ኣብ ወርሒ ማይ ዝእልሽ ቴክኖሎጂ ዝመሃዘ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ብርሃኑ ቡልቻ መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, NASA
20 ሓምለ 1969 ወዲ ሰብ ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ዓሊቡ።
ጠፈርተኛ ኒል ኣርምስትሮንግ “እዚ ንደቂ ሰብ ዓቢይ ስጕምቲ እዩ” ብምባል ባንዴራ ሃገሩ - ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ኣንበልቢሉ።
53 ዓመታት ድሕሪ እቲ ፕሮጀክት ኣፖሎ (Project Apollo) ዝተሰመየ ስርሒት ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ብርሃኑ ቡልቻ ኣብ ወርሒ ማይ ዝእልሽ መሳርሒ ኣዳልዩ ኣሎ።
ዶክተር ብርሃኑ ሰራሕተኛ ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ - ናሳ እዩ።
ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ኣብ ወርሒ ማይ ምህላውን ዘይምህላውን ዝምርምር መሳርሒ ምምዕባሉ ናሳ ኣፍሊጡ።
ወድ ሰብ ንፈለማ እዋን ናብ ወርሒ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ብድሕሪኡ ኴድና ኣይንፈልጥን።
ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመታት ግን ናሳ ዳግማይ ሰብ ናብ ወርሒ ንምልኣኽ ኣንቂዱ ኣሎ።
ኣብዚ ጕዕዞ ናይ መጀመርታ ጸላም ሰበይቲ ኣብ ወርሒ ክትርአ ትጽቢት ይግበር።
ሰባት ናብ ወርሒ ቅድሚ ምኻዶም ግን፡ ናሳ፡ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ናብ ወርሒ ይለእኽ።
ሓደ ካብዞም መሳርሒታት ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ከኣ ብዶክተር ብርሃኑ ዝተዳለወ መአለሺ ማይ እዩ።
ናሳ፡ ዳግማይ ናብ ወርሒ ንምጕዓዝ ኣበጊስዎ ዘሎ ውጥን ኣርተሚስ (Artemis) ይበሃል።
ኣብ ጽውጽዋይ ግሪኽ ኣርተሚስ ሓፍቲ ኣፖሎ እያ።
ኣብ ወርሒ እንታይ ኣሎ?
ሓደ ካብ ዓበይቲ ስርሓት ናሳ፡ ኣብ ህዋ ዝርከቡን ብዓይኒ ዘይረኣዩ ኣካላትን ዝድህስሱ መሳርሒታት ምድላው ምዃኑ ዶክተር ብርሃኑ ይገልጽ።
ሪሞት ሰንሲን ['Remote Sensing'] ይበሃሉ።
እቶም መሳርሒታት ብርሑቕ ንወርሒ ይድህስሱ፤ ወይ’ውን ኣብ ወርሒ ብምዕላብ ንምርመራ ናሳ ይሕግዙ።
ኣብ 1970ታት፡ ብዛዕባ ወርሒ ዝግበሩ ምርምራት ኣዝዮም ተበራኺቶም ነይሮም።
ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ሕብረት ሶቭየት ነበርን ‘Space Race’ ዝተሰመየ ሓያል ምውድዳር እዩ ዝካየድ ነይሩ።
እቲ ንሕንሕ ሎሚ’ውን ቀጺሉ ኣሎ። ኣሜሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይናን ህንድን ኣብ ቅድሚት ዝጥቀሳ እየን።
ናሳ፡ ኣብ ወርሒ እንታይ ኣሎ? ንህይወት ደቂ ሰብ ዘድልዩ ነገራት ኣብ ወርሒ ኣለው ዶ? ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ መጽናዕቱ ቀጺሉ ኣሎ።
ኣካል እዚ መጽናዕቲ ኰይኑ ዘሎ ከኣ ኣብ ወርሒ ማይ እንተሎ ዝፍትሽ መሳርሒ እዩ።
ዶክተር ብርሃኑ እቲ መሳርሒ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዓቢይ ለውጢ ዘምጽእ (Game changer) ምዃኑ ይገልጽ።
ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ ቀዳማይ እቲ ንዋት ንእሽቶን ዘተኣማምን ምዃኑን ይነግር።
“ኣብ ህዋ ንዘለው ኬሚካላት፡ ሞለኲላት፡ ጋዛት ወዘተ እዩ ዘጽንዕ” ይብል ዶክተር ብርሃኑ።
እዞም ኬሚካላት ልክዕ ከም ሰባት ኣሰር ሓዲጐም እዮም ዝሓልፉ። እቲ መሳርሒ ከኣ ነቲ ኣሰራት እዩ ዘለኒ።
“እቲ ተሰሪሑ ዘሎ ንዋት፡ ብዙሕ ጋዛት ከጽንዕ ይኽእል። ብቐንዱ ግን ንማይ ክርኢ እዩ ተሰሪሑ” ይብል።
ኣብ ወርሒ ማይ ኣሎ ዶ?
