'ቃንዛ ወሎዶታት' ብስእልታት ቡን ትስንድ ዘላ- ስነ-ጥበባዊት ገሊላ ረዳ

ሰኣሊት ገሊላ ረዳ

ምንጪ ስእሊ, GELILA REDA

መግለጺ ስእሊ, ሰኣሊት ገሊላ ረዳ

ኣብ ልዕሊ መሬት ዘለዉ ኩሎም ነገራት ናብ ጥበብ ክቕየሩ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዋ ሰኣሊት ገሊላ ረዳ፤ ብዙሓት፡ በቶም ቀልቢ ዝገዝኡ ብቀለም፣ ብቡንን ጨውን ትስእሎም ስእልታታ'ዮም ዝፈልጥዋ።

ንጥበብ "ኣብ ናትካ ኣእምሮ ዝነበረ ጥራሕ ኣውፂእኻ ሂወት ትዘርአሉ ውህበቶ ኣምላኽ ንስእሊ ድማ ኣብ ውሽጥካ ዝስመዐካ ሓዘንካን ሓጎስካን ትገልፀሉ ፈውሲ (therapy)'' ብምባል'ያ ትገልፆ።

line

ኣብ እንዳ ኣቦይ ረዳ፡ ጥበብ ኣብ ገሊላ ጥራሕ ኣይኮነትን ሓዲራ፡ ሕዚ ብህይወት ዘየለ ምዕባይ ሓዋ ንገሊላ'ውን፡ ንፉዕ ሰኣላይ እዩ ነይሩ።

ሓዋ ክስእል እትዕዘብ ዝነበረት ህፃን ገሊላ'ውን፡ ጦብላሕታ ጥበብ ስእሊ ኣብ ናይ ቁልዕነት ኣእምሮኣ ሓዲሩ።

ገሊላ ገና ቆልዓ ሽድሽተ ዓመት እንከላ እያ፡ ዘይተርነዓ ኣእዳዋ ብራሽ ጥበብ ጨቢጠን። ምዕባይ ሓዋ ዝሰኣሎም ስእልታት ኣብ መንደቕ፣ኣብ እምንን ደፍተርን ንድፊ ስእልታት ደጊማ ብምስኣል'ያ መገዲ ጥበብ ኣሃዱ ኢላ ዝጀመረት።

ወላዲታ እትሰፍዮም መጋየፅታት ስፈን ጥልፍታትን'ውን፡ ኣብ መገዲ ጥበብ ገሊላ ዓብይ ፅልዋ ኣሕዲሮም'ዮም።

ኣብ ግዘ ቁልዕነታ ንዕግበታ ኢላ ትስእሎም ዝነበረትን ንቀልባ ዝገዝአን ጥበብ ገዊዱ ምስ ዓበየት ድማ ፡ ቅብኣ ናይ ሙሉእ ግዘ ዓውዲ ስራሕ እያ ገይራቶ። ኣእምሮኣ ዝጠነሶም ጥበባዊ ሓሳባት ናብ ቅብኣ ንምቕያር፡ 'ኣክረሊክ' ቀለም፣ ቡንን ጨውን ብምጥቃም 'ፊገራቲቭ ኣብስትራክት' ዝበሃሉ ቅድታት ቅብኣ ትስእል።

ገሊላ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከይዳ ዘፅንዓቶ ትምህርቲ ኢንፎርሜሽን ቴክሎጂ'ኳ እንተኾነ፡ ናይ ሙሉእ ሰዓት ስርሓ ግና እቲ ንርእሳ ባዕላ ብምምሃር ዝመለኸቶ ስእሊ'ዩ።

"ብዙሕ ግዘ ዝተሰምዐኒ፣ ዝርእዮ፣ ዘለዓዕለኒ'የ ዝስእል" ትብል ገሊላ፡ ዝበዝሕ ግዘ ፅባቐን ጥንካረን ደቂኣንስትዮ ኣብ ስእልታታ ተወኪሎም ይረኣዩ።

