መንነት ናይቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 1,000 ስደተኛታት ንምልላይ ትጽዕር ዘላ ዶክተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ሊብያ ንኤውሮጳ ንክሰግሩ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ናይ ገፈፍቲ-ዓሳ ጃልባ ተጻዒኖም ጕዕዞኦም ለይቲ ምድሪ ጀመሩ። እታ ጃልባ ኣብ ሕምብርቲ ማእከላይ-ባሕሪ ምስ በጽሐት፡ ናይ ወርሒ ብርሃን ኣብ ዘይነበሮ ከውታ ለይቲ ጠሓለት።
እቶም ጢሒሎም ዝሞቱ ሰባት በዓል መን ምዃኖም ከይተፈልጠ ብኣሊፍ ኣብ ሓደ ህሞት ጠፍኡ። ብኣጋጣሚ ግን እቶም ዝጠፍኡ ሰባት ኣይተረስዑን፣ ሓንቲ ዶ/ር ክሪስቲና ካታነኦ ዝተባህለት፡ ሬሳ እትምርምር ኢጣልያዊት ሓኪም፡ መንነቶም ንምፍላጥ ተበገሰት። ንሓሙሽተ ዓመታት ከኣ ነቲ ጕዳይ ተታሓሓዘቶ።
እቲ ቀንዲ ዕላማ ዶክ. ካታነኦ ኣስማት ናይ’ቶም ብ 18 ሚያዝያ 2015 ዝጠሓሉ ስደተኛታት ንምዝርዛር እዩ። ምስ ብጾታ ዀይና ድማ ናይ ልዕሊ 350 ዝጸነቱ ሰባት ፋይላት ገናጺላ ክትከታተሎ ጀመረት።
ብመጀመርታ እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት ካብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝመጹ ከተረጋግጽ ከኣለት - ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ጋምብያ፡ ማሊ፡ ሴራሊዮን፡ ኣይቮሪኮስት፡ ናይጀርያ፡ ማውሪታንያ፡ ሰነጋል ነበሩ፣ ካብ ባንግለደሽ ዝመጹ’ውም ነበሩዎም።
ነታ ጃልባ ዝመርሕ ዝነበረ ሓደ ቱኒዝያዊ፡ ድሒሩ ብቤት ፍርዲ ዓዲ ጣልያን ብቅትለትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር-ሰብን ገበነኛ ዀይኑ ተረኺቡ’ዩ። ምስኡ’ውን ሓደ ሶርያዊ ተሓባባሪ ነይሩዎ።
እቲ ቅርሱስ ጕዕዞ ብጊሓት ካብ ገምገም ጋራቡሊ፡ ካብ ትሪፖሊ ንሰሜን ዝርከብ ቦታ፡ ጀመረ። እቶም ተጐዓዝቲ ኣብ ሓንቲ ስም ዘይነበራ፡ 20 ሜትሮ ዝንውሓታ፡ ሰማያዊ ዝሕብራ፡ ኣብቲ ገማግም ማይ ሓፍ-ኮፍ ትብል ዝነበረት ጃልባ ሓደ-ብሓደ ደየቡ። ኣብ ኣንፊ’ታ ጃልባ ብዓረብኛ “ኣላህ ዝመረቓ” ዚብል ዝተረቀመ ጽሑፍ ነበራ።
ኢብራሂም ሰንጎር ዝበሃል ሰኔጋላዊ ኣብታ ጃልባ ክድይብ ብለይቲ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ተረኽበ። ይዅን’ምበር ብምኽንያት ብዝሒ ሰብ ኣብቲ ገምገም ደው ኢሉ ተረፈ። ኢብራሂም ነታ ጃልባ እናረአየ ገዲፋቶ ነቐለት። እቶም ዘይሕጋውያን-ኣሰጋገርቲ ኢብራሂም ከፊሉ ክነሱ ግን ብዶላር ስለ ዘይከፈለ’ዮም ገዲፎሞ ዝኸዱ።
