ኢጣልያ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝሓዘት መርከብ ንላምፐዱሳ ክትኣቱ ተፈቑዱላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣኽባሪ ሕጊ ኢጣልያ፡ እታ ስደተኛታት ሒዛ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሰንፈላል ኮይና ዝጸንሐት መርከብ ድሕነት፡ ኣብ ዴሴት ላምፐዱሳ ክትኣቱ ከም ዘፍቀደ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ገሊጸን።
እታ መርከብ ድሕነት፡ ልዕሊ 100 ስደተኛታት ሒዛ ከም ዘላ ይግለጽ።
መንግስቲ ጥልያን እታ ስደተኛታት ዘጸዓነት መርከብ፡ ንሰለስተ ሰሙን ዝኸውን ናብ መሬት ጥልያን ንኸይትኣቱ ኽልኪሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ይኹን እምበር፡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጫድ፣ ግብጺ፣ ጋምቢያን፤ ማሊን ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ሽዱሽተ መዓልቲ ካብታ መርከብ ወሪዶም ናብ ደሴት ላምፐዱሳ ክኣትው ተፈቒድሎም ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣቐድም ኣቢሉ፤ እቶም ስደተኛታት ብሰንኪ ዓቕሊ ጽበት ካብታ መርከብ ዘሊሎም፡ ሓንቢሶም ናብታ ደሴት ንምእታው ኣብ ዝገበረዎ ፈተነ ኣይሰለጦምን።
መስራቲ 'ኦፕን ኣርምስ' እትበሃል ናይ ድሕነት መርከብ፡ ነቲ ዝተወሰነ ውሳኔ ድሕሪ ምምስጋን፡ ድሕሪ 19 መዓልቲ ንላፐዱሳ ይጓዓዙ ምህላዎም ገሊጹ።
ቅድሚ እዚ ናይ ኣኽባሪ ሕጊ ውሳኔ፡ ስጳኛ ነቶም ሰደተኛታት ክትቅበሎም እኳ እንተወሰነት፡ እቲ ጉዕዞ 3 መዓልቲ ስለዘወስድ፡ እታ መርከብ ድሕነት ነቲ ውሳኔ ነጺጋቶ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማቴዮ ሳልቪኒ፡ ኣንጻር እተን ስደተኛታት ዘድሕና መራኽብ ተሪር ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብ ላምፐዱሳ ከየራግፋ ከልኪለውን ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ፡ ምስ መላፍንቱ ዝኾነ መራሒ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ማትዮ ሳልቪኒ ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ካብ መዝነቱ ክወርድ ከም ዝወሰነ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ኢሚግረሽንን ተሪር መርገጺ ዘለዎ ሚኒስተር ሳልቪኒ ብወገኑ፡ ንነቔፈታ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምንጻግ "ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንግስቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ድሕነት ኢጣልያ ኣውሒሰ'የ" ክብል ተዛሪቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