ገሊላ ረዳ ምስ ዝሰኣለታ ጓል ኣሸንዳ

ምንጪ ስእሊ, GELILA REDA

መግለጺ ስእሊ, ገሊላ ረዳ ምስ ዝሰኣለታ ጓል ኣሸንዳ

ባሕሪ ዝሰገረ ምርኢት ቅብኣ

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገረ ስዊድን እትነብር ሰኣሊት ገሊላ ረዳ፡ ብፍላይ ካብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንነዘ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ብምዛር ናይ ብሕታ ምርኢት ቅብኣ ( solo exhibition ) ብምድላው፡ ስራሕታ ንኣፍቀርቲ ጥበብ ኣላልያ።

ሃገራት ኖርወይ፣ ስዊድን፣ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ቤልጂየምን ድማ፡ ካብ ሞንጎ ኣብ ቅድሚ ተዓደምቲ፡ ብቀለምን ብቡንን ዝቐብኣቶም ስእልታታ ብቐጥታ ዘቕረበትለን ሃገራት እየን።

"ብስራሕተይ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዙሓት ኣድነቕቲ ረኺበ'የ። ካብዚ ዝዓቢ ሽልማት የለን" ትብል።

ሃገራት ኖርወይ፣ ስዊድን፣ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ቤልጂየምን፡ ሰኣሊት ገሊላ ረዳ ካብ ሞንጎ ኣብ ቅድሚ ተዓደምቲ፡ ብቀለምን ብቡንን ዝቐብኣቶም ስእልታታ ብቐጥታ ዘቕረበትለን ሃገራት እየን

ምንጪ ስእሊ, GELILA REDA

መግለጺ ስእሊ, ሃገራት ኖርወይ፣ ስዊድን፣ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ቤልጂየምን፡ ሰኣሊት ገሊላ ረዳ ካብ ሞንጎ ኣብ ቅድሚ ተዓደምቲ፡ ብቀለምን ብቡንን ዝቐብኣቶም ስእልታታ ብቐጥታ ዘቕረበትለን ሃገራት እየን

ገሊላ ኣብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ቡን፡ ምስቲ ዝዓበየ ትካል 'ኖሽክ ካፈላይክ' ብምዃን ብቡን እትስእሎም ስራሕታ ዘቕረበት እንትትኾን ነቲ ኣጋጣሚ "ንዓይ ዓብይ ዕድልን ልምድን ዝፈጠረለይ'ዩ። ብድሕሪኡ ምስ ብዙሓት ክሰርሕ ዕድል ዝኸፈተለይ'ዩ" ብምባል እያ ትገልፆ።

ሰኣሊት ገሊላ ረዳ ንንጉሰ ነገስት ዘ ኢትዮጵያ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይን ንጀነራል ኣሉላ ኣባነጋን፡ ካብ ሃገራት ወፃኢ ድማ ንፍሉጥ ኣሜሪካዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ማልኮም ኤክስ ልዑል ክብሪ ኣለዋ።

ሰኣሊት ገሊላ ረዳ ዝሰኣለቶ ቅብኣ ንጉሰ ነገስት ዘ ኢትዮጵያ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይን ጀነራል ኣሉላ ኣባነጋን

ምንጪ ስእሊ, GELILA REDA

መግለጺ ስእሊ, ሰኣሊት ገሊላ ረዳ ዝሰኣለቶ ቅብኣ ንጉሰ ነገስት ዘ ኢትዮጵያ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይን ጀነራል ኣሉላ ኣባነጋን

"ንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮውሃንስን ጀነራል ኣሉላ ኣበነጋን ናይ ፀለምቲ ህዝብታት ጀጋኑ'ዮም። ማልኮም ኤክስ ድማ ንቅዋሙ ክንደየናይ ጅግናን ተባዕን፥ ንመሰሉ ዝማጎት ተቓላሳይ ነፃነት'ዩ፤ ንክሰርሕ የለዓዕለኒ።ከም ሓንቲ ስነ ጥበባዊት ድማ ነዚ ናይ ሕዚ ወለዶ ታሪኽ ንከመሐላልፍን ንክዕቅብን ሓላፍነት ስለዘለኒ እየ ድማ ስኢለዮም" ትብል።

ስራሕታ ሓደ ካብ ሓደ ንምውድዳር ከቢድ እኳ እንተኾነ፡ ብቡን እትስሎም ስእልታታ ግና ዝያዳ ብብዙሓት ተፈተውቲ ከምዝኾኑ እያ ትዛረብ።

