ኣብ ወርሒ ኑክሌራዊ ቦምባ ንምፍንጃር ዝተገብረ ሓደገኛ ውጥን

ፍንጀራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጠፈርተኛ ኒል ኣርምስትሮንግ፡ ኣብ 1969 ወርሒ ዝረገጸላ ህሞት፡ ኣብ ታሪኽ ካብቶም ኣዝዮም ተዘከርቲ ፍጻመታት ሓንቲ እያ።

ቅድም ኢሉ ግን ኣብ ኣመሪካ፡ 'መጽናዕቲ ምርምር ናብ ወርሒ ዝግበሩ በረራታት፡ ቅጽ 1' ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ጸብጻብ መጽናዕቲ ተዳልዩ ነይሩ።

እቲ መጽናዕቲ ፈለማ ክረአ ከሎ ገለ ጸገም ዘይብሉ፡ ቢሮክራስያውን ሰላማውን፡ ሸለል ኢልካ ክትሓልፎ እትኽእል ዓይነት መጽናዕቲ’ዩ ዝመስል - ምናልባት ዕላምኡ’ውን ንሱ ነይሩ ክኸውን ይኽእል።

ነቲ ሽፋን ዘስተብሃለ ሰብ ግን ነገራት ቁሩብ ዝተፈልዩ ከም ዝመስሉ ይርዳእ።

ኣብ ማእከል እቲ ሽፋን፡ ኣቶም፡ ኑክሌራዊ ቦምብን ደበና ቃንጥሻ (mushroom) ይረአ - እዚ ድማ ኣርማ ናይቲ ኣብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኪርትላንድ ኒው ሜክሲኮ ዝርከብ ማእከል ፍሉይ ኣጽዋር ሓይሊ ኣየር እዩ።

እዚ ማእከል፡ ኣብ ምምዕባልን ፈተነን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ቁልፊ ተራ ከም ዝተጻወተ ይፍለጥ።

ኣብ ታሕቲ እቲ ሽፋን ስም ናይቲ ደራሲ ኣሎ፡ ኤል ራይፈል፡ ወይ ሌናርድ ራይፈል። ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ኑክሌራዊ ፊዚከኛታት ኣመሪካ እዩ። ምስቲ "ኣርኪቴክተር ኑክሌራዊ ቦምብ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ፈጣሪ ናይቲ ኣብ ዓለምና ፈላማይ ኑክሌራዊ መነጣጠፍያ (reactor) ዝዀነ ኤንሪኮ ፈርሚ’ውን ዝሰርሐ ክኢላ እዩ።

እቲ መደብ፡ ፕሮጀክት A119 ብዝብል ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ወርሒ ሃይድሮጅን ቦምብ ንምፍንጃር ዝቐረበ ልዑል ምስጢራዊ እማመ’ዩ ነይሩ።

ሃይድሮጅን ቦምብ ካብቲ ብ1945 ኣብ ሂሮሺማ ዝተደርበየ ኣቶሚክ ቦምብ ኣዝዩ ዝያዳ ኣዕናዊን ኣብቲ እዋን’ቲ ድማ ናይ መወዳእታ ንድፊ ኑክሌራዊ ኣጽዋርን’ዩ ነይሩ።

ነቲ ፕሮጀክት ብላዕለዎት መኮንናት ሓይሊ ኣየር "ብቅልጡፍ" ክፍጽም ዝተሓተተ ራይፈል፡ ኣብ መንጎ ግንቦት 1958ን ጥሪ 1959ን ብዛዕባ ተግባራውነት ናይቲ ውጥን ብዙሕ ጸብጻባት ኣዳልዩ።