እታ ጃልባ ምስ ነቐለት እቲ መራሕ-ጃልባ ክብደት ጽዕነቱ ሕ’ሉፍ ምንባሩ ኣስተብሂሉ ነታ ጃልባ ደው ከም ትብል ገበረ። እቲ ዋና-ኣሰጋጋሪ-ሰብ ድማ ኣዝዩ ተቘጢዑ ሽጉጡ ኣውጺኡ ነቲ መራሕ-ጃልባ ከፈራርሖ ጀመረ። ንላዕሊ ኸኣ ተኰሰ። ድሕሪ ነዊሕ ንትርኽ እታ ጃልባ ናብ ኣህጕራዊ ባሕሪ ገጻ ተበገሰት።
ዓብደልረዛቕ፡ ሓደ ካብ’ቶም 24 ሶማልያውያን ኣብ ዝባን’ታ ጃልባ ዝነበሩ፡ ብሓይሊ ደፊኦም-ደፋፊኦም ኣብ‘ታ ጃልባ ዝተሰቕሉ፡ ካብ ሊብያ ብምውጽኡ እፎይታኡ ይገልጽ ነበረ።
ርግጽ’ዩ፡ ናይ ሊብያ መንግስቲ፡ ድሕሪ ሙዓመር ቃዳፊ ምውዳቑ፡ ተገማምዐ፣ ሸፋቱ ኸኣ ገርገሩ። ስደተኛታት ሓለፍቲ መንገዲ ድማ ኣብ ኢድ ሸፋቱ ብምውዳቕ ንሓደጋ ተቓሊዖም’ዮም። ነብሶም ንከድሕኑ ድማ ኣሽሓት ይኸፍሉ ነበሩ።
ዓብደልረዛቕ ብዛዕባ እታ ዝጐዓዘላ ዝነበረ ጃልባ ክሳብ ክንደይ ንባሕሪ ከም እትበቅዕ ኣይሓሰበን፣ ብህይወቱ ግን ይጣላዕ ከም ዝነበረ ኣይጠፍኦን።
ኣብ ክፉት ኣህጕራዊ ባሕሪ ምስ በጽሑ ዓብደልረዛቕ ድቃስ ወሰዶ። እታ ጀልባ 100 ኪ.ሜ. ካብ ገምገም ሊብያ ርሒቓ ኣብ ማእከል ማእከላይ-ባሕሪ ምስ በጽሐት ክትንውነው ጀመረት፣ እቲ መራሕ-ጃልባ ኸኣ ናይ መግደራ-ጻውዒት ከቓልሕ ጀመረ። ሽዑ ፍርቂ ለይቲ ቀሪቡ ነበረ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ሕብረት-ኤውሮጳ ተንሳፈፍቲ ንምድሓን ካብ እተካይዶ ዝነበረት ስራሓት ስሒባ ስለ ዝነበረት እታ ጃልባ ኣብ ምሒር ሓደጋ ወደቐት። ሓንቲ “ንጉስ ያዕቆብ” ዝስማ ዓባይ ናይ ኮንተይነር መርከብ ነቲ ናይ መግደራ-ጻውዒት ሰሚዓ ሞቶራ ኣጥፊኣ ደው በለት፣ መብራህቲ ወሊዓ ድማ ነቲ ባሕሪ ክትድህስሶ ጀመረት።

ምንጪ ስእሊ, Maritime Connector
እታ ጃልባ ብተጓዓዝቲ ብጽዑቕ መሊኣ ኣብ ጸላም ክምብል-ክምብል እናበለት ናብታ ዓባይ መርከብ ተጸግዐት። እቶም ተሳፈፍቲ ብፍርሒ ተደሪኾም ናብ ሓደ ሸነኽ ገጾም - ጥቓ እታ መርከብ ንምጽጋዕ - ተንቀሳቐሱ፣ እታ ጃልባ ኸኣ ሚዛና ኣጥፍአት። እቲ መራሕ ጃልባ፡ ንምግላጹ ብዘጸግም፡ ነታ ጃልባ ናህሪ ወሰኸላ። ስዒቡ እታ ጃልባ ምስ’ታ ዓባይ መርከብ ተጓነጸት።
