ጸሓያዊ ጸዓት ካብ ህዋ ንምምንጫው ዝግበር ዘሎ ፈተነ

ምንጪ ስእሊ, NASA
ነቲ ሓሳብ ቅልል ብዝበለ ንምርድኡ፡ ኣብ ህዋ ሓደ መደበር ክህሉ እዩ። እቲ ካብ መሬትና ኣዝዩ ዝርሓቐ መደበር፡ ካብ ጸሓይ ጸዓት ብምእካብ ብሓያል ድግምጋም [ፍሪኴንሲ] ማዕበል ራድዮ ናብ ምድሪ ብምልኣኽ፡ ኣብ ምድሪ ዝትከል ካልእ መደበር ናብ ኤለክትሪካዊ ጸዓት ክቕይሮ’ዩ፤ ካብዚ ብምብጋስ ዓለምና ብዘይ ትኪ ሕጽረት ጸዓት ኤለክትሪክ ክፍትሓላ’ዩ። እቲ ሓሳብ ኣዝዩ ባህ ዘብል’ዩ።
እንተዀነ፡ ኣቦ መንበር ተበግሶ ጸዓት ህዋ [Space Energy Initiative (SEI)] ማርቲን ሶልታኡ፡ እዚ እንተቐልጠፈ ኣብ 2035 እዩ ናብ ተግባር ክሰጋር ዝኽእል፡ ይብል።
ተበግሶ ጸዓት ህዋ፡ ኣዝያ ገዛፍ ሳተላይት ኣብ ህዋ ዓንኬል ምድሪ [ኦርቢት] ብምውንጫፍ ኣብ ዙርያ መሬት ከምእትዘውር’ዩ ክገብር።
እዛ ሳተላይት እዚኣ’ያ ነዚ ኣዝዩ ዓቢይ ተስፋ ተነቢርዎ ዘሎ፡ ምምእራር ጸሓያዊ ጸዓት ካብ ህዋ ኣኪባ ብመልክዕ ጨረር ናብ ምድሪ ክትልእኮ’ያ።
ማርቲን ሶልታኡ ተግባራዊ ንክኸውን ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
“ከም ውጥን ኣብ 2050 መላእ ሃልኪ ጸዓት ኤለክትሪክ በዛ ሳተላይት ክሽፈን ዝብል እዩ” ኸኣ ይብል።
ኣስዒቡ፡ “ኣብ ዙርያ ዓለምና ንብዙሓት ሳተላይታት ክኸውን ዝኽእል ደረት ዘይብሉ ቦታ’ዩ ዘሎ፣ ብርሃን ጸሓይ ከኣ ዝውዳእ ኣይኰነን፣ ሓንቲ መስመር ኦርቢት ከኣ 100 ዕጽፊ ናይቲ ወዲ ሰብ ኣብ 2050 ከህልኾ ትጽቢት ዝግበረሉ ጸዓት ኤለክትሪክ ብጸሓያዊ ጸዓት ትረኽቦ’ያ” ይብል።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ብሪጣንያ፡ ኣብ ህዋ ንዝትከል ፕሮጀክት መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ዝውዕል 3 ሚልዮን ፓውንድ ምስልዑ ዝዝከር እዩ።
ብሪጣንያ፡ ፈራዛር ናሽ ዝተበሃለ ትካል፡ ምህንድስናዊ ዳህሳስ ብምክያድ፡ ኣብ ህዋ ጸሓያዊ ጸዓት ዝእክብ ማእከል ብምትካል፡ ናብ ምድሪ ብመልክዕ ጨረር ተላኢኹ ምንጪ ኤለክትሪክ ክኸውን ከምዝኽል ዝገልጽ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ድሕሪ ምቕራቡ’ዩ ነቲ ገንዘብ ሰሊዑ።
ተብግሶ ጸዓት ህዋ ኸኣ ካብዚ ገንዘብ እቲ ዝዓበየ ክፋል ክወሃቦ’ዩ።
እታ ሳተላይት ኣማኢት ኣሽሓት ጸሓያዊ ጸዓት ዝስሕብ ክፋላት ዘለዋ ኰይና፡ ኣብ ህዋ ብሓገዝ ሮቦታት’ያ ክትገጣጠም፡ ብዘይካ’ዚ እቶም ሮቦታት ጽገናታት ኣብ ምግባር’ውን ክሰርሑ’ዮም።
እቲ ጸሓያዊ ሓይሊ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሳተላይት ናብ ልዑል ድግምጋም ማዕበል ራድዮ ተቐይሩ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ መደበር ይበጽሕ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዝትከል መደበር ነቲ ማዕበል ናብ ኤለክትሪክ ብምቕያር ናብ ህዝቢ ዓለም ክዝርግሖ’ዩ።
