ሊብያ፡ ኣብ መርዓ ኣብ ዝካየደሉ ቦታ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 42 ሰባት ተቐቲሎም

ጀነራል ካሊፋ ሃፍጣር

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር ንሲቪል ዜጋታት ዒላማ ከም ዘይገበሩ ገሊጾም

ኣብ ደቡብ-ምዕራብ ሊብያ፡ ሓይልታት መራሒ ዓማጺ ጉጅለ ጀነራል ካሊፋ ሃፍጣር ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣየር ብውሑድ 42 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሰበስልጣን ኣፍሊጦም።

እቶም ግዳያት ሙርዙቕ ኣብ ዝተበሃለት ከተማ ኣብ ሓደ መርዓ ዝተኣከቡ ሰባት ምንባሮም ድማ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ምዕራባዊ ሊብያ ዝነቆጡ ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር ብወገኖም፡ ብሰንበት ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምእማን ንሲቪል ዜጋታት ዒላማ ከም ዘይገበሩ ገሊጾም።

ንነዊሕ ዓመት ንሊብያ ዝመርሐ ሞዓመር ቃዛፊ ብ2011 ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ፡ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ዘይምርግጋእ ትርከብ።

መረዳእታ ትካል ጥዕና ዓለም ከም ዝሕብሮ ኣብ ሞንጎ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስትን ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣርን ንኣዋርሕ ብዝቐጸለ ውግእ ካብ ሚያዝያ ናብዚ ጥራይ ልዕሊ 1000 ሰባት ተቐቲሎም።

ነቲ ጀነራል ዝድግፋ ሚድያታት፡ ንዕሱባት ቻዳውያን (ደቂ ቻድ) ወተሃደራት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ሓቢረን።

ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር፡ ነቲ ነዳዲ ዝፈርየሉ ክፋል ደቡብ ንምቁጽጻር ሓሲቦም ንከተማ ሙርዙቕ ኣብ መእተዊ ናይዚ ዓመት ሒዞምዋ ነይሮም። ጸኒሖም ግን ነታ ከተማ ገዲፎምዋ ወጺኦም።