ኣመሪካ፡ ቴክኖሎጂ ሚሳይል ሶቭየት ካብቲ ክትስዕቦ እትኽእል ንላዕሊ ብቕልጡፍ ይግስግስ ብምህላዉ ስክፍታ ነይርዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ፡ ቴክኖሎጂ ሚሳይል ሶቭየት ካብቲ ክትስዕቦ እትኽእል ንላዕሊ ብቕልጡፍ ይግስግስ ብምህላዉ ስክፍታ ነይርዋ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ነዚ ዘስካሕክሕ ውዲት ዘኽኣለ ሳይንቲስት፡ ካርል ሳጋን እዩ። ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ህላወ ናይቲ ፕሮጀክት ዝተፈልጠ፡ ሳጋን ናብ ሓደ ልዑል ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘቕረቦ መመልከቲ ስራሕ ምስ ጠቐሶ ኣብ 1990ታት ጥራይ እዩ።

ፕሮጀክት A119 ቀንዲ ዕላማኡ ሓይሊ እታ ሃገር ንምርኣይ እዩ ነይሩ። እቲ ቦምባ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ሸነኽ ወርሒ ክፍንጀርን ብፍላይ ድማ ኣብ ክረምሊን ብዓይኒ ክርአ ዝኽእል ድሙቕ ብልጭታ ብርሃን ክፈጥር እዩ ተሓሲቡ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ውጥን ንምቕራብ ሓደ ዘእምን መግለጺ ጥራይ እዩ ክህሉ ዝኽእል - እቲ ድርኺት ድማ ኣብ መንጎ ዘይውሕስነትን ተስፋ ምቑራጽን ዝነበረ ሃዋህው’ዩ።

ኣብ 1950ታት ኣመሪካ ኣብ ዝሑል ኲናት ትሰዓር ዘላ ይመስል ነይሩ። ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፖለቲካውን ህዝባውን ርእይታት፡ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ዕብየት ኑክሌራዊ መሳርሒ ካብ ኣመሪካ ቀዲማ ከም ዝገስገሰት የመልክት፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምዕባልን ብዝሒን ኑክሌራዊ ቦምባ ዝድርብያ ነፈርቲ ከምኡ'ውን ኑክሌራዊ ሚሳይላትን።

ኣብ 1952 ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ናይ ሃይድሮጅን ቦምብ ፈንጂራ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ሶቭየት ናይ ገዛእ ርእሳ ሃይድሮጅን ቦምብ ምስ ፈንጀረት ኣመሪካ ሰንቢዳ። ኣብ 1957 ድማ ሶቭየት ዝሓሸ ገስጋስ ኣመዝጊባ፤ ስፑትኒክ 1 እትበሃል ኣብ መላእ ዙርያ ዓለም ዑደት እትገብር ሰብ-ሰርሖ ሳተላይት ብምውንጫፍ ኣብ ውድድር ህዋ መሪሕነት ሒዛ።

ብተወሳኺ ስፑትኒክ ኣብ ልዕሊ ሶቭየት ኢንተርኮንቲነንታል ባሊስቲክ ሚሳይል ምውንጫፋ - ዋላ'ኳ ዝተመሓየሸ እንተዀነ - ንስክፍታታት ኣመሪካ ኣጋዲድዎ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣመሪካ ናይ ገዛእ ርእሳ "ሰብ-ሰርሖል ወርሒ" ክትውንጭፍ ዝገበረቶ ፈተነ ብዓቢን ዘይእመንን ባርዕ ፍንጀራ ተዛዚሙ።

ነታ ቫንጋርድ ብዝብል ዝተሰመየት ሮኬታ ዝበልዐ ባርዕ ገሃነም ብፊልም ተቐሪጹ ኣብ መላእ ዓለም ተራእዩ።

ኣብቲ እዋን እቲ ናይ እንግሊዝ ኒውስሪል (ሓድሽ ፍጻመታት ዘርኢ ፊልም) ጭካነ ዝተመልኦ ርእይቶ ሂቡ፡ "ቫንጋርድ ፈሺላ...ኣብ ዓውዲ ክብርን ፕሮፖጋንዳን ... ብሓቂ ዓቢ ዕንቅፋት ..." ምባሉ ይዝከር።