እቲ ዶክተር ብርሃኑ ዝመሃዞ ንዋት ቀንዲ ስርሑ ኣብ ወርሒ ማይ ምእላሽ'ኳ እንተዀነ ኣብኡ ዘብቅዕ ኣይኰነን።
ማይ ኣሎ እንተ ተባሂሉ፡ ካበይ መጺኡ? ክንዲ ምንታይ ይኸውን? ዝብሉ ሕቶታት ይምልስ።
“እቲ ማይ ስርዓተ ጸሓይ ክፍጠር እንከሎ ዝመጸ ድዩ? ወላስ ብድሕሪኡ ኮሜታት ወይ በረድ ዝሓዘሉ ግኡዛት ናብ ወርሒ ብምኻድ ነቲ ማይ ኣጓዓኢዞምዎ? ዝብል ከጽንዕ እዩ” ክብል ዶክተር ብርሃኑ የረድእ።
ኣብ ወርሒ ማይ ክህሉ ከምዝኽእል ግምታት'ኳ እንተሎ፡ ዛጊት ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።
እቲ መኣርሒ ነዚ ግምት ከረጋግጽ ትጽቢት ይግበረሉ።
“መጽናዕትታት ከምዘርእይዎ፡ ማይ ዝመስሉ ነገራት ኣብ ወርሒ ኣለው። ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ወርሒ ማይ ከምዘሎ ርግጸኛ ኴንካ ምዝራብ ከቢድ እዩ። እቲ ናተይ ጕጅለ ዝሰርሖ መሳርሒ፡ ንማይ ካብ ካልኦት ባእታ ሃይድሮጅን ዘለዎም ሞለኲላት ብልክዕ ንምልላይ የኽእል” ይብል ዶክተር ብርሃኑ።
ዶክተር ብርሃኑ፡ ዋና ተመራማሪ እዚ መጽናዕቲ ኰይኑ፡ ነቲ ሓሳብ ተመሃራይ እንከሎ እዩ ኣበጊስዎ።
ክውን ክሳዕ ዝገብሮ ከኣ ሸሞንተ ዓመታት ወሲዱሉ። እንተዀነ ሎሚ’ውን ኣይተወድአን ኣሎ። ገና ዝተርፉዎ ደረጃታት ከምዘለው ይዛረብ።
ናብ ወርሒ ክሳዕ ዝለኣኽ’ውን ክልተ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ይግመት።
ንመርመራታት ናሳ ምስ ሓለፈ እዩ ናብ ወርሒ ዝለኣኽ።

ምንጪ ስእሊ, NASA
ኣፖሎን ኣርተሚስን
ወድ ሰብ ድሕሪ ኣፖሎ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ወርሒ እግሩ እንተዘየንበረ፡ ንወርሒ እናዘሩ ሓበሬታ ዝእክቡ መሳርሒታት ምልኣኽ ተኻኢሉ እዩ።
ኣብ ወርሒ “ማይ ዝመስል” ነገር ከምዘሎ ዝሓበሩ’ውን እዞም መሳርሒታት እዮም።
ክንዮ ምሕባር ጥልቕ ዝበለ መርመራ ምግባር ስለዘይተኻእለ እዩ እቲ ናይ ዶክተር ብርሃኑ መሳርሒ ኣድልዩ።
ቀዳማይ ደረጃ ፕሮጀት ኣርተሚስ፡ ‘ኣርተሚስ 1’ ይበሃል።
ናብ ቅናት ዙረት ወርሒ (Orbit) ኣትዩ፡ ንሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ ምዛር ናብ ምድሪ ክምለስ እዩ።
