ሩስያ ስለምንታይ'ያ ንዩክሬይን ወሪራ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩሲያ፡ ብኣየር፣ ብባሕርን መሬትን ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ከቢድ መጥቃዕቲ ፈንያ።
ሓይልታት እታ 44 ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር ድማ ኣብ ዙርያ ርእሰ ከተማ ኪቭ ዓሪዶም ኣንጻር ሰራዊት ሩስያ ይገጥሙ ኣለው።
ንኣዋርሕ ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ንዩክሬይን ንምውራር ድልየት የብለይን ክብል እኳ እንተጸንሐ ኣሽሓት ሰራዊትን ኣጽዋራት ውግእን ግን ናብ ዶብ ሰሜን፣ ምብራቕን ደቡብን ዩክሬይን ኣጸጊዑ ጸኒሑ።
ስለ ምንታይ’ዮም ወተሃደራት ሩሲያ ኣጥቂዖም?
ቭላድሚር ፑቲን ብሰለስቲኡ ሸነኽ ዘውፈሮም ሰራዊት ሙሉእ ወራር ክጅምሩ ትእዛዝ ካብ ዝህብ ጀሚሩ ወተሃደራት ሩሲያ ንከተማ ኪቭ ንምሓዝ ተጸጊዖም’ዮም ዘለው።
ብ24 ለካቲት 2021፡ እቲ ፕሬዝደንት ሩሲያ ካብ ዘመናዊት ዩክሬይን ቐጻሊ ዝኾነ ስግኣት ስለ ዘለዋ “ውሕስና” ኣይስምዓን፣ ክትዓብን “ህልውንኣ” ክተረጋግጽን ኣይትኽእልን ኢሉ።
ኣብቲ ዕለት መዓርፎ ነፈርትን ናይ ሰራዊት ማእከላትን ክህረሙ እንከለው፡ ሩሲያ ብዝጎበጠታ ክሬሚያን መላፍንታ ቤላሩስን ኣቢሎም ድማ ወተሃደራትን ታንክን ናብ ዩክሬይን ዘሚቶም።
መብዛሕትኡ ፑቲን ነዚ ወራር ምኽንያት ገይሩ ዘቕርኦም ክትዓት ሓሶት ወይ ዘይምኽንያታዊ’ዮም።
ዕላማይ ግዳያት ምጽናት ዓሌት ዝኾኑ ሰባት ምክልኻልን ኣብ ዩክሬይን “ናዝነትን ወተሃደራውነትን” ምጥፋእ እዩ ይብል።
ይኹን’ምበር ኣብታ ብኣይሁዳዊ ፕሬዝደንት እትምራሕ ዩክሬይን ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት የለን፤ ዴሞክራሲያዊት ሃገር እያ።
ፕሬዝደንት ዜለንስኪ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ተፈጺሙ ዘሎ ወራር መራሒ ጀርመን ዝነበረ ናዚ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝፈጸሞ ተግባር ከም ዝመሳሰል ብምግላጽ “ኣነ ከመይ ኢለ ናዚ ይኸውን?” ኢሉ።
ቭላድሚር ፑቲን፡ እቲ ደጋፊኡ ዝነበረ ፕሬዝደንት ዩክሬይን ቪክተር ያኑኮቪች ብ2014 ብህዝባዊ ዓመጽ ካብ ስልጣን ካብ ዝወርድ ንድሓር ዩክሬይን ብጽንፈኛታት ተመንዚዓ እናበለ ይኸስስ።
ሽዑ፡ ሩሲያ ንደቡባዊ ዞባ ክሬሚያ ክትጎብጥ እንከላ ነቶም ኣብ ምብራቕ ዝንቀሳቐሱ ተገንጸልቲ ሓይልታት ደጊፋ ዝኸፈተቶ ኲናት 14 ሽሕ ሰባት በሊዑ’ዩ።
ኣብ መወዳእታ 2021 ድማ፡ ሩሲያ ዋላ’ውን መጥቃዕቲ ኣይፍኑን እንተበለት ናብ ጥቓ ዶብ ዩክሬይን ኣሽሓት ወተሃደራት ክተውፍር ጀሚራ።
ድሕሪኡ እቲ ብ2015 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሚኒስክ ንጎኒ ብምግዳፍ ነተን ኣብ ትሕቲ እቶም ተነጸልቲ ዝነበራ ክልተ ክልላት ኣፍልጦ ሃገርነት ሂባ።
ሩሲያ ክሳብ ክንደይ ክትኸይድ ትኽእል?
