ኣብ ሊቢያ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ጉዕዞ ብሽክለታ 500 ኪሎ ሜትር ክግበር'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Abraham
ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ፍትሒ ንክረኽቡ ዝጽውዕ 'ጉዕዞ ንፍትሒ የሕዋትና' ዝተሰምየ ጉዕዞ ብሽክለታ ጽባሕ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ክጅመር'ዩ።
እዚ ኣብ ኣውሮጳ ዝነብሩ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወደብዎ ጉዕዞ ብሽክለታ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብ ከተማ ብራስለስ ብዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ክዛዘም'ዩ።
እቲ ጉዕዞ፡ ሰለስተ ሃገራት ዘቋርጽን ኣስታት 500 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን ምዃኑ ድማ፡ ሓደ ካብ ወደብቲ እዚ ጉዕዞ፡ ተቀማጢ ዓዲ ጣልያን፡ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት መንእሰይ ኣብርም ተስፋይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Abrham
ካብ ከተማ ፍራንከፈርት ናብ ከተማ ኮብለን ብናይ 134.9 ኪሎ ሜትር ዝጅምር እዚ ጉዕዞ፡ ንሃገራት ጀርመን ሆላንድን ብምቁራጽ 5 ግንቦት ካብ ከተማ ማስትሪኽ ናብ ከተማ ብራስለስ ብዝካየድ ናይ 116.5ኪሎ ሜትር ጉዕዞን ሰለማዊ ሰልፍን ክዛዘም'ዩ።
እዞም ብብሽክለታ ጉዕዞ ዘካይዱ ጉጅለ፡ ኣብተን ዝሓልፉለን ዓበይቲ ከተማታት ናብ ኣመሓደርቲ ደብዳበ እናኣብጽሑን፡ ነቲ ህዝቢ ብዛዕባ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት መብርሂ እናሃቡን ከም ዝኸዱ መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ ይሕብር።
"ቀንዲ ዕላማ እዞም ኣብ ሊብያ ተኸርዲኖም ዘለዉ ስደተኛታት ነጻ ንኽወጽኡ ንምጽዋዕ'ዩ" ዝበለ መንእሰይ ኣብርሃም፡ ክሳብ 50 ዝኾኑ ዘወርቲ ብሽክለታ ነዚ ጉዕዞ ክውድእዎ ትጽቢት ከም ዘለዎም ይሕብር።
ኣብ ሊቢያ ካብ ሃገራት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝወጽኡ ስደተኛታት ከም ዝርከቡ ይግለጽ።
ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ መዳጎኒታት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ መዓልታዊ ብዘይ እኹል መግቢ፣ ኣፋውስን ውሑስ መዕቖብን ተኸርዲኖም ከም ዘሕልፉዎ'ዩ።
ዩኤንኤችሲኣር ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከስግሮምን ሕክምናን መግብን ክረኽቡ ክሕግዞምን ድማ ብተደጋጋሚ ይሓቱ ምንባሮም ይዝከር።
ዩኤንኤች ሲኣር ብወገኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜያት ኣብ ሊቢያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ኒጀር ከም ዘግዓዘ፡ ብመገዱ ይሕብር'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