ሓንቲ ሳተላይት ክሳብ 2 ጊጋ ዋት ከተመንጩ ከምእትኽእል ከኣ ይግመት፤ እዚ ብዓይኒ ዓቐን ክርአ እንከሎ ምስ ሓደ መደበር ኑክሌስ ዘመንጭዎ ጸዓት ብማዕረ ዝስራዕ’ዩ።
ናብ መሬት ዝበጽሕ ጨረር ጸሓይ ‘ብኣትሞስፈር’ ስለዝዝቈቕ መጠኑ ውሑድ እዩ፣ ኣብ ህዋ ግን ብቐጥታ ምስ ምሉእ ሓይሉ ኣብታ ሳተላይት ስለዝዓልብ፡ ናብ ኤለክትሪክ ክቕየር እንከሎ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ከምዝኸውን’ዮም እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት ዝሕብሩ።
ከምዚ ዓይነት ተበግሶታት ኣብ ካልእ ሃገራት’ውን ይፍተንን ይሕሰብን ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።
ንኣብነት ኣብ ኣሜሪካ፡ ‘ኣየር ፎርስ ሪሰርች ላባራቶሪ’ ዝተነበሃለ ትካል ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ህዋ ጸሓያዊ ጸዓት ንምውህላል ይሰርሕ ኣሎ።
እቲ ትካል ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነቲ ኣብ ህዋ ዝእከብ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ብኸመይ ናብ ማዕበል ራድዮ ቀይርካ ናብ መሬት ክመጽእ ከምዝኽልእ ዝገልጽ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቡ ነይሩ።
እቲ ማዕበል ጽዓት ኣብ ሰብን ኣከባብን ዝዀነ ጉድኣት ከምዘየውርድ’ውን ኣብቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ቀሪቡ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, SEI
ነዚ ኣመልኪቱ ኣቦ መንበር ተበግሶ ጸዓት ህዋ ማርቲን ሶልታኡ፡ “እዚ ማዕበል ጸዓት ልክዕ ከምዚ ዋይፋይ እዩ ኣብ ከባቢና’ውን እንተሃለወ ንዓና ግን ብፍጹም ኣይፍለጠናን’ዩ፣ ውሑድ ጻዕቂ ዘለዎ ኰይኑ ርብዒ ናይቲ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ክኸውን እንከሎ ዝስምዓና ዳህሪ’ዩ ዘለዎ” ይብል።
ብኣብነት ከሰንዮ እንከሎ ኸኣ፡ “ኣብ ምድረበዳ ቅናት ምድሪ እንተሃሊና፡ እቲ ካብ ጸሓይ እንረኽቦ ጻዕቂ ጸዓት 1000 ዋት ካብ ሓደ ትርብዒት ሜትሮ’ዩ፤ እዚ ብማዕበል ጸዓት ዝፍጠር ጻዕቒ ግን 240 ዋት ኣብ ሓደ ትርብዒት ሜትሮ’ዩ” ብምባል ማዕበል ጸዓት ካብታ ኣብ ህዋ ትትከል ሳተላይት ናብ መሬት ክመጽእ እንከሎ ከምዘይስምዓና ይሕብር።
እንተዀነ እዚ ፕሮጀክት ምስ ብዙሕ ብድሆታቱ’ዩ ከም ሓሳብ ተበጊሱ ዘሎ፤ ሓደ ካብኡ ኣማኢት ኣሽሓት ጸሓያዊ ጽዓት ዝእክብ ‘ፓነላት’ ኣብ ህዋ ምትካል ኣዝዩ ክቡር እዩ ክኸውን፤ ብዘይካኡ ነቲ ፓነላት ንምስራሕ’ውን ብዙሕ ልቀት ካርቦን ዳይኦክሳይድ ከምዝህሉ ብኣጋኡ ተገሚቱ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ ህዋ ዝትከል ጸሓያዊ ጸዓት ዝእክብ ፓነላት ሓያለ ኪሎሜተራት ግፍሕን ስፍሓትን ዘለዎ ስለዝኸውን፡ ምስ ኵነታት ኣየር ህዋ ብዝጥዕም ገይርካ ክስራሕ ስለዘለዎ፡ ንዕኡ ንምስራሕ ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







