ሊብያ፡ ብገበን ዘይሕጋዊ ስግግር 205 ጥርጡራትኣብ ቁፅፅር ክውዕሉ ትእዛዝ ተሓላሊፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሊብያ ኣብ 'ኔትወርክ' ዘይሕጋዊ ስግግር ስደተኛታት ኢዶም መሊሶም ዝበለቶም ካብ 205 ንላዕሊ ጥርጡራት ገበነኛታት ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውፂኣ።
እዞም ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉ ትእዛዝ ዝወፀሎም ውልቀ ሰባት ዘይሕጋዊ ስግግር ደቂ ሰባት፥ መግረፍቲን ፥ ቅትለትን ምዕማፅን ዝኣመሰሉ ገበን እዮም ተሓተትቲ ክኾኑ።
ቤት ፅሕፈት ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሊብያ ከምዝበሎ፥ እቲ ኔትወርክ እቶም ጥርጡራት ኣባላት ድሕንነት፥ ሓለፍቲ መዓስከር ስደተኛታት ከምኡ ድማ ሰራሕተኛታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኢምባሲታት ኣፍሪቃ ይርከቡዎም።
ሞሓመድ ጋዳፊ ብ2011 ከም አቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ ስልጣኖም ብዓመፅ ካብ ዝእለዩ ጀሚሩ ሊብያ ኣብ ከቢድ ዘይምርግጋዕ ጥሒላ ትርከብ።
ስልጣን እታ ዓዲ ድማ ባዕሎም ንባዕሎም ዝባልዑ ኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ተፃረርቲ ሓይልታት መንግስትን ነጭለባሻትን ወዲቑ ይርከብ።
ስለዝኾነ'ውን እታ ሃገር ካብ ትሕቲ-ሳህራ ኣፍሪካ ናብ ኣውሮፓ ዝግበር ምስግጋር ስደተኛታት ቁልፊ መተሓላለፊት ኮይና ፀኒሓ።

እቲ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ገበን፥ ቅድም ክብል ተዛመድቲ ስራሕቲ ክሰርሕ ምስዝፀንሐ አካል መንግስቲ ጥልያን ብምትሕብባር ዝስራሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ተዛሚድካ ምስራሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተገብረ ስምመዕ መሰረት ምዃኑ ድማ ተገሊፁ።
ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሊብያ ሰዲቅ ኣልሱር ከምዝበሉዎ፥ ብርክት ዝበሉ ናይ ኢሚግሬሽን ሰራሕተኛታትን ሓለፍትን ናይቲ ገበን ቀንዲ ተሳተፍቲ ኮይኖም ተረኺቦም።
ንኣውሮፓ ንክሰግሩ በረኻታት ሊብያ እንተ አደዳ ሞትን መሸጣን ካብ መንጎ ዝኾኑ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ይርከቡዎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







