እቲ ዓቢይ ጸይቀ-ግኑን ኣቶሚካዊ ቦምባ

ኣቶሚክ ቦምባ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ንግሆ 30 ጥቅምቲ 1961፡ ቱ-95 ዝዓይነታ ደብዳቢት ነፋሪት ሕብረት ሶቭየት፡ ካብቲ ኣብ ርሑቕ ሰሜን ሩስያ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኦሌንያ ተበጊሳ።

ቱ-95 ቅድሚ ገለ ዓመታት ናብ ኣገልግሎት ዝኣተወት ብፍሉይ ኣገባብ ዝተመሓየሸት ነፋሪት እያ። እዚኣ ሓደ ዓቢይ ክንፊ፡ ኣርባዕተ ዓበይቲ ሞተር ዘለዋ ነፋሪት፡ ንመሳርሒታት ሩስያ ኑክሌሳዊ ቦምባታት ናይ ምጽዓን ዕማም ተዋሂብዋ።

ሶቭየት፡ ኣብ 29 ነሓሰ 1949 ካብ ዘካየደቶ ናይ ንመጀመርታ ፈተነ ኣትሒዙ፡ ክሳብ 1958 ጥራይ 36 ኑክሌሳዊ ቦምባታት ፈቲና እያ።

ካብ ኵሎም ፈተነታት ግን ምስዚ ዝወዳደር የለን።

ቱ-95፡ 8 ሜትሮ ንውሓት፡ ዳርጋ 2.6 ሜተር ሰንጣቒትን ልዕሊ 27 ቶን ዝምዘን ክብደት ዘለዎ ዓቢይ ቦምባ ሒዛ ነይራ።

ብኣካል፡ ካብቶም ንሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘዕነዉ ቦምባታት ኣዝዩ ይንእስ።

እቲ ቦምባ፡ ፕሮጀክት 27000፡ ኮድ ፍርያት 202፡ RDS-220፡ ከምኡ’ውን ኩዚንካ ማት ብዝብል ይፍለጥ ነይሩ። ሕጂ ድማ ዝያዳ ‘ቦምባ ዛር’ ብዝብል ይፍለጥ።

ቦምባ ዛር ከም ዝዀነ ተራ ኑክሌሳዊ ቦምባ ኣይነበረን። ውጽኢት ናይቶም ዝሓየለ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ንምፍጣር ዝቃለሱ ዝነበሩ ሳይንቲስት ሶቭየት እዩ።

እዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኒኪታ ክሩስቸቭ፡ ዓለም ብሓይሊ ቴክኖሎጂ ሶቭየት ንኽትናወጽ ብዘለዎ ድሌት ዝተደፋፍአ ነይሩ።

ካብ ሓደ ብሓጺን ዝተሰርሐ ግዙፍ ቦምባ ንላዕሊ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ዝዓበየት ነፋሪት ከይተረፈ ክኣቱ ዘይክእል ኣዕናዊ ከተማን ናይ መወዳእታ መማረጺ ኣጽዋርን እዩ ነይሩ።

እዚ ቦምባ፡ ኣብ በረድ ዝመልኦ ሰሜናዊ ወሰን ሕብረት ሶቭየት ኣብ ባሕሪ ባረንትስ ኣብ ዝርከብ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ደሴት ኖቭያ ዘምልያ በጺሑ።

ፓይለት ናይታ ቱፕሌቭ ትበሃል ነፋሪት ሜጀር ኣንድሬ ዱርኖቭትሰቭ፡ ነታ ነፋሪት ናብቲ ኣስታት 10 ኪ.ሜ ቁመት ዘለዎ ናይ ሶቭየት መፈተኒ ቦታ ሚትዩሺካ ቤይ ኣምጺእዎ።

ንእሽቶ ንዝተመሓየሸትን ቱ-16 ዝዓይነታ ነፋሪት ቦምባ፡ ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ ፍንጀራ ክትስእልን ካብቲ ፍንጀራ ዝተፈጸመሉ ዞባ ናሙናታት ኣየር ክትከታተልን ድልውቲ ኰይና ኣብ ጐድኒ ቱፕሌ ትበርር ነይራ።