ናሳ ንኣርተሚስ 1 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ክውንጭፎ ተሊሙ'ኳ እንተነበረ ኣይሰለጦን። ኣብ ቀረባ እዋን ዳግማይ ፈተነ ክገብር እዩ።
ንኣርተሚስ 1 ስዒቡ ኣርተሚስ 2 ክውንጨፍ እዩ።
ኣብ ሳልሳይ ዙር በረራ እቶም መሳርሒታት ናብ ወርሒ ክለኣኹ እዮም።
ብድሕሪኡ ከኣ ሰባት ይኸዱ።
ኣብ ካልኣይ ዙር ዝለኣኹ ኣቕሑት ቅድሚ ሕጂ ዘይተሰርሑ እዮም።
እቲ መሳርሒ ኣብዚ ጕዕዞ ክካተት፡ ዶክተር ብርሃኑ ይሰርሕ ኣሎ።
“ናትና መሳርሒ ብቝዕ ኰይኑ እንተ ተረኺቡ፡ ኣብ ኣርተሚስ 2 ወይ 3 ክኸይድ እዩ። እቶም ተመራመርቲ ጠፈር ቅድሚ ምኻዶም ክለኣኽ ወይ’ውን እቶም ተመራመርቲ ሒዞምዎ ከይዶም ማይ ንዘለዎ ስፍራ በቲ መሳርሒ ክእልሹ ይጠቅም።”
እቲ ንዋት ኣብ ልዕሊ ሮቦት ተገጢሙ ኣብ ወርሒ ይንቀሳቐስ።
ካብ ኣፖሎ ጀሚሩ ንወርሒ እናዞረ ዝምርምር ዘሎ ንዋት ‘ሉናር ሮቨር’ ዝተባሃለ እዩ።
ኣብ ወርሒ ማይ እንተሃለወ እንታይ ይጠቅም?
ዶክተር ብርሃኑ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ወርሒ ማይ እንተተረኺቡ፡ ደቂ ሰባት 'ካልኣይ ገዛ' ክህልዎም ማለት እዩ።
ኣብ ወርሒ ማይ እንተ ተረኺቡ ንኽንዘናጋዕ ናብኣ ክንከይድ ኢና ማለት እዩ። ዋላ ጠቕሊልና ኣብ ወርሒ ክንነብር ንኽእል ኢና።
ደቂ ሰብ ክጥቀምሎም ዝኽእሉ ጸጋታት ኣብ ወርሒ ክርከቡ ዝኽእሉሉ ተኽእሎ ኣሎ።
እቲ ተመራማሪ ከም መጠን ሳይንቲስት ህዋ፡ ነዚ መሳርሒ "ዓቢ ዓወት" ክብል ይገልጾ።
ብቐንዱ ኣሜሪካ፡ ሩስያ፡ ህንዲን ቻይናን ንወርሒ ቀዲመን ንምጽናዕ ከምኡ’ውን ጸጋታታ ተጠቒመን ንቱሪዝምን መነባብሮን ክግልገላላ ኣብ ምጉያይ ይርከባ።
ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ዝዓለበት ፈላሚት ሃገር ክትከውን እንከላ ህንድን ቻይናን ድማ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት መሳርሒታት ናብ ወርሒ ሰዲደን እየን።
ናሳ ንመወዳድርቱ ቀዲሙ ንወርሒ ናይ ምድህሳስ ዓቢ ዕላማ ኣለዎ። እዚ ዕላማ ንኽዕወት ድማ እቲ ብዶክተር ብርሃኑ ዝተመሃዘ መሳርሒ ዓቢይ ሓገዝ ይህብ።
ዶ/ር ብርሃኑ መን እዩ?
ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ዩ ተወሊዱ ዓብዩ። መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ድማ ኣብታ ከተማ ተማሂሩ።
ብድሕሪኡ ነጻ ዕደል ትምህርቲ ረኺቡ ናብ ኣሜሪካ ኣምርሐ። ፈለማይ ዲግሪኡ ብፊዚክስን ምህንድስናን ረኺቡ።
ፊዚክስ እናተማህረ እንከሎ፡ እቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ ሳይንስ ህዋ መሲጥዎ፤ ብፍላይ ኣስትሮፊዚክስ።
ናብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ ምስ ኣተወ ንህዋ ዝኸውን መሳርሒታት ብደረጃ ሓሳባት ከማዕብል ጀሚሩ።
"ካብ ዕድመ ንእስነተይ ጀሚረ ብፈጠራዊ ስርሓት ይምሰጥ ነይረ። ጸገም ምፍታሕ ብጣዕሚ’ዩ ዘሐጕሰኒ። በዓል ሞያ ቴክኖሎጂ ወይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንጸገም ማሕበረሰብ ክፈትሕ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ" ይብል።
ንኻልኣይ ዲግሪ እናተማሃረ ከሎ ጸሓያት ብኸመይ ይውለዱ፡ ይዓብዩን ይሞቱን? ንዝብል ኣብ ዘጽንዑ መሳርሒታት ክሳተፍ ጀመረ።
መጀመርታ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ ኮመንወልዝ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ እዩ ተማሂሩ። ፒኤችዲ ምስ ገበረ ድማ ኣብ ኤም.ኣይ.ቲ ጸኒሑ።
ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት’ዩ ናብ ናሳ ተጸንቢሩ።
ህጻን ከሎ እዩ ብዛዕባ ጠፈር ክፈልጥ ዝደሊ ዝነበረ።
"መባእታዊ ትምህርተይ ኣብ ክርስትያናዊ ቤት ትምህርቲ እየ ተኸታቲለ። ኣብ ክርስትና ድማ ብዛዕባ ህዋ ብዙሕ ግዜ ይዝረበሉ እዩ። ንሱ እዩ ዝያዳ ንኽፈልጥ ተበግሶ ዘሕደረለይ” ክብል የረድእ።
ይዅን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ናሳ ክጽንበር እየ ኢሉ ሓሲቡ ኣይፈልጥን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ እንከሎ ናብ ናሳ ዝመርሖ መጽናዕቲ ክሰርሕ ጀሚሩ። እቲ ኣብ ወርሒ ማይ ዝደሊ መሳርሒ ዝተወጠነ ‘ውን ኣብቲ ግዜ ነይሩ።
ናብ ናሳ ምስ ተጸንበረ፡ ብዛዕባ ሶላር ሲስተም (ስርዓተ ጸሓይ)ን ጋላክሲታትን ኣብ ምጽናዕ ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፉ።
ዶክተር ብርሃኑ ኣብ ናሳ
ኣብ ኣሜሪካ ነጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ ክወጽእ ከሎ በይኑ እዩ ነይሩ። ካብ ስድራ ተፈሊኻ በይንኻ ምንባር ቀሊል ኣይነበረን።
"ኣብቲ እዋን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጺአ ኣይፈልጥን ነይረ። ሓደ ሰብ ምስ ስድራኡ ንነዊሕ እዋን እንተጸኒሑ፡ ፈጺሙ ተፈልይዎም ዘይፈልጥ ሃንደበት ናብ ካልእ ሃገር ምስ ኣተወ፡ እቲ ፈተና ብዙሕ እዩ። ዝድግፈካ ስድራቤት የለን። ሽዑ ከምዚ ሎሚ ብቐጻሊ ስልኪ ምድውዋል ኣይከኣልን ነይሩ።
ንኣስታት ዓመትን ፈረቓን ተሌፎን እኳ ኣይነበረንን። ስለዚ ኣብ ወርሒ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ብናይ ህዝቢ ተሌፎን ኣብ መንገዲ እድውል ነይረ። ኣዝዩ ውጥረት ዝመልኦ እዩ ነይሩ” ክብል ነቲ ዝሓለፎ ይዝክር።
ኣብቲ ዝመሃረሉ ዝነበረ እዋን ርእሱ ንምኽኣል፡ ተደራቢ ስራሕ ክሰርሕ ግድን ነበረ።
“ኮፍ ኢልካ መጽናዕትኻ ግበር” ካብ ዝብል ስድራቤት ወጺኡ ናብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝተጸበዮ ጕያ ዝመልኦ ህይወት ምእታው በዳሂ ነይሩ።
ናብ ናሳ ንምእታው ዝግበር ዝነበረ ውድድር ድማ ቀሊል ኣይነበረን።
ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ዝርከብዎም ፍሉጣት ሳይንቲስት፡ መምህራንን ተመራመርትን ናብ ናሳ ክጽንበሩ ድልየት ኣለዎም።
ዶ/ር ብርሃኑ ከምዝበሎ ናሳ ኣብ ሓደ ዓውዲ ዓሚቝ ምርምር ዝገበረ በዓል ሞያ እዩ ዝደሊ።
ብፍላይ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪኡ ክሰርሕ ከሎ ዝገብሮ ምድላው ናብ ናሳ ክኣቱ ከምዝሓገዞ ይዛረብ።
"ኣምላኽ ሓጊዙኒ፤ ምኽሪ ስድራይ ከም መግቢ ኣብ ኣእምሮይ ሰኒቐ፡ ፈተናታት ብምስጋር ናብዚ በቒዐ ኣለኹ" ይብል።
ኣስዒቡ "ብሉጽ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ናብ ናሳ ይመጹ’ዮም። ናሳ ዝተደጋገመ ስራሕ ኣየደልይን እዩ። ካልእ ከምዚ ከማኻ ዝበለ ደጊሙ ክቘጽር ድልየት የብሉን። ስለዚ ኣብቲ ዝተቘጸርካሉ ዓውዲ ክኢላ ክትከውን ኣለካ። ካብቶም ንዓመታት ዝሰርሑ ፕሮፌሰራት፡ ብዙሓት መጽናዕትታት ዘሕተሙ ተመራመርትን ፓተንት ዘለዎም ክኢላታትን ምምራጸይ ዓቢ ዕድል'ዩ" ይብል።
ንሱ፡ ነታ ናብ ናሳ ዝኣተወላ ኣጋጣሚ "ሓንቲ ካብቶም ፍሉያት ኣጋጣሚታት ህይወተይ" ክብል ይገልጻ።
መሳርሕቱ ካብ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ ህይወትን ትምህርትን ዝመጹ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም፤ ናቱ ታሪኽ ግን ዝተፈልየ እዩ።
ምስቶም ብሞያኦም ኣብ ዓቢይ ብራኸ ዝበጽሑ ክሰርሕ ምኽኣሉ ብዙሕ ምሂርዎ እዩ።
ዕላማ ናሳ፡ ዳህሳስ ህዋ ኣሜሪካ ናብ ቅድሚት ክስጕም ምግባር ስለዝዀነ፡ እዚ ሓባራዊ ዕላማ ከኣ ነቲ ገና ናብ ናሳ ዝኣተወ ምስቲ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ተዋዲዱ ክሰርሕ ዕድል ዝህብ’ዩ።
"ከም ሓደ ዝተማህረ ኢትዮጵያዊ መጠን ንነብሰይ ኣብዚ ክረኽባ ስለዘይተጸበኹ ሕጕስ እየ። ኣካል ናይ ሓደ ዓበይቲ ሰባት ዓለም ዘለዎን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብርን ትካልን ምዃን ዓቢይ ክብሪ እዩ” ክብል ይዛረብ።
ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብቐጻሊ ናብ ስድራኡ ክድውል ዕድል ስለ ዘይረኸበ፡ ንኣደኡ ኣዝዩ ከም ዝናፍቓ ይዝክር።
ምስቲ ኣብነት ዝዀነኒ ዝብሎ ዓቢይ ሓዉ እውን ኣይራኸብን ነይሩ።
ናይ ዓመታት ፈተና ሰጊሩ ታሪኽ ዓወት ካብ ዘለዎም ሓደ ክኸውን ብምብቅዑ ስድራኡ ሕጕሳት ኰይኖም ኣለዉ።
"ካብ ኢትዮጵያ ምስ ወጻእካ ናይ ውድቀትን ዓወትን ተኽእሎ ኣሎካ። ስድራ ቤተይ ሓደ ካብ ዕዉታት ኰይነ ስለዝረኣዩኒ ኣዝዮም ተሓጒሶም እዮም፡” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