ዓብደልረዛቕ ከም ዘዘንተዎ፡ እታ ጃልባ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይና ጸጸኒሓ ምስታ ዓባይ መርከብ እናተጓነጽት ክትጥሕል ጀመረት። ንሱ ሓምባሳይ ስለ ዝነበረ ግን ካብ ትሕቲ’ታ ጃልባ ቦሎኽ ኢሉ ወጸ። “ካብ ጃልባና ብማዕበል ተደፊእና ምስ ጠሓልና እቶም ክሕምብሱ ዘይክእሉ ሰባት ሓዙኒ፡ ክዳነይ በጀግጀግ ክሳብ ዝብል” ይብል ዓብደልረዛቕ።
“ካብቲ ማይ-ባሕሪ ክኣቱ ክወጽእ ዝረኣኽዎም ጦብላሕላሕ ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ዝሰማዕኩዎ ኣውያት ... ኣነ፡ ብድኻም ተሰኒፈ፡ ከብደይ ብማይ-ባሕሪ መሊኡ፡ ካብ ማእከል እቶም ኣብ ኣፋፍኖት ሞት ዝነበሩ ሰባት ርሒቐ ንነብሰይ ከድሕን ናብታ ዓባይ መርከብ ገጸይ ክሕምብስ ጀመርኩ። ተስፋ ኣብ ምቝራጸይ ኣብ ጥቓይ ቀለቤት መድሕን-ህይወት ወደቐ” ይብል ዓብደልረዛቕ።
ብተኣምር ዓብደልረዛቕ ክድሕን ከኣለ - ሓደ ካብ’ቶም 28 ዝደሓኑ ሰባት ምዃኑ’ዩ። ምድሪ ከይወግሐ ሓደ ጁሰፐ ፖሚላ ዝተባህለ ሓኪም ካብ ሲሲሊ ብሓንቲ መርከብ ሓለውቲ-ባሕሪ መጺኡ ነቲ ኵነታት ተዓዘበ።
እቲ ሓኪም ነቶም ኣብ ባሕሪ ሓውሲ ተንጠልጢሎም፡ መሓውሮም ለሚሱ፡ ኣብ ፈቐድኡ ዝተዘርኡ ሬሳታት ሓደ ብሓደ መብራህቲ ወሊዑ እናገላበጠ ረኣዮም። ኵሎም ሞይቶም ረኸቦም።
ብሃንደበት ፖሚላን ብጾቱን ኣውያት-ሰብ ሰምዑ፣ ተሓባቢሮም ከኣ ንሓደ ብዕድል ህይወቱ ዘይሓለፈት ሰብ ረኸቡ፣ ስሒቦም ኸኣ ኣድሓንዎ። እቲ ዝደሓነ ሰብ ዝብሎ ጠፍኦ፣ “ጣልያን ዲኻ? ጣልያን ዲኻ?” እናበለ ደጋጊሙ ክምርቕን ከመስግንን ተሰምዐ።
ጸኒሑ ዶክ ፖሚላ ሓደ ካልእ ሰብ ከድሕን ከኣለ። “እቲ ሰብ ዝሞተ ይመስል ነበረ፣ ኣዒንቱ ቋሕ ኢሎም መሓውሩ ግን ኣይንቀሳቐሱን ነበሩ። ጸኒሑ ግን ብሃንደበት ሓዘኒ” ይብል እቲ ሓኪም። ዕድሉ ጸቢቑሉ ኸኣ እቲ ሰብ ክድሕን ከኣለ።
“እቶም ክልተ ሰባትሲ ደሓኑ፣ ካልኦት ከምኦም ዘየስተብሃናሎም ዶ’ዀን ነይሮም ይዀኑ ኢለ ንነብሰይ ኵሉ ጊዜ’የ ዝሓታ ... ከእዊ ዘይከኣለ ...መሓውሩ ከንቀሳቕስ ዘይከኣለ ሰብ ነይሩዶ ይኸውን?” እናበለ እቲ ዶክተር ንነብሱ ብቐጻሊ ይሓታ።
ኣብቲ እዋንቲ 800 ሰባት ጥሒሎም ተባሂሉ ኣብ ሚድያታት ዓለም ተቓልሐ። ማተኦ ረንዚ፡ ናይ ሽዑ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነታ ዝጠሓለት ጃልባ ተሳሒባ ክትወጽእ፡ እቶም ዝሞቱ ድማ ብግቡእ ክቕበሩ ኣዘዘ።
ካብ ሽዑ ጀሚራ’ያ ዶክ. ክሪስቲና ካታነኦ ነቲ ጕዳይ ዝተሓወሰቶ። ነቶም ብፈለማ 249 ኣብ ዙርያ እታ ጃልባ ዝተረኽቡ ሬሳታት ንምጽናዕን ብሕጊ ዝጠልቦ መስርሕ ንምሕላፍን ጀመረት።