ሩሲያ እቲ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመርጸ መንግስቲ ዩክሬይን ክተውድቕ ዕላማ ኣለዋ ድዩ ዝብል ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ግን ዩክሬይን ካብ ጭቆናን “ብናዛውያን ዝፍጸም ምጽናትን” ናጻ ከውጽኣ እየ ትብል።
ፕሬዝደንት ዩክሬይን ዜለንስኪ “እቲ ጸላኢ ንዓይ ቐዳማይ፣ ስድራይ ድማ ካልኣይ ዒላማ ገይሩ ኣሎ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ 2014’ውን ፕሬዝደንት ፑቲን ንክሬሚልን ክቆጻጸር እንከሎ “እቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብዙሕ በደል ዝፈጸሙ” ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦም’የ ብዝብል ናይ ሓሶት ተረኽ እዩ ጀሚሩዎ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሩሲያ ካብ ዩክሬይን እንታይ እያ ትደሊ ዝብል ኣይፍለጥን።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ሩሲያ ደጋፊኣ ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ዩክሬይን ክትትክእ ድልየት ኣለዋ ዝብል ወረ ነይሩ።
ሽዑ ሩሲያ ዘይረብሕ ዘረባ ክትብል ነጺጋቶ ነይራ።
ሓደ ዘይተረጋገጸ ጸብጻብ ስለያ ግን ሩሲያ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ክትኸፍላ እያ ይብል።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ቅድሚ ምጅማራ ኣስታት 200 ሽሕ ወተሃደራት ናብ ዶባር እታ ሃገር ኣጸጊዓ ነይራ፤ ሽዑ ኣብተን ብተገንጸልቲ ሓይልታት ተታሒዘን ዘለዋ ክልላት ሉሃንስክን ዶኔትስክን ትኹረት ገይራ ነይራ።
ነዘን ክልላት ኣፍልጦ ብምሃብ ፑቲን ድሕሪ ሕጂ እዘን ክልላት ኣካል ዩክሬይን ኣይኮነናን ኢሉ።
ሳዕቤን እዚ ወራር ኣብ ኤውሮጳ
ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሓንቲ ዓባይ ሃገር ዓለም ንጎረቤታ ሃገር ክትወርር እንከላ እዚ ፈላማይ ኮይኑ፡ ንዩክሬናውያንን ነቲ ዞባን ዘፍርሕ ኩነታት ፈጢሩ ኣሎ።
በቲ ጀርመን “ኲናት ፑቲን” ኢላ ዝጸውዓቶ ድሮ ኣማኢት ሞይቶም ኣለው። ንገለ መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ድማ ካብ 1940ታት ንድሓር ናይ ጸልማታት ሰዓታት ዘምጽአ ኲናት ኮይኑዎም ኣሎ።
ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳ ነጥቢ መቐይሮ ክብል ገሊጹዎ።
ስድራ ዕጡቓት ሓይልታት ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ እዚ ኲናት ዝጽበዮም ከበድቲ መዓልታት ኣለው።
ዩክሬናውያን ብኲናት ውክልና ሩሲያ ንሸሞንተ ዓመታት ተሳቕዮም’ዮም። ሰራዊት እታ ሃገር ድማ ሕጂ ካብ 18 ክሳብ 60 ዓመት ዘለው ኩሎም ናብቲ ሰራዊት ክጽንበሩ ጸዊዑ።
ላዕለዋይ በዓል መዚ ሰራዊት ኣመሪካ ማርክ ሚለይ ሩስያ ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝነብሩሎም ከተማታት መጥቃዕቲ ትፍጽም ብምህላዋ “ኣዝዩ ዘፍርሕ” ክስተት ክፍጠር’ዩ ክብል ተዛሪቡ።
እዚ ኲናት ሩስያውያ’ውን ዝተጸበዩዎ ኣይነበረን። ብሰንኪ እዚ ኲናት ሓሙሽተ ጎረባብቲ ሃገራት ዩክሬይንን ሩስያን ብዝሒ ዘለዎም ተመዛበልቲ ስደተኛታት የአንግዳ ኣለዋ።
ኤጀንሲ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህጻናት ክመዛበሉ ከም ዝኽእሉ ይግምት።
ፖላንድ፣ ሞልዶቪያ፣ ስሎቫኪያን ሃንጋሪን ብብዝሒ ሰባት ዝስደዱለን ዘለዋ ሃገራት እየን።
ሃገራት ምዕራብ እንታይ ክገብራ ይኽእላ?
ኔቶ ናብ ዩክሬይን ሰራዊት ናይ ምልኣኽ መደብ ከም ዘይብሉ ገሊጹ’ዩ። ኣብ ክንድኡ ኣማኸርቲ፣ ኣጽዋርን ተንቀሳቐስቲ ሆስፒታላትን ሓገዝ ክገብር ሓቲቱ።
ይኹን’ምበር ናብ ሃገራት ባልቲክን ፖላንድን ኣሽሓት ሰራዊት ኣውፊሩ ኣሎ። እዚ ንፈለማ እዋን ዝተዋፈረ ንጡፍ ሰራዊት እዩ።
ኔቶ ናበይ ምዃኖም እኳ ግልጺ እንተዘይገበረ ናብ ሮማኒያ፣ ቡልጋሪያ፣ ሃንጋሪን ስሎቫኪያን’ውን ሰራዊት ክሰድድ ይኽእል እዩ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ቑጠባን ትካላት ፋይናንስን ሩስያ ዘነጻጸረ ስጉምታት ይወስዳ ኣለዋ።
- ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ብሪጣኒያን ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ፑቲንን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሰርገይ ላቭሮቭን እገዳ ገይረን፡፡
- ጀርመን እቲ ዝዓበየ ወፍሪ ሩሲያን ኩባኒያታት ኤውሮጳን ዝኾነ መስመር መተሓላለፊ ነዳዲ ኖርድ ስትሪም 2 ጠጠው ኣቢላቶ ኣላ፡፡
- ብተወሳኺ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ሩሲያ ካብ ዓለምለኻዊ መተሓላለፊ ገንዘብ ስዊፍት ክእግድኣ ተሰማሚዐን፡፡
- ብሪጣኒያ ብወገና ሃፍቲ ኩሎም ቀንዲ ባንኪታት ሩሲያ ክድስክሉ እዮም ክትብል እንከላ፡ እዚ ን100 ውልቀሰባትን ትካላትን ዒላማ ዝገበረ እዩ። መገዲ ኣየር ሩሲያ እውን ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከይዓርፍ ተኸልኪሉ።
- ኣመሪካ ድማ ን10 ዓበይቲ ትካላት ፋይናንስ እታ ሃገር ዘነጻጸረ ስጉምቲ ትወስድ
- ከተማ ሩስያ ዝኾነት ሴንት ፒተርስበርግ ናይዚ ዓመት ናይ መወዳእታ ጸወታታት ሊግ ቻምፒዮንስ ኣይክተአንግድን
ፑቲን እንታይ’ዩ ዝደሊ?
