ሩስያ ተወሳኺ ግዝኣት ዩክረይን ንምጥቕላል ከምዝወጠነት ኣሜሪካ ኣፍሊጣ

ሩስያ፡ ኣሜሪካ ንዩክረይን ዝሃበታ ነዊሕ ዝውንጨፍ ከበድቲ ብረታት ምሃባ ሓሳባ ከምዘቐየራ'ያ ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩስያ ብኸምቲ ንክረምያ ዝጐበጠትሉ ተመሳሳሊ ሜላ ተወሰኽቲ ግዝኣ ዩክረይን ክትሕዝ መደብ ከምዘለዋ አሜሪካ ኣፍሊጣ።

ወሃቢ ቓል ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ ንቤት ጽሕፈት ክፍሊ ስለያ ኣሜሪካ ጠቒሱ፡ ሩስያ ተወሰኽቲ ግዝኣት ዩክረይን ንምሓዝ ዘኽእላ መሰረት ተንጽፍ ኣላ ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ወሃቢ ቓል፡ ሩስያ ነቲ ብሓይሊ ዝተቘጻጸረቶ ቦታታት ናብ ግዝኣታ ንምእታው ክሳብ መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ ስማዊ ህዝበ-ውሳነ - ረፈረንደም - ከተካይድ ከም እትኽእል ሓቢሩ።

ሩስያ ኣብ 2014 ብብዙሓት “ሕጋዊ ኣይኮነን” ተባሂሉ ብዝንቀፍ ህዝበ ውሳነ ንክረምያ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ኣእትያታ ትርከብ።

እቲ ኣሜሪካዊ ወሃቢ ቓል፡ “ንህዝቢ ኣሜሪካ እቲ ልክዕ ነገር ክንነግሮ ንደሊ ኢና። ዝዀነ ይዅን ሰብ በቲ ተግባር ኣይክታለልን እዩ። ፕረዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ኣብ 2014 [ኣብ ክረምያ] ዝተጠቕመሉ ስልቲ እንደገና ይደግሞ ኣሎ” ክብል ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ሩስያ ነቲ ዝሓዘቶ ግዝኣታት ዩክረይን ብኢ-ሕጋዊ ኣገባብ ከተመሓድሮ ንሩስያ ዝድግፉ ሰበስልጣናት ትሸይም ኣላ። እዚ ከኣ ብመገዲ ረፈረንዱም ነተን ግዝኣታት ኣብ ትሕቲኣ ንምእታውን ንምጥቕላልን ዝዓለመ እዩ” ክብል ይኸስስ።

ኣብቲ ሩስያ ዝተቘጻጸረቶ ቦታታት ዜጋታታን ዩክሬናውያንን ሰበ ስልጣንን ሸይማ ኣላ። ሩስያ ኣብ 2014 ንክረምያ ምስተቘጻጸረት ብህዝበ ውሳነ ኣብ ትሕቲኣ ንኸተእትዋ ፈቲና እያ። ይዅን እምበር ብማሕበረ ሰብ ዓለም ከም ሕገ ኣልቦ ውሳነ እዩ ዝረአ።

ኣብቲ ህዝበ ውሳነ ብዙሓት ዩክሬናውያን ድምጺ ኣይሃቡን፤ እቲ ረፈረንዱም'ውን ነጻን ፍትሓውን ኣይነበረን። ኣብ ካልእ ክፍልታት ዩክረይን ዝካየድ ምርጫታት'ውን ተመሳሳሊ እዩ።

ኣብቲ ሩስያ ዝተቘጻጸረቶ ግዝኣታት ነቲ ህዝበ ውሳነ ዝቃወሙ ሰባት ከምዝዕፈኑ እዩ ዝዝረብ።

ወሃቢ ቓል ኪርቢ፡ "ውጥን ሩስያ ነቃልዖ ኣለና። ዓለም ምሉእ፡ እቲ ዘይሕጋዊ ውጥን ምጥቓላል ግዝኣታትተቐባልነት ከምዘይብሉ ይፈልጥ እዩ” ኢሉ።

ስለዝዀነ ከኣ ኣሜሪካን መሻርኽታን ህጹጽ ግብረመልሲ ከምዝህቡ እቲ ወሃብ ቃል ተመባጺዑ ኣሎ።

እቲ ሩስያ ኣካል ግዝኣታ ክትገብሮ እትሰርሓሉ ዘላ ግዝኣት ዩክረይን ክሄርሶን፡ ዛፖሪዝዚያ፡ ዶነስክን ሉሃንስክን ዝኣመሰሉ ቦታታት ከምዝርከቡዎ ወሃብ ቃል ኪርቢ ተዛሪቡ።