ ሃገር ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጣ።

ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር`ቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶሪያ ተሪፉ ዘሎ ንእሽቶ ሓይሊ ዳዕሽ`ውን ይሕግዙ`ዮም።

Presentational white space