ግጭት ሊብያ፡ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዓሰርተታት ቀቲሉ

እሙናት ወተሃደራት ጀነራል ሃፍጣር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ዓመት እሙናት ወተሃደራት ጀነራል ሃፍጣር ዘርኣዩዎ ወተሃደራዊ ምርኢት

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሊቢያ ሓይልታት ጀነራል ካሊፋ ሃፍጣር ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ፡ 42 ሰባት ሞይቶም።

ሰበ ስልጣን ሊብያ ከም ዝገለጹዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ሙረዙቃ ኣብ ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ'ዩ ተፈጺሙ።

ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዝዓረዱ ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር፡ ነታ ከተማ እምበር ንስቪላውያን ዘነጻጸረ ኣይነበረን ክብሉ ብሰንበት ገሊጾም።

ሊብያ ኣብ 2011 መዓሙር ጋዳፊ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ፡ ኣብ ግጭት ተሸሚማ ከምዘላ ይፍለጥ።

ባይቶ ምምሕዳር ኢብራሂም ዖማር ንኤኤፍፒ ከም ዝበሎ፡ በቲ መጥቃዕቲ ነፋሪት፡ "42 ሰባት ግዳያት ሞት ኮይኖም ልዕሊ 60 ድማ ቖሲሎም፤ እቶም 30 ብኸቢድ ተጎዲኦም" ድሕሪ ምባል፡ ኣብቲ መአከቢ ኣዳራሽ፡ "ንማሕበራዊ ኣፈላላያት መዕለቢ ንምምጻእ" ዝዝትዩ ዝነበሩ ልዕሊ 200 ሰባት ምንባሮም ድማ ገሊጹ።

ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ድማ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ሓደ ስነ ስርዓት መርዓ ኣጥቂዑ ክብል ጸብጺቡ ነይሩ።

ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ [GNA] ብማሕበራዊ ሚዲያ እቲ መጥቃዕቲ እንትኹንን፡ ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር'ዮም ፈጺሞምዎ ክብል ድማ ገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን "ወተሃደራት ጀነራል ሃፍጣር ኣብ ሙርዙቓ ዝፍጽምዎ ዘለው ገበናት ከጻሪ" ኣለዎ ኢሉ።

ነቲ ጀነራል ዝድግፋ ማዕኸናት ሓበሬታ ኣብ ዝጸብጸብኦ፡ ነቲ ጀነራል ዝቃወሙ ዓሌት ቱቡ ንምውካል ብዝጥቀማሉ ኣገላልጻ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንነጋዶ ጫድ ዘነጻጸረ'ዩ ነይሩ ኢለን።

ጀነራል ሃፍጣር ኣብ 2015 ቃለ መሓላ እንትፍጽም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሃገራዊ ስምምዕ [GNA]ን ጀነራል ሃፍጣርን ይካየድ ብዘሎ ውግእ፡ ካብ ወርሒ ሚያዚያ ጀሚሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ሞይቶም ይብል ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም።

ሓይልታት ጀነራል ሃፍጣር፡ መጥቃዕቲ ኣየር እንትፍጽሙ እዚ ንኻልኣይ ግዘ'ዩ። ብሰነ፡ ኣብ ትሪፖሊ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊቢያ ዝነበሩ 44 ሰባት ብመጥቃዕቲ ኣየር ምማቶም ይዝከር።

ጀነራል ሃፍጣር፡ ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ፖለቲካ ሊቢያ ዝጸንሐ ኮይኑ ካብቶም ብኮሌነል ጋዳፊ ተመሪሖም ብ1969 ካብ ንጉስ እድሪስ ስልጣን ዝሓዘ ጉጅለ'ዩ።