ክልቲአን ነፈርቲ 50 ሚእታዊት ናይ ምድሓን ዕድል ኣሎወን። ንኽልቲአን ነፈርቲ ናይ ምድሓን ዕድል ንምሃብ፡ ዛር ቦምባ ዳርጋ ሓደ ቶን ብዝምዘን ግዙፍ ፓራሹት ክዋፈር ተገይሩ። እቲ ቦምባ ቀስ ኢሉ ናብቲ ኣቐዲሙ ዝተወሰነሉ ቁመት ምስወረደ ተፈንጂሩ።

እቲ ቦምባ ክፍንጀር ከሎ፡ እተን ክልተ ነፈርቲ ኣስታት 50 ኪ.ሜ ርሒቐን ነይረን። ንኽድሕና ዝኣክል ርሕቐት ክኸውን ይግባእ።

ዛር ቦምባ ብኣቈጻጽራ ሞስኮ ሰዓት 11፡32 ተፈንጂሩ። ኣብቲ ቅጽበት እቲ ቦምባ ኣስታት 8 ኪ.ሜ ዝስፍሓቱ ኩዕሶ ሓዊ ፈጢሩ። እቲ ኩዕሶ ሓዊ ካብ ሓይሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ንላዕሊ ነጢሩ። እቲ ዝተፈጥረ በርቂ ካብ 1000 ኪ.ሜ ርሕቐት ክረአ ክኢሉ።

ሞዴል ቦምባ ዛር

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

መግለጺ ስእሊ, ሞዴል ቦምባ ዛር
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ቦምባ ዝፈጠሮ ደበና ናብ 64 ኪ.ሜ ቁመት ዓሪጉ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዳርጋ 100 ኪ.ሜ ተዘርጊሑ።

ምናልባት ካብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታ ዘደንቕ ትርኢት ነይሩ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ኖቫያ ዘምልያ፡ እቲ ሳዕቤን ኣዝዩ ኣሰቃቒ ነይሩ። ኣብታ ካብቲ ቦታ ፍንጀራ ኣስታት 55 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ቁሸት ሰቨርኒ ዝነበሩ ኵሎም ኣባይቲ ምሉእ ብምሉእ ዓንዮም። ኣማኢት ኪሎ ሜተር ርሒቐን ኣብ ዝርከባ ኣውራጃታት ሶቭየት፡ ገዛውቲ ፈሪሶም፡ ናሕሲታት ወዲቘም፡ ማዕጾታት ዓንዮም፡ መስኮታት ተሰባቢሮም። ርክባት ራድዮ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ተቛሪጹ።

ዱሮቭትሰቭ ብህይወት ምትራፉ ዕድለኛ እዩ፤ እቲ ካብ ዛር ቦምባ ዝመጸ ማዕበል ፍንጀራ፡ ነታ ግዙፍ ነፋሪት ቦምባ ንልዕሊ 1,000 ሜትሮ ምስ ኣንቀጥቀጣ እዩ እቲ ፓይለት ዳግማይ ክቈጻጸራ ዝኸኣለ።

ሓደ ነቲ ምፍንጃር ዝረኣየ ሶቭየት ሰኣላይ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፤

“ኣብ ትሕቲ እታ ነፋሪትን ኣብ ርሑቕን ዝነበረ ደበና በቲ ሓያል ብልጭታ ይበርህ ነይሩ። እቲ ባሕሪ ብርሃን ተዘርጊሑ ደበናታት ከይተረፉ ከብርሁን ግሉጽ ክዀኑን ጀሚሮም።... እቲ ትርኢት ፍሉይ፡ ዘይክውንነታዊ፡ ልዕለ ባህርያዊ እዩ ነይሩ።”

ዛር ቦምባ ዳርጋ ንምእማኑ ዘጸግም ጸዓት ፈንዩ። ብሰፊሑ 57 ሜጋቶን ወይ 57 ሚልዮን ቶን ቲኤንቲ ከምዝኸውን ይእመን።

እዚ ድማ ካብቲ ናይ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ቦምባታት ተደሚሩ ልዕሊ 1500 ዕጽፊ ይዛይድ።

ካብቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተተኮሱ ኵሉም ተተኮስቲ ድማ ብ10 ዕጽፊ ዝዛይድ እዩ።