"ስለዘይተለመደን ፍሉይን ስለዝኾነን፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሰብ ንቡን ዘለዎ ፍቕሪ እመስለኒ፡ ብዙሕ ሰብ ናይ ቡን ስእለይ ብጣዕሚ እዩ ዝፈትዎም"።

ብቀለም ካብ ዝሰኣለቶም ስእልታት ድማ ኣብ ግዘ ወራር ኣምበጣ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ ራያ፡ ህፃን ቆልዓ ሓዚላ ኣንበጣ ክተባርር ዝሰኣለቶ ስእላ ብብዙሓት ተፈታውነት ዝረኸበ ነይሩ።

ካብ ሃገራት ወፃኢ ኣብ 2021 ዝሰኣለቶ ቅብኣ ማልኮም ኤክስ ድማ ብብዙሓት ዝተፈትወን ካብ ስድርኡ ምስጋና ዝረኸበትሉን ውላድ ጥበባ'ዩ።

ሰኣሊት ገሊላ ረዳ ምስ ዝሰኣለቶ ቅብኣ ኣሜሪካዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ማልኮም ኤክስ

ምንጪ ስእሊ, GELILA REDA

መግለጺ ስእሊ, ሰኣሊት ገሊላ ረዳ ምስ ዝሰኣለቶ ቅብኣ ኣሜሪካዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ማልኮም ኤክስ

"ጓሉ ንማልኮም ኤክስ፡ ኢልያሳህሻባዝ፡ ንወላዲኣ ስለዝሰኣልክዎ ናእድኣ ገሊፃትለይን ኣመስጊናትንን'ያ" ትብል።

ኣሜሪካዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ማልኮም ኤክስ፡ ብፍላይ ንመሰል ፀለምቲ ተጣባቒ ብምዃኑ ይፍለጥ ነይሩ።

ኵናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ንነዘ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዘጋጠመ ሞት፣ ስደትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሕልሚ ኣብ ዝመስል ቃንዛ ይነብሩ ከምዘለዉ ትገልፅ ሰኣሊት ገሊላ፡ ነዚ ከቢድ ኩነታት 'ቃንዛ ወሎዶታት' (generational trauma) ኢላ ብምስያም፡ ቃንዝኣን ቃንዛ ብዙሓትን ብጥበብ ገሊፃቶ'ያ።

"መብዛሕትኦም ስእልታተይ ስምዒታተይ እዮም ዝገልፁ። ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ዝሰራሕክዎም ስእልታት፡ 'generational trauma'፡ እቲ ሰብ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ስለዝኾነ ብዙሕ ሰብ ዝፈተዎ ስእሊ'ዩ" ትብል።

'ቃንዛ ወሎዶታት'

ምንጪ ስእሊ, GELILA REDA

መግለጺ ስእሊ, 'ቃንዛ ወሎዶታት'

ቅድድም ምስ ብልጭታ ሓሳባት

ገሊላ ናብ ኣእምሮ ሰኣልቲ ብልጭ ዝብሉ ሓሳባት፡ ግዘ ዝህቡ ከምዘይኮኑን ነዞም ኣብ ፃት ኣእምሮ ዝመፅኡ ሓሳባት ብቕልጡፍ ናብ ንድፊ (sketch) ንምልዋጥ፡ ፅምዋ ዘለዎ ቦታ ከምዝጠልብን እያ ትገልፅ።

"ኣብ ዘይትፅበዮ ቦታ ኮይንካ'ውን ናብ ኣእሙሮኻ ሓሳብ ክመፀልካ ይኽእል'ዩ። ነዚ ሓሳብ ናብ ስእሊ ንምቕያር ናይ በዓልኺ ፀጥ ዝበለ ቦታ የድልይ፣ ሰብ ክርብሸኪ ወይ ድማ ዝኾነ ነገር ከተዓናቕፈኪ ኣይትደልይን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣብ ዝኾነሉ፡ እቲ ዝመፀለይ ሓሳብ ፀኒሑ ክጠፍእ ስለዝኽእል ይነድፎ" ትብል።