እታ ዝጠሓለት ጃልባ ኣብ 370 ሜትሮ ዝዕምቈቱ ቦታ ተረኽበት፣ ተሳሒባ ኸኣ ብ27 ሰነ 2016 ወጸት። ነታ ጃልባ ንምድላይን ምውጻእን ማዕረ €9.5 ሚልዮን ወጻኢ ተገብረ። 348 ናይ መጥፍእ-ሓዊ ወትሃደራት ተመዚዞም ነቶም ኣብ ከብዲ እታ ጃልባ ዝነበሩ ሬሳታት ከውጽኡ ተመዘዙ።
እታ ጃልባ ናብ ሓደ ወተሃደራዊ መዓስከር ተወስደት፣ እቲ ስራሕ ምስ ተጀመረ እቲ ሽዑ ዶክ. ካታነኦ ዝተሞከረቶ ዘስካሕክሕ ተሞክሮ ብዝርዝር ክትስንዶ ጀመረት።

ምንጪ ስእሊ, AP/Salvatore Cavalli
“ኣብ ዉሽጢ እታ ጃልባ ዝረኸብናዮም ሬሳታት ንምርኣይ ዜስካሕክሕ ነበረ - ገጾም ዘይልለ፡ ኣካላቶም ጨሪሱ ዝመሽመሸ ሬሳታት ረኸብና” ትብል ዶክ. ካታነኦ። እቶም ሬሳታት ኣመና ተጸፋጺፎም - ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ 5-6 ጊዜ ተደራሪቦም ረኸብናዮም” ኢላ ወሰኸትሉ። ከምኡ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ምሉእ ህይወታ ርእያ ከም ዘይትፈልጥ መስከረት።
ኣብቲ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰባት እቲ ሬሳ ሕዝ ከብሉዎን ብትኽትኽ እናበለ ስለ ዘሸገሮም ብብዙሕ ጥንቃቐ ሓደ-ብሓደ ከውጽእዎ ጀመሩ። እቶም ሰባት ካብ 20 ደቓይቕ ንላዕሊ ክሰርሑ ስለዘይከኣሉ ጸጸኒሖም ይለዋወጡ ከም ዝነበሩ፡ ምሸት-ምሸት ድማ ስነ-ኣእሙሮኣዊ ሓገዝ ይወሃቦም ከም ዝነበረ ዶክ. ካታነኦ ትገልጽ - እቲ ተሞክሮ ኣዝዩ ሃሳዪ ስለ ዝነበረ።
እቶም ሬሳታት ወረቐት መንነቶም ኣብ ጁቡኦም ስለ ዝነበረ ሓደ-ብሓደ እናውጽኡ ክምዝግብዎም ጀመሩ። ገሊኦም ደብዳቤታት ናይ ፈተውቶምን ቤተሰቦምን፡ ኣሳእል፡ ረኸቡ። “ሓደ ወዲ 14 ዓመት ዝዕድሚኡ መንእሰይ ድማ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ሒዙ ረኸብና” ትብል ዶክ ካታነኦ።
“ሓደ ወዲ 18 ዓመት ድማ ኣብ ማልያኡ ቍጻር ሓመድ ቋጺሩ ረኸብናዮ” ብምባል ኣብ ናታ ተዘክሮ ትሰግር። ብንእሽቶኣ ዶክ ካታነኦ ኣብ ካናዳ’ያ ዓብያ። ንዓዲ ጣልያን ምስ ስድርኣ ክትመጽእ ከላ ንመዘከርታ ክኾና ሓመድን ቆጽልን ቋጺራ ንካናዳ ትምለስ ከም ዝነበረት ተዘከራ።
“እቲ ዘገርም ግን ናይ ቆልዑን ኣዴታትን ሬሳታት ኣይረኸብናን” ትብል ዶክ. ካታነኦ። “ስኒ ናይ ሓደ ቆልዓ ግን - ናይ ሓደ ቆልዓ ጥራይ - ረኺብና” ትብል። ዓብደልረዛቕ፡ ሓደ ካብ’ቶም ዝደሓኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣይረኣኹን ይብል፣ ኢብራሂም ግን፡ እቲ ኣብ ገምገም ዝተረፈ ኢብራሂም ግን፡ ደቂ ኣንስትዮ ክጸዓና ርእየ ይብል።
“እቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ነታ ጃልባ ጥርንቕ ኣቢሎም መሊኦማ ነይሮም፡ ዋላ እቲ ውሽጣዊ ክፋል ናይታ ጃልባ ብሰብ መሊኡ ከም ዝነበረ ከነረጋግጽ ክኢልና” ኢላ ተዘንቱ ዶክ ካታነኦ። እቶም መንነቶም ዝተለለየ ሬሳታት ኣብ ሲሲሊ ተቐብሩ። እቲ ዝተረፈ 30 ሽሕ ዝኣክል ኣዕጽምትታት ግን ፡ ኣብ ናታ ላቦራቶሪ ንኸተጽንዖምን ከተጋጥሞምን ንሚላኖ ሒዛቶም ከደት።
ዶክ. ካታነኦ ተስፋ ከይቆረጸት ዓጽሚ ምስ ዓጽሚ እናላገበት መንነት ሬሳታት ንምልላይ ክሳብ ሎሚ ትሰርሕ ኣላ። እቲ ስራሕ ኣድካሚ ምዃኑ ኸኣ ትገልጽ።
ንዶክ. ካታነኦ ኣስማት ናይ’ቶም ጥሒሎም ዝሞቱ ሰባት ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ፣ “እዚኦም ከማና ሰብ’ዮም፡ ህይወት ሰብ ከኣ፡ ይሙት ይሃሉ፡ ብክብሪ ክታሓዝ ኣሎዎ። ልዕሊ ዅሉ እዞም ሰባት ሰብ ኣሎዎም - ብግቡእ ክርድኡ ይግባእ” ትብል። ሰባት ሰቦም ከም ዝሞቱ ክፈልጡ ከም ዝግባእ ደጋጊማ ትዛረብ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንስድራ-ቤት መወትቲ ሓደ-ብሓደ ኣርዲኦሞም’ዮም። ዶክ. ሆዘ ፓብሎ ባራይባር፡ ሓላፊ ፎረንሲሳዊ ምርመራ ቀይሕ መስቀል፡ ናብ ሰነጋል፡ ማውሪታንያ ከምኡ’ውን ካልኦት ሃገራት ብምብጻሕ ምስ ስድራ-ቤት መወትቲ እናተራኸበ ነቶም ሬሳታት ንምልላይ ዲ.ኤን.ኤይ. እናኣከበ ዝከኣሎ መጽናዕቲ ኣካዪዱ’ዩ።
ንኢብራሂም ናብ ሰኔጋል ብምኻድ ከዘራርቦ ክኢሉ’ዩ። በቲ ዶክ. ባራይባር ኰነ ዶክ. ካታነኦ ዘካየድዎ መጽናዕቲ እቶም ብ 18 ሚያዝያ 2015 ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ዝተገመተ ንላዕሊ ኰይኑ ተረኺቡ - 1,050 – 1,100 ዝኣኽሉ ሰባት ከም ዝሞቱ። እዚ ካብቲ ቀዳማይ ግምት ብ 30% ይበዝሕ ኰይኑ ረኸብዎ።
ኢብራሂም ብዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት ካብ ዓዱ ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ኣብታ ጃልባ ከም ዝተሰቕሉ፡ ግናኸ ኣብ ሕሳብ ከም ዘይኣተዉ ክምስክር ክኢሉ’ዩ። ዝነበሮ ሸይጡ ኣብታ ቅርስስቲ ጃልባ ንክስቐል ፈቲኑ ኣይኰነሉን።
ካብ ሞት ድሒኑ፡ ናብ ዓዱ ብህይወቱ ክምለስ ከኣ ከኣለ። ሽዑ ሓንቲ ከየፍረየ ንዓዱ ብምምላሱ የሕፍሮ ነበረ፣ ጸኒሑ ኸኣ ብህወቱ ምትራፉ ብጾቱ ግን ብምጽናቶም ካልእ ሕማቕ ስምዒት ፈጠረሉ።