ኣብ 1957 ሩስያ ስፑትኒክ ብዓወት ምውንጫፋ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ዘሰንበደ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1957 ሩስያ ስፑትኒክ ብዓወት ምውንጫፋ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ዘሰንበደ ነይሩ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንእሰያት ተማሃሮ ኣመሪካ "ዳክ ኤንድ ካቨር" እትብል ናይ ሓበሬታ ፊልም ክርእዩ ይግበሩ ነይሮም፤ ኣብዚ ፊልም በርት ዝተበሃለ ኣባ ጎብየ፡ ኑክሌራዊ መጥቃዕቲ እንተጋጢሙ ህጻናት እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ይምህር።

ኣብ መወዳእታ 1957፡ ጋዜጣታት ኣመሪካ ንሓደ ላዕለዋይ ምንጪ ስለያ ጠቒሰን ሓደ ዘሰንብድ ሓበሬታ ጸብጺበን፤ ዘ ደይሊ ታይምስ፡ ኒው ፊላደልፍያ፡ ኦሃዮ ዝተበሃላ ጋዜጣታት፡ "ሶቭየት ኣብ ዝኽሪ ሰውራ ሕዳር 7፡ ኣብ ወርሒ ሃይድሮጅን ቦምብ ክትፍንጅር እያ" ዝብል ዜና ዘርጊሐን። ኣስዒበን ድማ ሶቭየት ኣብ ቀረባ ጎረቤትና ኑክሌር ዝዓጠቐት ሮኬት ንምውንጫፍ መደብ ኣውጺኣ ኣላ ክብላ ጸብጺበን።

ከምቶም ኣብ ዝሑል ኲናት ዝነበሩ ካልእ ወረታት፡ መበገሲ ናይዚ ዜና’ውን ንምግማቱ ኣጸጋሚ’ዩ።

እቲ ዝገርም ግን እዚ ኣብ ኣመሪካ ዝተረኣየ ፍርሒ፡ ንሶቭየት መደባቶም ንኸማዕብሉ እውን ደሪኽዎም ክኸውን ይኽእል እዩ። E4 ዝብል ኮድ ስም ዝተዋህቦ መደብ ኣዳልዮም። እዚ መደብ ዳርጋ ቅዳሕ ናይቲ ኣመሪካዊ መደብ እዩ ነይሩ፤ ኣብ ወርሒ ሃይድሮጅን ቦምብ ምፍንጃር።

ኣብ መወዳእታ ግን፡ ከም ኣመሪካ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተሰሪዙ - እቲ ፍንጀራ እንተፈሺሉ እቲ ቦምባ ኣብ መሬት ሶቭየት ክወድቕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት። እዚ ስግኣት "ኣዝዩ ዘይተደልየ ኣህጉራዊ ፍጻመ" ከስዕብ ከምዝኽእል ገሊጾም።

ስለዝዀነ ድማ እቲ ዝዓበየ ሽልማት ኣብ ወርሒ ምዕላብ ምዃኑ ተገንዚቦም ክዀኑ ይኽእሉ።

እንተዀነ ፕሮጀክት A119 ምሰርሐ ነይሩ።

ኣብ 2000 ራይፍል ርእይቶኡ ሂቡ። "ብቴክኒካዊ መዳይ ዝከኣል" ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ፤ እንተዝዀን ድማ እቲ ፍንጀራ ኣብ ምድሪ ክረኣይ ይኽእል ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

ጽሩይ ከባቢ ወርሒ ዘይምንባሩ፡ ዋላ እኳ እቶም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ስክፍታ እንተነበሮም፡ ንሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ግን ስክፍታ ዝፈጥር ኣይነበረን።

