ስደት፡ “እቲ ካብ ሃገር ዘንፍጽ ድዩ ወይስ እቲ ዝቕበል ክውቀስ ዝግበኦ?”

ብርሃነ ወልደገብረኤል

ምንጪ ስእሊ, BEREHANE WELDEGEBRIEL

ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኤስ-ኦ-ኤስ ሜድትራኔ: ዝተባህለ ትካል ረድኤት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት እተድሕን ኦሻን ቫይኪንግ እተሰምየት 31 ኣባላትን ሸሞንተ መሻርኽቲ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዘለውዋ ኖ ሪጅን (ዞባ ኣልቦ) ባንዴራ እትጥቀም ሓዳሽ ናይ ድሕነት መርከብ ከምዘዋፈረ ብዜና ተጠቒሱ ነይሩ።

እዚ ዜና ምስ ተሓበረ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኮነ ኣብ መውሃብ ርእይቶ ገጻት ቢቢሲ ትግርኛ፡ "እዚ ዜና'ዚ፡ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት፡ ካብ ባሕሪ ሜዲተራንያን እተድሕነኩም መርከብ ኣላ'ሞ ሃየ ንቐሉ ማለት'ዶ ኣየስምዕን" ዝብል ርእይቶ ክጸሓፍ ቀንዩ።

ስደት ደፋእን ዓዳምን ረቛሒታት ኣለዎ። እቲ ደፋኢ ረቛሒ፡ ካብ ቤትካን ሃገርካን ዘንፍጸካ ፖለቲካዊ ሃድን፣ ኩናት ሓድሕድ፣ ዓሌታዊ ጎንጽን ግጭትን፣ ባህሪያዊ ሓደጋ ዕልቕልቕልን ደርቅን ወዘተ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ዓዳሚ መዳዩ ከኣ፡ ልዑል ቁጠባዊ ረብሓ፣ ሰላምን ቅሳነትን፣ ብሉጽ ደረጃ ትምህርትን ሕክምናን ወዘተ ክጥቀስ ይከኣል እዩ። ጽንካረን ጥጡሕ ጉዕዞ ስደትን እውን ብኡ መጠን ምስ ደፋእን ዓዳምን ረቛሒታት ክጥቀስ ይከኣል እዩ።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስርሓት ሂወት ኣድሕን ጀሚራ ዘላ መርከብ 'ኦሻን ቪኪንግ'

ምንጪ ስእሊ, CLEMENT MAHOUDEAU

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስርሓት ሂወት ኣድሕን ጀሚራ ዘላ መርከብ 'ኦሻን ቪኪንግ'

እቲ ርእይቶታት ከኣ፡ እንተደኣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት እተድሕን መርከብ ተዋፊራ ኣላ ዝብል ዜና ተቓሊሑ፡ ስደተኛታት ብብዝሒ ክውሕዙ ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ ሓደጋ ብኡ መጠን ክውስኽ ይኽእል'ዩ ካብ ዝብል ስክፍታ ዝነቅል ምዃኑ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይጠቕሱ።

ምምሕዳር ህዝባዊ ርክባት ስርሒት ኤስኦኤስ ሜዲተራኒ ላውራ ጋረል ቅድሚ መርከብ ኦሻንያ ቫይኪንግ ክትሰርሕ ዝጸንሐት ኣኳርየም ዝተባህለት ናይ ድሕነት መርከብ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ንዘድሓነቶም ስደተኛታት ኣብ ጥልያንን ማልታን ከይተውርዶም ክትክልከል ጸኒሓ ክነሳ ስለምንታይ ሕጂ ካልእ ወፍሪ ኣድልዩ ንዝብል ሕቶ ብኸምዚ ዝስዕብ እያ ትምልሶ።

"ካብ ምጅማር'ዚ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ልዑል ዝኾነ መጠን ሞት'ዩ ዝረአ ዘሎ። ዛጊት ከኣ ልዕሊ 600 ሰባት ብምጥሓልን ብምስብባርን ጀላቡ ሞይቶም። መራክብ እተን ዘይመንግስታውያን ትካላት ብሕብረት ኣውሮጳ ስከዝተኸልከላ፡ ከም ቀደም ንስደተኛታት ዘድሕና ዝነበራ መራክብ የለዋን" ኢላ።

ወሲኻ፡ "እቶም ካብ ሊበያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ገና ቁጽሮም ኣይነከየን ዘሎ። ሊብያ ገና ማእከል ግርጭት እያ ዘላ። ስለ ዝኾነ እቶም ስደተኛታት ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ካብ ዓመጽ፡ ማእሰርትን ስቓይን ክሃድሙ እዮም ንማእከላይ ባሕሪ ከቋርጹ ዝፍትኑ ዘለዉ" ትብል።

እቲ ተበግሶ፡ ንስደት ከም ዝዕድም ተግባር (ፑል ፋክተር) ክቑጸር ኣይክእል'ዶ ንዝብል ሕቶ ከኣ፦

"ስደተኛታት ገና ነዚ ሓደጋኛ መንገዲ ካብ ምፍታን ኣየቋረጹን። ስራሕና ምስ ፍልሰት ስደተኛታት ዋላ ሓንቲ ዘራኽብ የብሉን። በንጻሩ ስራሕና ማሕበረ ሰብ ዓለም ብዛዕባ እቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ፈቖዶ መዳጎኒ መዓስከራት ዘለው ስደተኛታት ንኽዛረበብ ጸቕጢ ክፈጥር እዩ። ሓላፍነትና ንጹር እዩ፡ በዛ ዘላትና ሓንቲ መርከብ ኣብ ባሕሪ ጸገም ንዘጋጠሞም ስደተኛታት ኢና ነድሕን። ስራሕና ኣድካምን ኣህላኽን እዩ። ምስዚ ኩሉ ዘለና ክእለት፡ መጠን ሞት ከነጉድል ንኽእል እምበር ከነወግድ ኣይንኽእልን ኢና" ትብል።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስርሓት ሂወት ኣድሕን ትሰርሕ ዝነበረት መርካብ ኣኳርስ ካብ ታሕሳስ 2018 ጀሚራ ስራሓ ከተቋርጽ ተገዲዳ እያ