ሰኣሊት ገሊላ፡ ሓደ ስእሊ ስኢልካ ንምውዳእ ብግዘ ምድራት ከምዘይከኣልን ዓመታት ወይ ድማ ሰዓታት ክወስድ ከምዝኽእል ትገልፅ።

"ሓደ ሓደ ግዘ ዝኾነ ሓሳባዊ ስእሊ ዓመታት ክወስደልካ ይኽእል'ዩ፤ ብሓደ ግዘ ዘይውዳእ ስእሊ ኣሎ። ሓደ ሓዲኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ክውዳእ ይኽእል'ዩ። ብቡን ዝሰርሖም ስእልታት ግን ኣብ ሰዓታት'የ ዝውድኦም" ትብል።

ቅብኣታት ንጉሰ ነገስት ዘ ኢትዮጵያ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ፣ ኣሉላ ኣባነጋ፣ ማልኮም ኤክስ፣ ቃንዛ ወለዶታትን ዊል ስሚዝ ኣብ መድረኽ ሽልማት ኦስካር ንተዋዛይ ክሪስ ሮክ እንትፀፍዖ ዘርእይ ስእልን፡ ካብቶም ብቡዝሓት ኣፍቀርቲ ጥበብ ናእዳ ዝረኸቡ ስእልታት ገሊላ ረዳ እዮም።

ገሊላ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝሰኣለቶም ቅብኣታት፡ ንመቐለ ሃምሊን ፌስቱላ ማእኸል ብመልክዕ ሓገዝ ኣጫሪታ ምስ ገንዘብ ዘበርከተቶ ስእሊ ፍሉይ ስምዒት ይፈጥረላ።

ሰኣሊት ገሊላ ረዳ ንመቐለ ሃምሊን ፌስቱላ ማእኸል ብመልክዕ ሓገዝ ኣጫሪታ ምስ ገንዘብ ዘበርከተቶ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, GELILA REDA

መግለጺ ስእሊ, ሰኣሊት ገሊላ ረዳ ንመቐለ ሃምሊን ፌስቱላ ማእኸል ብመልክዕ ሓገዝ ኣጫሪታ ምስ ገንዘብ ዘበርከተቶ ስእሊ

ኣደነትን ስእልን

ኣቦይ ረዳ ካብ ዝወለድዎም ሸሞንተ ደቆም፡ ኩሎም ምስኣል ዝስእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ገሊላን ምዕባይ ሓዋን'ዮም ንቕብኣ ናይ ምሉእ ግዘ ሞይኦም ገይረሞ።

ገሊላ ዋላ'ኳ ካብ ቁልዕነታ ጀሚራ ምስ ብራሽ ዘይትፈላለይ እንተነበረት፡ ንወላዲታ ብዘለዋ ፍቕሪ ግና፡ እናሓገዘተን ስእሊ ትስእል ከምዝነበረት'ያ፡ ግዘ ቁልዕነታ ትዝክሮ።

"ገዛና ንብዙሕ ዓመታት እንዳ ምግቢ ነይሩና። ቆልዓ 12 ዓመት ኮይነ ንኣደይ ብጣዕሚ ስለዝፈትዋ፡ ንዓማዊል ምግቢ ይሰርሕን እንጀራ ይስንክትን ነይረ። እዚ እናሰራሕኩ ብጎኒ ኸኣ ይስእል ነይረ" ብምባል ንወላዲታ እትሕግዝ ምእዝዝቲ ቆልዓ ከምዝነበረት ትዝክር።

ሕዚ ገሊላ ኣደ ሓንቲ ቆልዓን በዓልቲ ሓዳርን'ያ። ምስ ወለድኩ እየ ንኣደይ ብጣዕሚ ከምዘኽብራ ዝተረደአኒ ትብል ገሊላ፡ "ኣደነት እቲ ኣብ ዓለም ክኽበር ዝግበኦን መወዳድርቲ ዘይብሉን'ዩ። ኣደ ምስ ኮንካ ዝነበረ ኣተሓሳስባኻ ኩሉ'ዩ ዝቕየር፤ ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ'ዩ ዘገድሰካ" ትብል።

ስእልን ኣደነትን ብኸመይ ከምተዋድዶ ክትገልፅ እንከላ ድማ፡ "ኣደ ኮይንካ ሓላፍነት ስለዝስመዓካ፡ ክስእል ከለኹ፡ ጓለይ ትድቅሰሉ፣ ትምግበሉን ትፃወተሉን ሰዓት ስለዘሎ፡ ትኹረት ገይርካ ክትስእል የፀግም'ዩ። እንተኾነ፡ ጓለይ ክትህርስ ከላ እናጠዓዓምኩ እየ ዝስእል። በዓል ገዛይ ድማ ብጣዕሚ ስለዝሕግዘኒ፡ ንክስእል ብዙሕ ኣየፀገመንንን" ትብል።

