ስደት፡ ሊብያ ሰለስተ መዳጎኒ ስደተኛታት ክትዓጹ እያ

እዞም ስደተኛታት ኣበ ወርሒ ሓምለ ናይ ኣየር መጥቓዕቲ ኣጋጢምዎም ነይሩ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሊብያ ፋትሒ ባሻግሃ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰልስተ ዓበይቲ መዳጎኒ ስደተኛታት ከም ዝዕጸው ሓቢሩ።

እተን ክዕጸዋ ተወሲኑለን ዘሎ መዳጎኒ መዓስከራት ሚስራታ፡ ታጁራን ካሙስን ምኻንን እውን ተገሊጹ።

እዚ ውሳነ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ታጁራ፡ 20 ስደተኛታት ዝሞትሉ መጥቓዕቲ ኣየር ድሕሪ ምግጣሙ፡ ስደተኛታት ናብቲ መዳጎኒ መዓስከር ተመሊሶም ክኸዱ ይግደዱ ኣለዉ ዝብል ነቀፌታ ድሕሪ ምምጽኡ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ትሪፖሊ ዓሪዱ ዘሎ መንግስትን፡ ኣብ ቤንጋዚ ሰሪቱ ዘሎ ሃገራዊ ሰራዊት ሊብያ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ተቓዋሚ ሓይልን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ነዚ መዳጎኒ ስደተኛታት ንክዕጾ ምኽንያት ከም ዝኮነ ይጥቐስ እዩ።

ንጉዳይ ስደተኛታተ ኣብ ልብያ ዝከታተላ ማሕበራት ግን፡ እዘን ሰልስተ ዓበይቲ መዳጎኒ ስደተኛታት ምዕጻወን ኣብተን ተሪፍን ዘለዋ መዳጎኒ ስደተኛታት ጽቕጥቕጥ ክፈትር ከም ዝክእልን፡ ስደተኛታት ኣደዳ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ከይኮኑን ስግኣተን ዝገልጻ ዘለዋ።

ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ልብያ ናብ ዓዲ ጣልያን ክጉዓዙ ካብ ዝፍትኑ ዝነበሩ ስደተኛታት 150 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝዝከር እዩ።

እዚ ከኣ ሎሚ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ዘጋጠመ ሞት እቲ ዝከፈአ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።