ጆ ባይደን: ንፑቲን 'ታክቲካዊ' ኣጽዋር ኑክሌር ከይጥቀም ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, EPA/RUSSIAN DEFENCE MINISTRY PRESS SERVICE
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆባይደን፡ ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክሬን ኬሚካላዊ ይኹን ‘ታክቲካዊ’ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከይትጥቀም ኣጠንቂቑ።
ባይደን፡ ምስ ሲቢኤስ ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ኣብ ረብሐ እንተውዒሉ፡ "ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዕ’ቲ ኲናት ክቕይሮ'ዩ" ኢሉ።
ይኹን እምበር፡ ሩስያ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር እንተተጠቒማ ሃገሩ እንታይ ስጉምቲ ከም እትወስድ ኣይነጸረን።
ድሕሪ ምጅማር ወራር ዩክሬን፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኒኩለራዊ ሓይሊ ሃገሩ ኣብ "ተጠንቀቕ" ክኸውን ኣዚዙ ኣሉ።
እዚ ዝገበረ ድማ፡ ካብ ምዕራባውያን ዝወጽኡ "ተኣፈፍቲ መግለጺታት" ስዒቡ ምዃኑ ሓቢሩ እዩ።
ገለ ሃገራት፡ ንዝሓለፉ 80 ዓመታት ኣብ ዓለም ዝጸንሐ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ዋሕስ ሃገራዊ ድሕንነተን ይርእየኦ።
ብመሰረት ሓበሬታ ፈደሬሽን ሊቃውንቲ ኣመሪካ፡ ሩስያ ኣስታት 5,977 ምስ ኒዩክለር ዝተኣሳሰሩ ኣጽዋራት ኣለዉዋ።
እንተዀነ፡ ሩስያ ነቲ መሳርሒታት ኲናት ክትጥቀመሉ ትጽቢት ኣይግበርን።
‘ታክቲካዊ’ ብዝብል ኣገላልጻ ዝፍለጥ፡ ናይ ሓጺር ርሕቀት ኣጽዋር ኑክሌር እንትኸውን፡ ‘ስትራተጂካዊ’ ኒዩክለር ድማ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ዘጠቓልል እዩ።
ፑቲን፡ ኣብ’ቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዩክሬን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክጥቀም እንተሓሲቡ፡ እንታይ መልእኽቲ ክሰድድ ከም ዝደሊ ብሲቢኤስ ዝተሓተተ ጆ ባይደን፡ "ዓገብ! ግደፍ! ግደፍ!" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ኣመሪካ፡ ድሕሪ ምጥቃም ኒዩክለራዊ መጥቃዕቲ እንታይ ስጉምቲ ከም እትወስድ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ ድማ፡
"እንታይ ከም ዝኸውን ብልክዕ እንተዝፈልጥኸ ምነገርኩኻ ይ መስለዶካ? ርግጽ ኣይነግረካን እየ። ሳዕቤን ክህልዎ እዩ" ክብል ጆ ባይደን መልሲ ሂቡ።
"ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ድማ ኣብ ዓለም ‘ፉንፉን’ ተገይሩ ክረአ እዩ። ከከም ብርኪ ናይቲ ዝገብርዎ ድማ፡ እንታይ ምላሽ ከም ዝመጽእ ክውስን'ዩ።"
እቲ ኣብ ዩክሬን ዝተኻየደ ኲናት ከምቲ ሩስያ ዝተስፈየቶ ጽቡቕ ኣይሰጎመን ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ዩክሬን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዞባ ካርኪቭ ዝርከብ ልዕሊ 8 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜተር መሬት ዳግማይ ካብ ወራር ሩስያ ከምዘምለሰት ይንገር።
ፕረዚደንት ፑቲን፡ ዩክሬን እትገብሮ ዘላ እዚ ዕዉት ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ነቲ ሩስያ ክትሰርሖ ዝሓንጸጸቶ መደብ ደው ከምዘየብሎ ተዛሪቡ።።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







