ቅልውላው ዩክሬይን፡ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበረ ወራር ሩሲያ

መጻምዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ኪየቭ፡ ሩሲያ ኲናት ካብ እትጅምር ኣትሒዙ ብሚሳይል ትድብደብ ነይራ።

እንተኾነ ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ እያ ዘላ።

እቲ ፕረዚደንት ዜጋታቱ ኣብ ኪቭ ምስ ወተሃደራት ሩሲያ ከም ዝተዋግኡ ክገልጽ እንከሎ ኣብ ደቡብን ሰሜን ምብራቕን እታ ሃገር’ውን ውግእ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

“እቶም ወረርቲ ንማእኸል ሃገርና ክዓግቱዋ ደልዮም” ኢሉ።

ወተሃደራት ሩሲያ እናተጸግዑ ብዝመጽኡ ቑጽሪ ግን ነበርቲ ኪቭ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ መምርሒ ተዋሂቡዎም እዩ።

ብሰንኪ እቲ ወራር ክሳብ ሕጂ 198 ሰባት ክሞቱ እንከለው ኣብ ዝሓለፉ 48 ሰዓታት ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ካብታ ሃገር ከም ዝወጽኡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ዩክሬይን 137 ሰላማውያን ሰባትን ወተሃደራትን ተቐቲሎም ኢላ፤ ሩሲያ ግን ብወገና ዝበጽሓ ኪሳራ ኣይሓበረትን።

Short presentational grey line

ሃገራት ምዕራብ ባንክታት ሩሲያ ካብ ስዊፍት ክእግዳ’የን

እዚ ሓድሽ ፋይናንሳዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ክውሰድ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ኣዝዩ ከቢድ እገዳ እዩ።

ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ከምኡ’ውን መላፍንቶም ብርክት ዝበሉ ባንክታት ሩሲያ ካብቲ ዓለምለኻዊ ናይ ክፍሊት ስርዓት ‘ስዊፍት’ ክእገዱ ተሰማሚዖም።

ሩሲያ ብፍላይ ነዳዲ ሰደድ ብምግባር እትረኽቦ እቶት ብዓብይኡ ኣብ ስዊፍት ጽግዕተኛ እዩ።

ተንተንቲ ድማ እቲ ስጉምቲ ንቑጠባ እታ ሃገር ኣዐርዩ ክሃስዮ ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ማእከላይ ባንኪ ሩሲያ’ውን ክእገድ’ዩ፤ እዚ ክሬሚልን ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዘለዋ ገንዘብ ንከይትጥቀም ዝግድባ ክኸውን እዩ።

እተን ሃገራት ኣብ ዘውጽአኦ ሓበራዊ መግለጺ እዞም ስጉምታት “ብተወሳኺ ሩሲያ ካብ ዓለምለኻዊ ስርዓት ፋይናንስ ክንጽሉዋ’ዮም” ኢለን።

Short presentational grey line

ኣብራሞቪችቼልሲ

ሩሲያዊ ወናኒ ቼልሲ ሮማን ኣብራሞቪች ሓደ ካብ ሩሲያውያን ሃፋትም ኮይኑ ንፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ቐረባ ከም ዝኾነ ይዝረብ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብርክት ዝበላ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ፑቲን እገዳታት ኣንቢረን እየን።

መንግስቲ ብሪጣኒያ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዝወስዶም ዘለው ስጉምታት መሰረት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኣብራሞቪች’ውን እገዳ ክግበር ድዩ ዝብል ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።

እንተኾነ ንሱ “ኣብ ፋውንዴሽን ምግባረ ሰናይ ቼልሲ ዝነበሮ ውክልና ሞግዚትነት” የቋርጽ ምህላው ተዛሪቡ።

ፈረንሳ ድማ ሓደሽቲ መካይን ጽዒና ካብ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ፈረንሳ ዝኾነት ሩዋን ናብ ሴንት ፒተርስበርግ ትጉዓዝ ዝነበረት ባንዴራ ሩሲያ ተውለብልብ ዝነበረት መርከብ ባልቲክ ሊደር ኾሊፋ ኣብ ቀይዲ ኣውዒላታ።

ኣብራሞቪች ካብ 2003 ጀሚሩ'ዩ ወናኒ ቼልሲ ኯይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብራሞቪች ካብ 2003 ጀሚሩ'ዩ ወናኒ ቼልሲ ኯይኑ
Short presentational grey line

ናይ 24 ሰዓታት ሪጋ

ኣብ ዶብ ሞልዶቫንን ዶባት ካልኦት ኣርባዕተ ጎረባብቲ ሃገራትን ዩክሬይን፡ ኣዴታትን እኖ ሓጎታትን ደቀን ናብ ዘይፈልጥኦም ቦታታት ሒዘን ይወጽኣ ኣለዋ።

ደቂ ተባዕትዮ ክጽንበሩወን ስለ ዘይተፈቕደ በይነን እየን ዝጉዓዛ ዘለዋ።

ኣና ሓንቲ ካብቶም ብሸነኽ ዶብ ዩክሬይን ንልዕሊ 24 ሰዓታት መኪና ሒዞም ሪጋ ዝተጸበዩ ሰባት እያ።

ንሳን ጓል ሽዱሽተ ዓመት ህጻንን ሒዛ ዝወጽአት ኮይና እናነብዐት ብኸመይ ሰብኣያ ንዓዱ ክከላኸል ንድሕሪት ገዲፋቶ ከም ዝወጽአት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ናብ ሞልዶቫ ክኣትው ዝጽበዩ ዘለው ዩክሬናውያን
Short presentational grey line

ኣብ ትሕቲ ዕጽዋ ዘሎ መራሒ

እቲ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ውጥጥ ዳዊትን ጎሊያድን ክኸውን ይኽእል።

ይኹን’ምበር እዚ ኲናት ፕሬዝደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዜለንስኪ ማእኸል ኣቓልቦ ዓለም ክኸውን ገይሩ ኣሎ።

ዜሌንስኪ፡ ፖለቲካ ኣብ ስነ ጥበብ ብምውሳእ ጀሚሩዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ኮሜዲያን ስለ ዝነበረ።

ግን ድማ ሕጂ ብግሃድ ሃገሩ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ሩሲያን ርእሰ ከተምኡ ድማ ኣብ ዕጽዋ ወዲቐን ኣለዋ።

ከምቲ መራሒ ዩክሬን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ መን'ዩ? ኣብ ዝብል ሓጺር ታሪኽ ህይወቱ ተገሊጹ ዘሎ ግን እቲ ፕሬዝደንት ካብ ሃገረይ ኣይወጽእን ኢሉ ሃገሩ ንዘጋጠማ ወራር ክምክት ይጽዕር ኣሎ።

መግለጺ ቪድዮ, ንዩክረናውያን ዘሰምበደ መጥቃዕቲ ሚሳይል