ሚስጥር ከምዚ ዝበለ ፍንጀራ ክዕቀብ ኣይከኣለን።

ኣሜሪካ ካብቲ ፍንጀራ ዓሰርተታት ኪሎሜተራት ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ሰላዪት ነፋሪት ነይራታ። ኣብ ርሑቕ ንዝፍጠሩ ኑክሌሳዊ ፍንጀራታት ንምሕሳብ ዝጠቅም ባንግሜተር ዝበሃል ፍሉይ ብርሃናዊ መሳርሒ ዝሓዘት እያ ነይራ። ብፓነል ገምጋም ኣጽዋር ወጻኢ፡ ነቲ ብኮድ ስሙ ስፒድላይት ዝበሃል ካብታ ነፋሪት ዝተረኽበ መረዳእታ ተጠቒሙ ውጽኢት እቲ ምስጢራዊ ፈተና ገምጊሙ።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካብ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ገለ ከም በዓል ሽወደን ዝኣመሰላ ስካንዲናቭያውያን ጐረባብቲ ከይተረፈ ውግዘት ኣስዒቡ።

እቲ ውጽኢት ካብዚ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል ነይሩ። ንገለ ካብቲ ክፍንዎ ዝኽእል ሓይሊ ንምግታእ ኣብ ንድፊ ለውጢ ስለዝተገብረ እምበር፡ ቦምባ ዛር ብዕጽፊ ዝያዳ ሓይሊ ምሃለዎ ነይርዎ እዩ ዝበሃል።

ነፋሪት ቦምባ ቱ-95

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ነፋሪት ደብዳብ፡ ቱ-95

ሓደ ካብቶም ሃንደስቲ ናይዚ ዘስካሕክሕ መሳርሒ፡ ኣንድሬ ሳካሮቭ ዝተባህለ ሶቭየታዊ ክኢላ ፊዚክስ ክኸውን ከሎ ድሒሩ እቲ ነቲ ኣጽዋር ካብ ዓለም ንምእላይ ብዝገበሮ ፈተነታት ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝኾነ ሰብ እዩ።

ካብ መጀመርታ ኣካል ናይቶም ቀዳሞት ኣቶሚክ ቦምባታት ሶቭየት ዝሃነጸ ጕጅለ ነይሩ።

ሳካሮቭ፡ ኣብ ቀጸላታት ዘለዎ ምፍንጫል-ምጽንባር-ምፍንጫል ዝበሃል ነቲ ኣብ ሕመረቱ ዘሎ ኒዩክለራዊ መስርሕ ተወሳኺ ጸዓት ዝፈጥር መሳርሒ ክሰርሕ ጀሚሩ።

እዚ ስርሒት እዚ፡ ሶቭየት ናይ መጀመርታ ሃይድሮጅን ቦምባ ክትሰርሕ ዘኽአላ ክኸውን ከሎ እዚ መሳርሒ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣቶሚክ ቦምባታት ኣዝዩ ዝሓየለ እዩ።

ሳካሮቭ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተፈተነ ዝዀነ ቦምባ ዝሓየለ ከምጽእ ብክሩስቸቭ እዩ ተኣዚዙ።

ኣብቲ እዋን፡ ድልየት ሕብረት ሶቭየት ኣብ ውድድር ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ንኣሜሪካ ክትቅድም ከም እትኽእል ከተርኢ ከምዝነበረ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ቢል ክሊንተን ሓላፊ ፈተነ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ኣሜሪካ ነበር ፊሊፕ ኰይል ይገልጽ።

“ኣሜሪካ ንሂሮሺማን ናጋሳኪን ዘዳለወቶ ቦምባታት ብምስራሕ ኣዝያ ቀዲማ ነይራ። ድሕሪኡ ድማ ሩስያውያን ኣብ ሃዋህው ሓደ ፈተነ ከይፈተኑ ኣሜሪካ ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዳ እያ።

“ሶቭየት ድማ ንዓለም ዝነግርዎ ዝዀነ ነገር ክሰርሑ ይፍትኑ ነይሮም። ቦምባ ዛር ብቐንዱ ዓለምና ንሕብረት ሶቭየት ከም ማዕረ ንኽትርአይ ዝዓለመ እዩ ነይሩ” ክብል ይውስኽ።