ዶክ. ካታነኦ ነቶም ዝጸነቱ ንምልላይ ዝያዳ ጻዕርታት ክካየድ ከም ዘሎዎ ትኣምን። በዚ ዘሎ ተክኖሎጂ ተሓጊዙ ዝተዋሃሃደን ዝሓሸን ስርሓት ክስራሕ ከም ዝከኣል ርግጸኛ’ያ።
እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ስርሕ ኣዝዩ ዝሑል ምዃኑ ባዕላ ዶክ. ካታነኦ ትዛረብ’ያ። ክሳብ ሕጂ ናይ 150 ሬሳታት መንነት ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ፣ እዚ ግን እኹል ዉጽኢት ከም ዘይኰነ ኣግሂዳ ትንግር’ያ። ካብ 2014 ጀሚሩ ካሳብ ሕጂ ዳርጋ 20,000 ሰባት ኣብ ባሕሪ ጠፊኦም’ዮም።
መንግስታት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘሎዎም ኣቕዋም ኣይግድን ምዃኑ፡ ነቲ ስራሕ ንምስራሕ ዜኽእል እኹል ገንዘብ’ውን ክዋጻእ ብዘይምኽኣሉ የሕዝና።
ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ዲ.ኤን.ኤይ ምስሊ (profile) ኣብ ሓደ ማዕከን-ዳታ ክእከብ እንተዝካኣል ነይሩ ነቲ ስራሕ - መንነት ምዉታን ንምልላይ - ክሰልጥ ምኸኣለ ኢላ ትኣምን።
ሕጂ ዓብደልረዛቕ ኣብ ሰሜን ኤውሮጳ ይነብር ኣሎ። እቲ ናይ ሽዑ ተረክቦ ኵሉጊዜ ይዝከሮ። ነቲ ብዶክ. ካታነኦ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ብምድናቕ ብዝተኻእሎ ኣገባብ ክተሓባበራ ድልው ምዃኑ ይገልጽ። “ኣዕጽምቲ ናይ’ቶም ምሳይ ዝነበሩ ህይወቶም ዝጠፍአ ሰባት ኣስማት ብዕሊ ክንገር እንተ ዝከኣል ጽቡቕ ነይሩ - ኵሉ ምቐበጸን ምቐሰነን”ይብል።
እቶም ንሱ ዝዝክሮም ሰባት ኣስማቶም ንዶክ. ካታነኦ ሂቡዋ ኣሎ፣ ንሱ’ውን ሓገዝ’ዩ።
“እቶም ዝሞቱ እንታይ ዓይነት ናብራ ከም ዝነበሮም እናፈለጥናዮ ንመጽእ ኣሎና። እንታይ ዓይነት ህይወት ከም ዝነበሮም ጥራይ ዘይኰነስ ብኸመይ ከም ዝሞቱ’ውን ይነግሩና ኣሎዉ” ትብል ዶክ. ካታነኦ።
“ኣማውቶኦም’ውን እንታይ ዓይነት ድንገት ከም ዜጓነፎም፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ሕማቕ ዕድል ኣነጺሩ ይነግረና’ዩ። ካብቲ ዝፈርሕዎ ኣይወጹን። እዚ ምፍላጥ ንህይወትና ይልውጦ’ዩ” ኢላ ዘረባኣ ትድምድም። እቶም ዝሞቱ በዓል መነ-መን ከም ዝነበሩ ንምፍላጥ ጌና ህርድግ ትብል ኣላ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







