ሪቻርድ ጊርን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያንን ብጉዳይ ስደተኛታት ይሰሓሓቡ

ሪቻርድ ጊር ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ 10 ነሓሰ 2019

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሪቻርድ ጊር ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ 10 ነሓሰ 2019

ውሩይ ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ሪቻርድ ጊር፡ ገበርቲ ሰናይ ስፐይን፡ ነታ መንግስቲ ጥልያን ናብ ወደቡ ከይትዕሽግ ዝኸልከላ ስደተኛታት ጽዒና ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተንሳፍፍ ዘላ መርከብ ንኽቕበላ ንመንግስቲ ጥልያን ምሕጽንታ ብምቕራብ፡ መንግስቲ ጣልያን 'ንሰባት ምሕሳር' ከቋርጽ ኣለዎ' ኢሉ።

ውሩይ ተዋሳኣይ ሆሊዉድ ሪቻርድ ጊር፡ ብዓርቢ ናብታ ስደተኛታት ጽዒና ናብ ማያዊ ግዝኣት ዓዲ ጣልያን ንከይትጽጋዕ ተኸልኪላ እትርከብ መርከብ ደይቡ ምስቶም ስደተኛታት ተራኺቡ።

እንተኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ ጣልያን ማትዮ ሳልቫኒ፡ ነቲ ወቐሳ ምስ ሰምዐ፡ ሪቻርድ እንተደልዩ ነዞም 160 ስደተኛታት ናብ ሆሊዉድ ክወስዶም ይኽእል'ዩ ኢሉ።

ሪቻርድ ጊር፡ ከም መርኣያ ደገፉ'ዩ ናብታ ስደተኛታት ጽዒና ዘላ መርከባ በጺሑ። ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከኣ እቶም ስደተኛታት ናብ ወደብ ክራገፉ ምሕጽንትኡ ኣስሚዑ።

ሪቻርድ ጊር ኣብ ዘረብኡ፡ ነቲ ስደተኛታት ዝጽዓነት መርካብ ናብ ባሕሩ ከይትጽጋዕ ዝዓገተ ሳልቫኒን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝኽተሎ ፖሊሲ ኣደዳ ነቐፌታ ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብምውድዳር ምምስሳሎም ገሊጹ።

"ኣብ ኣሜሪካ ካብ ሆንድራስ፡ ኒኮራግዋ፡ ሜክሲኮን ክልእን ዝመጹ ስደተኛታት ኣለዉና። ኣብዚ ከኣ ከምኡ፡ ስለዚ ሓደ ዓይነት ጸገም እዩ ዘሎ" ድሕሪ ምባል፡ ፖሎቲከኛታት እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሓሳር ከየውርዱ ተማሕጺኑ።

"እዚ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ክቋረጽ ብሓደ ኮይንና ንማሕጸን" ኢሉ።

ሲልቫኒ ስደተኛታት ዝጽዓነት መርከብ ናብ ማያዉ ግዝኣት ዓዲ ጣልያን ከይትኣቱ ከልኪሉ'ዩ ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሲልቫኒ ስደተኛታት ዝጽዓነት መርከብ ናብ ማያዉ ግዝኣት ዓዲ ጣልያን ከይትኣቱ ከልኪሉ'ዩ ዘሎ

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማትዮ ሳልቫኒ፡ ንዘረባ ሪቻርድ ጊር መልሲ ክህበሉ ግዜ ኣይወሰደን።

"እዚ ሚልዮነር ብዛዕባ እዞም ሓገዝ ዝሓቱ ዘለዉ ስደተኛታት እዩ ተሻቒሉ። ግን ከኣ በታ ናይ ውልቁ ነፈሪት ናብ ሆሊዉድ ወሲዱ ኣብቲ ገፋሕቲ ገዛውቱ ከንብሮም ይኽእል እዩ፡ ነመስግነካ ሪቻርድ ጊር" ክብል መሊሱሉ።