"ፕሮጀክት A119 ሓደ ካብቶም ንስፑትኒክ መሳጢ ምላሽ ንምሃብ ዝተንሳፈፉ ሓያሎ ሓሳባት’ዩ ነይሩ" ይብል ጸሓፍ ታሪኽ ሳይንስን ኑክሌራዊ ቴክኖሎጅን ኣሌክስ ዌለርስተይን።

ገለ ካብቶም ሓሳባት "ንስፑትኒክ ምውቃዕ ዘጠቓለለ” ከም ዝነበረ ወሲኹ ይገልጽ።

"ኣብ መወዳእታ ዝገበርዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ሳተላይት ምቕማጥ'ዩ፡ እዚ ድማ ቁሩብ ግዜ ወሲዱ፡ እንተዀነ ግን ነዚ ፕሮጀክት ብመጠኑ ብዕቱብ ቀጺሎሞ፡ እንተወሓደ ክሳብ መወዳእታ 1950ታት።"

"ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበረ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣመሪካውያን ዘመላኽት'ዩ፡ ኣዝዩ ዝድነቕ ነገር ብምፍጣር ተወዳዳሪ ንምዃን ዝግበር ድፍኢት። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ ዝድነቕን ዘስካሕክሕን ዝብሉ ኣገላልጻ ነንሕድሕዶም ዝቀራረቡ ይመስለኒ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣመሪካ ኣብ 1957 ሳተላይት ናብ ጠፈር ክትሰድድ ዝገበረቶ ኣብ ፈተነ፡ ቫንጋርድ ዝተበሃለት ሮኬት ኣብ ምውንጫፋ ተፈንጂራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ ኣብ 1957 ሳተላይት ናብ ጠፈር ክትሰድድ ዝገበረቶ ኣብ ፈተነ፡ ቫንጋርድ ዝተበሃለት ሮኬት ኣብ ምውንጫፋ ተፈንጂራ

ከምዚ ዝመስል ንወርሒ ዝምልከት ፍርሒን ስክፍታታትን ክህሉ እንተዀይኑ፡ “ነቲ ዳርጋ ኹለን ሃገራት ዓለም ዝተሰማምዓሉ ... መሰረታዊ ዓለምለኻዊ ሕጋዊ ስርዓት ዝጻረር'ዩ።"

እዞም ውጥናት እዚኦም፡ ዋላ እኳ ዓለምለኻዊ ምርድዳእ እንተሃለወ፡ መሊሶም ክቕልቀሉ ይኽእል ድዮም?

"ካብ ገለ ቦታታትን ካብ ፔንታጎንን ንከባቢ ወርሒ ዝምልከት ተልእኾታት ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ምድህሳስ ዝብሉ ገለ ወረታት ሰሚዐ ኣለኹ" ይብል ቦወን።

ገለ ካብቶም ሓሳባት ኣብ ኣመሪካ ተቐባልነት እንተዘይረኺቦም፡ ኣብ ከም ቻይና ዝበላ ሃገራት ሞገስ ክረኽቡ ኣይኽእሉን ማለት ኣይኰነን።

"ኣብ ቻይና ሕጂ ንገለ ካብዞም ሓሳባት ክደፍእ ዝደሊ ማሕበረሰብ እንተሃልዩ ኣይምገረመንን ምኽንያቱ ወርሒ ጽቡቕ ስለዝመስሎምን ኣብ ወተሃደራዊ ስራሕ ድማ ስለዝሰርሑን" ይብል ቦወን ወሲኹ።

መብዛሕትኡ ዝርዝር ፕሮጀክት A119 ክሳዕ ሕጂ ብሚስጢር ተታሒዙ ይርከብ። ብዙሓት ካብቶም ዝዓነዉ ይመስሉ።

ምናልባት እቲ ክውሰድ ዘለዎ ቀንዲ ትምህርቲ፡ እንተወሓደ መጀመርታ፡ ከየንበብና፡ ነቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ቢሮክራስያዊ ብዝብል ድኹም ምኽንያት ዕሽሽ ክንብሎ ከም ዘይብልና እዩ።