ኣብ ሊቢያ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ጉዕዞ ብሽክለታ 500 ኪሎ ሜትር ክግበር'ዩ

ኣርማ ጉዕዞ ንፍትሒ የሕዋትና

ምንጪ ስእሊ, Abraham

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ፍትሒ ንክረኽቡ ዝጽውዕ 'ጉዕዞ ንፍትሒ የሕዋትና' ዝተሰምየ ጉዕዞ ብሽክለታ ጽባሕ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ክጅመር'ዩ።

እዚ ኣብ ኣውሮጳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወደብዎ ጉዕዞ ብሽክለታ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብ ከተማ ብራስለስ ብዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ክዛዘም'ዩ።

እቲ ጉዕዞ፡ ሰለስተ ሃገራት ዘቋርጽን ኣስታት 500 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ምዃኑ ድማ፡ ሓደ ካብ ወደብቲ እዚ ጉዕዞ፡ ተቀማጢ ዓዲ ጣልያን፡ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት መንእሰይ ኣብርም ተስፋይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብርሃም ተስፋይ

ምንጪ ስእሊ, Abrham

ካብ ከተማ ፍራንከፈርት ናብ ከተማ ኮብለን ብናይ 134.9 ኪሎ ሜትር ዝጅምር እዚ ጉዕዞ፡ ንሃገራት ጀርመን ሆላንድን ብምቁራጽ 5 ግንቦት ካብ ከተማ ማስትሪኽ ናብ ከተማ ብራስለስ ብዝካየድ ናይ 116.5ኪሎ ሜትር ጉዕዞን ሰለማዊ ሰልፍን ክዛዘም'ዩ።

እዞም ብብሽክለታ ጉዕዞ ዘካይዱ ጉጅለ፡ ኣብተን ዝሓልፉለን ዓበይቲ ከተማታት ናብ ኣመሓደርቲ ደብዳበ እናኣብጽሑን፡ ነቲ ህዝቢ ብዛዕባ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት መብርሂ እናሃቡን ከም ዝኸዱ መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ ይሕብር።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

"ቀንዲ ዕላማ እዞም ኣብ ሊብያ ተኸርዲኖም ዘለዉ ስደተኛታት ነጻ ንኽወጽኡ ንምጽዋዕ'ዩ" ዝበለ መንእሰይ ኣብርሃም፡ ክሳብ 50 ዝኾኑ ዘወርቲ ብሽክለታ ነዚ ጉዕዞ ክውድእዎ ትጽቢት ከም ዘለዎም ይሕብር።

ኣብ ሊቢያ ካብ ሃገራት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝወጽኡ ስደተኛታት ከም ዝርከቡ ይግለጽ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ መዳጎኒታት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ መዓልታዊ ብዘይ እኹል መግቢ፣ ኣፋውስን ውሑስ መዕቖብን ተኸርዲኖም ከም ዘሕልፉዎ'ዩ።

ዩኤንኤችሲኣር ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከስግሮምን ሕክምናን መግብን ክረኽቡ ክሕግዞምን ድማ ብተደጋጋሚ ይሓቱ ምንባሮም ይዝከር።

ዩኤንኤች ሲኣር ብወገኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜያት ኣብ ሊቢያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ኒጀር ከም ዘግዓዘ፡ ብመገዱ ይሕብር'ዩ።