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስርሓት ሂወት ኣድሕን ትሰርሕ ዝነበረት መርካብ ኣኳርስ ካብ ታሕሳስ 2018 ጀሚራ ስራሓ ከተቋርጽ ተገዲዳ እያ

ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ መርከብ ድሕነት ሰይቭ ዘ ቺልድረን ኣብ ሜዲተራንያን ባሕሪ ዝሰርሕ ዝነበረ ስሙይ ጋዜጠኛ ነበር ብርሃነ ወልገብሪኤል፡ ስራሕ ባሕሪ ማዕረ ክንደይ ኣድካሚ ምንባሩ ምስክርነቱ ይህብ።

ብርሃነ ነቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ህሞት ብምዝካር፡ ዕለታዊ ናብ ስራሕ ድሕነት ክነቕሉ እንከለው፡ ኣቐዲሞም ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝጸንሑ ስደተኛታት ዝኸውን መግብን ክዳንን መድሃኒትን ቀሪቦም፡ ናይ ርድኡና ጻውዒት ምስ መጽኦም ናብተን ጀላቡ ተጸጊዖም በተን ናእሽቱ ናይ ድሕነት ጀላቡኦም ናብታ ዓባይ መርከብ ንኸግዕዙዎም ዓቢ ጻዕሪ ከምዝሓቶም ይገልጽ።

ንሃለዋት እቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ዝብገሱ ስደተኛታት ከኣ " ካብ ሕሱም ቤት ማእሰርቲ ዝወጽኡ ውነ ኣልቦ (ዞምቢ) እዮም ዝመስሉ" ንሕሰሞም ይገልጾ።

ሓደ እዋን ከኣ ኣብታ 360 ሰባት ጥራሕ እትሕዝ መርከቦም፡ 1066 ሰባት ከምዘድሓኑን፡ ሓንቲ ነብሰ-ጾር ኣደ ኣብታ መርከብ ከምዝወለደትን ይዝክር።

ንጥፈታት እተን ግብረ ሰናይ ማሕበራት፡ ነቲ መንግስታት ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ምዕራብ፡ ብዝተወደበ መልክዕ፡ ዓቕሚ ሰብና ብስደት ይመጽየኦ ኣለዋ ዝብለኦ ዘራጉድ ኣይመስልን ሕቶ ኣየልዕልን'ዶ ንዝብል፡ "ማሕበራት ግብረ ሰናይ ስርሐን ሰብ ምድሓን እዩ። ካልእ ዕላማ የብለንን። ግን ከኣ እቶም ካብ ሃገር ሰባት ዘንፍጹ ዘለው መራሕቲ፡ ነቶም ንስደተኛታት ካብ ሞት ዘናግፉ ዘለው ክወቕሱ ስግንጢር እዩ" ክብል ይምልስ።

ምምሕዳር ሕዝባዊ ርክባት ስርሒት ኤስኦኤስ ሜዲተራኒ ላውራ ጋረል እውን "እቶም ብማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት መድሕን- ሂወት ጃኬት ኣይጥቀሙን እዮም።

ዝበዝሑ እውን ሓምቢሶም ኣይክእሉን እዮም። ብሕጊ ማሪታይም ከኣ ከምዚ ዓይነት ክስተት፡ ኩነተ-ጸቕጢ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ኣብዚ ኩነት'ዚ፡ ብሕጊ ማሪታይም፡ ካብ ባሕርን ሞትን ኣድሒንና ናብ ውሑስ ቦታ ኢና ንወስዶም።

ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ማሪታይም፡ ሊብያ ውሑስ ሃገር ስለዘይኮነ ናብኡ ኣይንመልሶምን ኢና።" ትብል።

ብርሃን ወልደገብርኤል

ምንጪ ስእሊ, BEREHANE WELDEGEBRIEL

ብምቕጻል "ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ከቢድ ጸገም ዘጋጥም ዘሎ፡ ኣብታ ሃገር፡ ከምቲ ዝድለ ናጻ ኮይነን ዝሰርሓ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ስለዘየለዋ ይመስለኒ። ስለዚ ኣብ ሊብያ ኣቲና ስደተኛታት ከነውጽእ ኣይንኽእልን ኢና፡ ሓላፍነትና'ውነ ኣይኮነን፡ ቀረብ መድሃኒት ምስ ዘቕርብ ማሕበር መዲሰን ሳን ፍሮንታይር መሻርክትና ግን ንሰርሕ ኢና። ምስቶም ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ዝሰርሑ MSF እውን ተሻሪኻን ንሰርሕ ኣለና" ትብል።

ድሕሪ ነዊሕ ስቓይ፡ ኣብ ሓድሕድ ሓይልታት ሊብያ ኩናት ምስተኻየደ ካብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ወጺኡ ሕጂ ኣብ ትሩብሊ ዝነብር ዘሎ መንእሰይ፡ "ተግባራት ድሕነት ገበርቲ ሰናይ ንዓና ነቶም ኣብ ሽግር ዘሎና ተስፋ እዩ" ኢሉ።

እቶም ካብ ቤትና ዘንፈጹና ስርዓታትን፡ "መተባብዒ ስደት እዩ!" ዝብሉ ወገናትን እዚ ዘሎናዮ መሪር ስቓይ ብሕልነኦም ክሓስቡዎ የዘኻኽር ይብል።