ኢራን ንሩስያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከተቕርብ ውጥን ከምዘለዋ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, IRANIAN ARMY/GETTY IMAGES
ኢራን ንሩስያ ኣብ ዩክረይን ንእተካይዶ ዘላ ኲናት ብኣማኢት ዝግመታ ድሮናት (ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ) ከተቕርብ መደብ ከምዘለዋ ሓደ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ገሊጹ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት መንግስቲ ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን፡ ኢራን ሓይልታት ሩስያ ነተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከመይ ከም ዝጥቀሙለን ስልጠና ንምሃብ ትዳሎ ከምዘላ ዘመልክት ሓበሬታ ንኣሜሪካ ከምዝበጽሓ ተዛሪቡ።
እንተዀነ፡ ዛጊት እተን ድሮናት ኢራን ንሩስያ ብዛዕባ ምርካበን ዝገልጽ ንጹር ሓበሬታ ከም ዘየለ ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ዩክረይን ነቲ ተካይዶ ዘላ ኲናት ንምሕጋዝ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓገዝ ክግበረላ ጻውዒት ኣቕሪባ ነይራ።
ኣሜሪካ ዝበጽሓ ስለያዊ ሓበሬታ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፡ "ንቐጻልነት ኣጽዋራታ ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ" ዝብል ገምጋም ዘሐይል ከምዝኾነ ሚስተር ሱሊቫን ወሲኹ ይገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ’ውን ተቓለስቲ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ንምፍጻም፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ከምዝተጠቐሙ ኣዘኻኺሩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብዚ ሰሙን ናብ እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን ቅድሚ ዝገብሮ ምብጻሕ እዩ እቲ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ነዚ ዝገለጸ።
ክልቲአን ሃገራት ከኣ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝኣወጀቶ ኲናት ስዒቡ ኣብ ልዕሊኣ ንዝተነብሩ እገዳታት ዝምልከት መርገጺአን ዛጊት ኣየነጸራን።
እስራኤል ንኢራን ከም ዓቢይ ዞባዊ ስግኣት እያ ትርእያ።
ኣሜሪካን ካልኦት ብሓዙት ሃገራትን ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዝተፈጸመ ወራር ስዒቡ፡ ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ሓገዝ ኣጽዋር ንዩክረይን ኣቕሪበን ኣለዋ።
ኣሜሪካ፡ “ውጽኢታዊ ዓቕሚ ምክልኻል ዩክረይን ንምጥንኻር" እቲ ትገብረላ ሓገዝ ክትቕጽሎ ምዃና፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን ኣፍሊጡ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