ፑቲን፡ ብኸፊል ኔቶ ብአንፈት ምብራቕ ዘርኣዮ ምስፍሕፋሕ ነቲ መጥቃዕቲ ክወስድ ከም ዝገበሮ ይገልጽ።
ቅድሚኡ ሩስያ “ካብዚ ንላዕሊ ክተንሳሕብ ቦታ የብላን፤ ስቕ ኢልና ከፍ እንብል ድዩ መሲሉዎም?” ኢሉ ነይሩ።
ዩክሬይን ድማ ናብቲ ልፍንቲ ብዙሓት ሃገራት ዝኾነ ኔቶ እትጽንበረሉ ቑርጽ ዝበለ መዓልቲ ክንገራ ትደሊ፤ ምኽትል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ርያብኮቭ “ንዓና ብዝኾነ ተኣምር ዩክሬይን ኣባል ኔቶ ከይትኸውን ምግባር ኣገዳሲ’ዩ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፑቲን ዩክሬናውያን “ኣካል ሓንቲ ሃገር” እዮም ዝብል ነዊሕ ጽሑፍ ጽሒፉ ነይሩ። እቲ ብታሕሳስ 1991 ዘጋጠመ ምፍራስ ሶቭየት ሕብረት ክኣ “ምብትታን ታሪኻዊት ሩስያ” ክብል ገሊጹዎ።
እታ ሕጂ ዘላ ዩክሬይን ብኮሚኒስት ሩስያ ዝተፈጥረት ሕጂ ድማ ብምዕራብ እትዝወር ኵርኵር ሃገር ክብል ይጽውዓ።
ፑቲን ብተወሳኺ ዩክሬይን ናብ ኔቶ እንተተጸንቢራ እቲ ጥምረት ንክሬሚያ ክሕዛ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።
እቲ ቃል ኪዳን’ውን ናብቲ ቅድሚ 1997 ዝነበሩ ዶባት ክምለስ ትጠልብ።
ፑቲን፡ ኔቶ ሓይልታቱን ትሕተ ቕርጺ ሰራዊቱን ካብተን ካብ 1997 ጀሚሩ ዝተጸንበራ ሃገራት ከውጽእ ኣለዎ እንትብል ኣብ ጥቓ ዶባት ሩስያ’ውን ኣጽዋራት ከቐምጥ የብሉን ይብል።
እዚ ማለት ማእከላይ ኤውሮጳ፣ ምብራቕ ኤውሮጳን ሃገራት ባልቲክን እዩ።
ኔቶ እንታይ ኢሉ?
ኔቶ፡ ሓደሽቲ ናብቲ ቃል ኪዳን ክጽንበራ ንዝደልያ ሃገራት በሩ ርሑው ከም ዝኾነ ይገልጽ፤ እተን 30 ኣባል ሃገራት ድማ ዘይልወጣ ምዃነን ይሕብር።
ቻንስለር ጀርመን ከም ዝበሎ ዩክሬይን ንነዊሕ እዋን ኣባል ናይ ምግባር መደብ የለን።
እንተኾነ ዝኾነት ኣባል ኔቶ ሃገር ኣባልነታ ክትገድፍ ምጽባይ ዘይሕሰብ እዩ።
ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ኣሎ’ዶ?
ክታብ ሕጂ የለን። ዩክሬይን ዘተ ክካየድ እኳ እንተጸውዐት ሩስያ ግን ኪየቭ ኢዳ ንክትህብን ዕጥቂ ክትፈትሕን እንተተሰማሚዓ ጥራይ ንዘተ ቅርብቲ ከም እትኸውን ገሊጻ።
እዚ ኽኣ ፈጺሙ ኣይኸውንን።
ብተወሳኺ እቲ ድሕሪ ሕጂ ክመጽእ ዝኽእል ስምምዕ ንክልላት ምብራቕ ዩክሬይን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







