መጥቃዕቲ ኣየር ሊብያ፡ ብውሕዱ 44 ስደተኛታት ተቐቲሎም

ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ሬሳታት እናውጽኡ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ሬሳታት ግዳያት እናውጽኡ

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን (UNHCR) ዓለምለኻዊ ውድብ ስተደኛታትን (IOM) ነቲ ብውሕዱ 44 ስደተኛታት ዝቐተለ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኮኒኖም።

በቲ መጥቃዕቲ ካልኦት ልዕሊ 130 ሰባት ከም ዝቖሰሉ'ውን ተፈሊጡ።

"ነቲ ሞትን መቑሰልትን ዓሰርተታት ዘስዓበ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ታጁራ ዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ብትሪ ንኹንን" ክብሉ ኣብቲ ብሓባር ዘውጽእዎ መግለፊ ኣስፊሮም።

እቶም ትካላት ቀጺሎም፡ "ምድጓን ስደተኛታት ደው ክብልን፡ ድሕነቶም ኣብ ሊብያ ክሕሎን" ጸዊዖም።

"ብዘይካዚ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ነቶም ስደተኛታት ካብ ሊብያ ንምግዓዝ ሰብኣዊ መተሓላለፊ ኮሪደር ክኸፍት ህጹጽ ጻውዒትና ነቕርብ" ኢሎም።

መዳጎኒ መዓስከር ታጁራ፡ ቆልዑን ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከብዎም ብውሕዱ 600 ስደተኛታት ተታሒዞምሉ ዝጸንሐ'ዩ።

ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበረ ካብ ኤርትራ ኣብ 2014 ዝወጽአ፡ ኣብ ልብያ ከኣ ዓመትን ክልተ ወርሕን ዝገበረ ሰመረ ደበሳይ፡ እቲ ደብዳብ እንትፍፀም፡ ስደተኛታት ብድንጋፀ ናብ ደገ ከምዝተበተኑን እቲዝነበርሉ መሓዩር ናብ ሓመድ ከምዝተቐየረን ይዛረብ።

" እቲ ሰብ ብስንባደ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይጎይይ ስለዝነበረ፡ ገሊኦም ዝተወቕዑ ብፍሑኽ ናብ ደገ ወፅዮም፡ ዝሞተ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ጎልጎል ተሰጢሑ ተሪፉ" ብምባል ድሕሪ እዚ ስደተኛታት ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ዱር ከምዝኣተዉ ሓቢሩ።

ኣብ 2016 ናብ ሊብያ ዝኣተወ ኢትዮጵያዊ ክንዱ እቲ ዝተደብደበ ገዛን እቲ ንሶም ዝነበርዎን ብሓደ ዝተላጋገበ ህንጻ ምዃኑ ብምሕባር፡ ናብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት መዓልታዊ ሓደሽቲ ሰባተ ስለ ዝኣትዉ እቶም ዝሞቱ መንነቶም ክፈልጥዎም ከም ዘይኽእሉ ብምግላጽ ኣብቲ ዝነበሩሉ ዝተወግኡ ሰባት ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

"እዚ መጥቓዕቲ እዚ ፋልማዩ ኣይኮነን፡ ኣብ ዝሓፈፈ እዋን'ውን ደብዲቦም ኣርባዕተ ሰባት ተጎዲኦም ነይሮም'ዮም፡ UNHCR መጽዮም ርዕዮምና ጥራይ ዮም ከይዶም፡ በዚ ናይ ትማሊ ደብዳብ ከኣ ካባና በዙሕ ዝቆሰለ ሰብ ኣሎ፡ ሓደ ብፍላይ ኣብ ርእሱ ጭላፍ ቬትሮ ኣብ ርእሱ ኣትይዎ፡ ንሕክምና ወሲደሞ ኣለዉ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘሎ ሓበሬታ የብልናን፡ ካብቶም ዝሞቱ ግን ኢትዮጵያውያን ይሃልዉ ኣይሃልዉ ክንፈልጥ ኣይከኣልናን" ብምባል ቃለ ምስክርነቱ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ዛጊድ ዝተገበረሎም ሓገዝ ከምዘየለ ዝገልፅ ሰመረ ደባሳይ፡ ሞራል ስደተኛታት ተተንኪፉ እዩ ይብል።

" ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ዝመፀና ሓገዝ የለን። ትማሊ እቲ ሬሳታት ኣውፅዮም ምስ ወድኡ መፅዮም ነይሮም፡ ግን ንስኹም ኣብ ዘለኽሞ ዓቕሊ ግበሩ እሞ፡ ምድሪ ምስወግሐ ክንመፅእ ኢና ኢሎም ከይዶም" ብምባል እቲ ሕዚ ዝርከብሉ ኩነታት ተዛሪቡ።

ብመሰረት መግለጺ ናይቶም ትካላት፡ ኣብ ትሪፓሊን ከባቢኣን ልዕሊ 3,300 ስደተኛታት "ኣብ ትሕቲ ኢ-ሰብኣዊ ኩነታት" ብዘይሕጊ ተዳጒኖም ይርከቡ።

ክልቲኦም ትካላት፡ ናይ ሓካይም ጉጅለታት ናብቲ ቦታ ከምዝለኣኹ ብምሕባር ድማ፡ ኩሎም ወገናት ንዓለምለኻዊ ሕግታት ስደተኛታት ብምኽባር፡ ውሕስነት ናይቶም ግዳያት ከረጋግጹ ተማሕጺኖም።

እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ናይቲ ንትሪፓሊ ንምሓዝ ዝዋጋእ ዘሎ ጀነራል ሓፍታር ከሊፋ ዝተፈጸመ'ዩ እኳ እንተትባህለ፡ ሓይልታቱ ግን እቲ ኣብ ትሪፓሊ ዝመደበሩ መንግስቲ'ዩ ፈጺምዎ ክብሉ ከሲሶም።

ታጁራ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ርእሰከተማ ትሪፓሊ ዝርከብ ከባቢ'ዩ።