ገሊላ ረዳ ምስ ጓላ

ምንጪ ስእሊ, GELILA REDA

መግለጺ ስእሊ, ሰኣሊት ገሊላ ረዳ ኣደ ሓንቲ ቆልዓ እያ

መብዛሕትኡ ግዘ ኣደታት ኣብ ግዘ ጥንሲ፡ ብዙሕ ነገር ደስ ክብለን ወይ ድማ እቲ ቅድሚ ሕዚ ብጣዕሚ ዝፈትውኦ ዝነበራ ነገር ኣፅሊኡኒ ክብላ ይስምዓ። ገሊላ ነብሰ ፆር ኣብ ዝነበርክሉ ግዘ እቲ ብጣዕሚ ትፈትውዮ ጥበብ ስእሊ ኣፅሊኡኪ'ዶ ነይሩ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናላ።

እዚ ግዘ ንዓኣ ፈታኒ ግዘ'ዩ ነይሩ።

ሰኣሊት ገሊላ፡ "ሰብሞያ ሕክምና እቲ ኣብ ስእሊ ዝጥቀሞ ቀለም ዘሎ ኬሚካል ነታ ቆልዓ ይፀልዋ'ዩ ስለዝበሉኒ፡ ንከይስእል ብጣዕሚ ፈሪሐ ነይረ። ስለዘየኽኣለኒ፡ ንዝተወሰኒ ግዘ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይረ ስኢለ። ግና ብጣዕሚ ከቢድ'ዩ፡ ንዕኣ ከይጎድኣ እናበልኩ ደፊረ ክሰርሕ ኣይከኣልኩን። ምስኣል ለሚደ ከመይ ገይረ ከቋርፅ? ምስኣል ንዓይ ወልፊ'ዩ፤ ዓመት ሙሉእ ምስኣል ናፊቐ ነይረ" ብምባል፡ ፈውሲ ርውየታ ብቡን ጥራሕ ንምስኣል ትፍትን ከምዝነበረት ትገልፅ።

ምስ ወለደት'ውን እንተኾነ፡ ናብቲ ኣብ ግዘ ጥንሳ ኣዝያ ዝናፈቐቶ ስእሊ ኣይተመለሰትን። ንውላዳ ትኹረት ክትገብርን ክትሕብሕብን፡ ናብቲ ስሩዕ ናይ ስእሊ መደባታ ንምምላስ ግዘ ከምዝወሰደላ ትዛረብ።

ገሊላ ረዳ ዝሰኣለታ ፅብቕቲ ማሳይ ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, GELILA REDA

መግለጺ ስእሊ, ፅብቕቲ ማሳይ ኬንያ

ንመፃኢ....

ኣብ ዓዲ ብዘሎ ኩነታት ኣነባብራ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሂወቶም ንጥበብ ቀዳምነት ኣይህብዎን እትብል ገሊላ፡ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ብዙሓት ሂወቶም ብቃንዛ የሕልፍዎ ስለዘለዉ፡ ብጥበብ ዝፍወስሉ ማእኸል ክትኸፍት ትሓስብ።

"በቲ ዘሎ ኩነታት ብብዙሕ ፀገማት ዝሓለፈ ሰብ ስለዘሎ ምስ ካልኦት ተሓባቢረ፡ ሰባት ካብ ቃንዛ ኣእሙርኦም ዝፍወስሉ፣ ቆልዑን መናእሰይን ዝዘናግዕሉ ደምበ ጥበብ (ኣርት ጋለሪ) ክከፍትን ንካልኦት ኣብዚ ዓውዲ ዘለዉ ሰብሞያ ዘድልዮም ናውቲ ክሕግዝን እብህግ" ትብል።

ገሊላ ተፈጥሮ ብቐጥታ እናስኣለት

ምንጪ ስእሊ, GELILA REDA

መግለጺ ስእሊ, ገሊላ ተፈጥሮ ብቐጥታ እናስኣለት
line
መግለጺ ቪድዮ, "ስእሊ ምስ ዓለም ዝረዳድኣሉ ጥበብ'ዩ" ሰኣሊት ገሊላ ረዳ