እቲ መበቆላዊ ዲዛይን፡ ንነፍሲ ወከፍ እቲ መድረኽ ዝፈላሊ ቀጸላ ዩራንየም ዘለዎ በዓል ሰለስተ ቀጸላ ቦምባ እዩ ነይሩ። እዚ ካብቶም ቦምባታት ሂሮሺማን ናጋሳኪን 3000 ዕጽፊ ዝዛይድ 100 ሜጋቶን ምህርቲ ምሃለዎ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይተኣደነ ሓይሊ እንተዝህሉ፡ እቲ ግዙፍ ቦምባ ንሰሜን ሶቭየት ብሰፊሕ ደበና ራድዮኣክቲቭ ከም ዘይሽፍን ውሕስነት ኣይምሃለወን።

እዚ ንሳካሮቭ ብፍላይ ዘተሓሳስብ ነይሩ ይብል ፍራንክ ፎን ሂፐል ዝተባህለ ፊዚከኛን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስተን ሓላፊ ህዝባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን።

“ብዛዕባ እቲ ዝፈጥሮ መጠን ራድዮኣክቲቪቲን ኣብ መጻኢ ወለዶታት ከሕድሮ ዝኽእል ጀነቲካዊ ጽልዋን ብሓቂ ስግኣት ነይርዎ” ክብል ይገልጽ።

“ካብ ቦምባ ምስራሕ ናብ ምቅዋም ዝጀመሮ ጕዕዞ እዩ ነይሩ።”

ነቲ ፈተነ ዝተሓረየት ኖቫያ ዘምሌያ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ነቲ ፈተነ ዝተሓረየት ኖቫያ ዘምሌያ

ንፈተነ ቅድሚ ድሉው ምዃኑ፡ እቲ ቦምባ ዓቢ ውጽኢት ንኽረክብ ዝሕግዞ ዝነበረ ቀጸላ ዩራንየም፡ ብቐጸላ ሊድ ተተኪኡ፡ እዚ ድማ እቲ ጸዓት ኑክሌሳዊ ምላሽ ክቕንስ ገይሩ።

ሶቭየት ዝሰርሐቶ ቦምባ ኣዝዩ ሓያል ስለዝዀነ ብምሉእ ዓቕሙ ክትፍትኖ ኣይፈቐደትን። እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ጸገማት ናይዚ ኣዕናዊ መሳርሒ ጥራይ እዩ ነይሩ።

እተን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ሕብረት ሶቭየት ንምጽዓን ዝተሰርሓ ቱ-95 ዝዓይነተን ነፈርቲ ቦምባ፡ ኣዝዩ ዝቐለለ ኣጽዋር ክሕዛ ዝተዳለዋ እየን። ቦምባ ዛር ኣዝዩ ዓቢይ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሚሳይል ክቕመጥ ስለ ዘይኽእል፡ እተን ንዕኡ ክስከማ ዝተዳለዋ ነፈርቲ እኹል ነዳዲ ሒዘን’ውን ክሳብ እቲ መፈተኒ ቦታ ክወስዳኦ ኣይምኸኣላን። ከምኡ’ውን፡ እቲ ቦምባ ከምቲ ዝተሓሰበሉ ሓያል እንተዝኸውን ድማ እታ ነፋሪት ናይ ሓደ ጕዕዞ ተልእኾ ጥራይ ምሃለዋ’ምበር ኣይምተመልሰትን ነይራ።

ሕጂ መሪሕ ኣባል ናይቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ማእከል ምቍጽጻርን ዘይምዝርጋሕን ኣጽዋር ዝዀነ ኮይል፡ “ኣዝየን ዓበይቲ ከተማታት ከተዕንው እንተዘይደሊኻ፡ ንምንታይ ከም ትጥቀመሉ ኣጸጋሚ’ዩ” ይብል።

“በቃ ንኽትጥቀመሉ ኣዝዩ ዓቢይ ምዀነ ነይሩ።”

ሳካሮቭ፡ እቲ ዝተሓሰበ ቦምባ ዓለማዊ ውድቀት ከየስዕብን መርዛም ርስሓት ኣብ መላእ ፕላነት ከይዝርግሕን ስክፍታ ነይርዎ።

ሳካሮቭ ንጡፍ ደጋፊ ጸረ-ሚሳይል ኰይኑ። ኣንጻር ጭቆና ተቓዋሚ ብምዃን ኣብ 1975 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተሸሊሙ።

ቦምባ ዛር፡ ኣዝዩ ዝተፈልየ ዓይነት ውድቀት ነይርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎ።