ኣብ ወርሒ ማይ ክረክብ ዝጽዕር ዘሎ ኢትዮጵያዊ ሳይንቲስት

ምንጪ ስእሊ, BERHANU BULCHA
ብዘይ ማይ ህይወት የለን።
ደቂ ሰባት ኣብ ምድሪ ይኹኑ ኣብ ካልእ ኣድማስ፡ እቲ ብሂል ዝልወጥ ኣይኮነን።
ናይ ናሳ ሮኬት፡ ኣርተሚስ 1 ንደቂ ሰባት ናብ ወርሕን ኪኖኡን ንምግዓዝ ዝዓለመ ዓቢ መደብ ዳህሳስ ህዋ ንምጅማር ኣብ ሓለፈ ሰሙን ተወንጪፋ'ያ።
ኪኖ መሬት ማይ ብኸመይ ይርከብ ዝብል ጉዳይ መልሲ ክረክብ ግድን እዩ። እቲ ተሓሲቡ ዘሎ መደብር ወርሒ ብዘይ ማይ ዝኸውን ኣይኮነን።
ዶክተር ብርሃኑ ቡልቻ ድማ ኣብታ እንኮ ተፈጥሮኣዊት ሳተላይት፡ ፕላኔትና ማይ ንምርካብ ዝሰርሕ ጉጅለ ይመርሕ ኣሎ።
ማይ ካብ መሬት ክጓዓዝ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ግን ክቡርን ኣዝዩ ውጽኢታዊ'ውን ኣይኮነን።
ብዓቢኡ ኣብ ወርሒ ዝርከብ ማይ፡ ነዳዲ ሮኬት ንምስራሕ እውን ክውዕል ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ወርሒ ንተወሳኺ ጉዕዞ ህዋ መድረኽ መበገሲት ክትከውን የኽእላ። እዚ እንተኾይኑ፡ እቶም ናይ ፕላኔትና ስሕበት ንምብዳህ ዘድልዩ ዓበይቲ ሮኬታት ዘይከድልዩ ይኽእሉ ማለት እዩ።
'ሕቶ ሚልዮን ዶላር'
ዶክተር ብርሃኑን ጉጅለኡን ኣብ ወርሒ ዕቑር ማይ ኣበይ ከምዘሎ ብዘየማትእ መንገዲ ከለሊ ዝኽእል ቅድመ-መርኣያ ቀሊል ክብደት ዘለዎ ጥርኑፍ ስፔክትሮሜተር (ዝርገሐ ብርሃን ንምምዝጋብን ንምዕቃንን ዝውዕል መሳርሒ) ኣብ ምምዕባል ይርከቡ።
ዶክተር ብርሃኑ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ናሳ ኮይኑ ብቴሌፎን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ ናይ ሚልዮን ዶላር ሕቶ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ዶክተር ቅድሚ 12 ዓመት ናብ ምሩቓት ቤት ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ ካብ ዝኣቱ ንደሓር፡ ንጸገማት ናሳ ዝፈትሑ መሳርሒታት ህዋ ኣብ ምምዕባል ኣተኲሩ ይሰርሕ ኣሎ - ብዘየማትእ መንገዲ ድማ ማይ ምድላይ እቲ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ጸገም እዩ።
ኣብ ወርሒ ገለ ማይ ምህላዉ ድሮ ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ኣብ ሜላታት ምልላይ ማይ ዘሎ ጸገም ግን እቲ ብሃይድሮጅንን ኦክስጅንን ዝቖመ ማይ ይኹን ወይስ ካልእ ሃይድሮጅን ዝሓዘ ውህደት ሃይድሮክሲልን ፈልዮም ክፈልጡ ዘይምኽኣሎም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, NASA/MICHAEL GUINTO
እቲ ዶክተር ብርሃኑ ዝሰርሓሉ ዘሎ ብጩራ ዝተሓገዘ መሳርሒ ግን ህላወ ማይ ንምምልካት ክውዕል ዝኽእል እዩ።
ጉጅለኡ ነዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣጸጋሚ ዝነበረ 'ፍሪኩዌንሲ' ንምብጻሕ 'ኳንታም ካስኬድ ሌዘር' ዝበሃሉ ነገራት ኣብ ምምዕባል ከምዘለዋ ኣገልግሎት ዜና ናሳ ጸብጺቡ።
ዶክተር ብርሃኑ፡ ጠፈርተኛታት ኣቀማምጣን መጠንን ማይ ንምርካብ ብኢድ ዝተሓዝ መሳርሒ ክጥቀሙ ዘኽእሎም ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈጸመ ሓዱሽ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ክብል ይገልጾ።
እታ ንእሽቶ መሳርሒ ካብ ርሑቕ ብትእዛዝ ተሽከርካሪ እውን ክትዋፈር ትኽእል እያ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዶክተር ብርሃኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ቅድመ-መርኣያ ምስራሕ ንኽቕጽል 2.5 ሚልዮን ዶላር ምወላ ተቐቢሉ እዩ።
ንኽውዳእ ተወሳኺ ክልተ ዓመት ክወስድ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ዶክተር ብርሃኑ ግን ክፍጸም ከምዝኽእልን ዝሰርሕ ከምዝኸውንን ተስፋ ከምዘለዎ ይዛረብ።
ቆራጽነቱን ጽንዓቱን ዘጠራጥር ኣይኮነን - እዚኦም ድማ ንነብሱ ከም ዝገልጹ ባህርያት ይርእዮም።
እዚ ወዲ 38 ዓመት መንእሰይ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ድሕሪ ምዝዛሙ ግን ናብ ኣሜሪካ ከይዱ ኣብ ቨርጂንያ ኮመንዌልዝ ዩኒቨርሲቲ ፊዚክስን ምህንድስናን ክመሃር ከምዝኸኣለ ይፍለጥ።
ኣብ ኣመሪካ ድማ ሰሪሑ ነብሱ ክሕግዝ ነይርዎ።
"ናብ ኣሜሪካ ክመጽእ ከለኹ ደገፍ ዝረኽበሉ መርበብ ኣይነበረንን፡ ንነብሰይ እየ ዝድግፍ ነይረ። ብሓቂ ካብቲ ዝዓበኹሉ ባህሊ ተነጺለ ኣብ ሓድሽ ባህሊ እየ ጥሒለ። እቲ ቀዳማይ ትሓስቦ ነገር ኣብ ትምህርቲ ኣበርቲዕካ ምስራሕን ምዕዋትን እዩ" ይብል።
ካብ ኢትዮጵያ ምውጻእ ሓደገኛ ስጉምቲ ምዃኑ እኳ እንተኣመነ፡ ምስ ምዕቡል ቴክኖሎጂታትን ኣብ መሳጢ ፕሮጀክትታት ምርምርን ናይ ምስራሕ ዕድላት ዕሸዕዕ ምባል ግን ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ይኣምን።
ናብ ኣድማስ ምጥማትን እንታይ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብን ዝምልከት ተምሳጥ ግን ካብ ዓዱ ዝመጸ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Nasa/Michael Giunto
ሃይማኖታዊ ክርስትያናዊ ኣተዓባብያ ከም ዝነበሮን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣጋኡ ምልላዩ ብዛዕባ ኣድማሳዊ ነገራት ብኸመይ ከም ዝመጹን ክሓትት ከም ዝደረኾ ይዛረብ።
ኣብ ገለ ሰባት፡ ብጥብቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽታል ነቲ ዳህሳስ ዝተፈላለየ ሓሳባት ክዓግት ይኽእል እዩ፤ ንዶክተር ብርሃኑ ግን ኪኖ ገዛእ ርእሱ ክጥምት ገይርዎ።
"ነገራት ብኸመይ ከም ዝተፈጥሩ ኣዝየ እየ ተመሲጠ... ዝያዳ ናይ ምፍላጥ ኒሕ ነይሩ፡ ከምኡ'ውን ኣድማስ እንታይ ይመስልን ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑን ዝያዳ ክፈልጥ ድሌት ነይሩኒ" ይብል።
ሕቶታት ንምሕታትን መልሲ ንምድላይን ዝነበሮ ድልውነት፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓበየ መንእሰይ ወዲ፡ ምናልባት ሓደ ካብቶም ንዝያዳ ዳህሳስ ህዋ ዝዕንቅፉ ቁልፊ ጸገማት ንምፍታሕ ክሕግዝ ገይርዎ ኣሎ።
ንዕኡ ጻዕሪ ከምኡ’ውን ትኽክለኛ ምኽርን ኰስኮሳን ምርካቡ ዓቢ ዓወቱ ከምዝነበረ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ንሱ ግን "እቲ ቀዳማይ ነገር ሕልሚ (ትምኒት) ክህልወካ፡ መደብ ሒዝካ ሕልምኻ ንምስኻዕ ምስራሕን'ዩ... ብርግጽ ብድሆታት የጋጥሙ እዮም ግን ኣይተቋርጽ፡ ስራሕካ ጥራይ ቀጽል" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







