ቭላድሚር ፑቲን፡ ንመን እዩ ዝሰምዕ? ምስ መን'ከ ይመክር?

ቭላድሚርፑቲን፡ ንመን እዩ ዝሰምዕ? ምስ መን'ከ ይመክር?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቭላድሚርፑቲን፡ ንመን እዩ ዝሰምዕ? ምስ መን'ከ ይመክር?

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንቲ፡ ኣብ ሩስያን ዩክሬንን ጥራይ ከይተሓጽረ ንመላእ ዓለም ከናውጽ ዝኽእል ሓደገኛ ውሳነታት ክወስድ ተራእዩ።

ፑቲን፡ ነዞም ውሳነታት ቅድሚ ምውሳዱ ግን ምስ መን መኺሩ ይኸውን? ከምቲ ተንተንቲ ዝእምትዎ፡ እዚ ወተሃደራዊ ቃነ ሞስኮ፡ በቲ ብምኒስተራትን ሓለፍቲ ጸጥታን ዝቘመ ‘ሲሎቪክ’ ዝበሃል ጕጅለ ዝተደረኸ'ዶ ይኸውን?

ሩስያ፡ ሕሉፍ-ፕረዚደንታዊ ሪፑብሊክ ዘለዋ፣ በዚ መሰረት ድማ ፕረዚደንታ፡ ቭላድሚር ፑቲን፡ ዓበይቲ ውሳነታት እታ ሃገር ብውልቁ ንኽወስድ ዘኽእሎ ስልጣን ዝበሓተላ ምዃና ክትግለጽ ይከኣል።

እንተዀነ ፑቲን፡ እዚ ዝኣክል ሰፊሕ ስልጣን ይሃልዎ እምበር፡ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለው፡ ብፍላይ ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ብጾቱ ኰይኖም ምስኡ ዝሰርሑን ዝኣምኖምን ሰባት ከም ዘማኽር እዩ ዝፍለጥ።

ኣብዚ መዳይ፡ ኣብ ትካላት ጸጥታ ብዝነበሩን ዝተመኰሩን፡ እሞ ኸኣ ተሰማዕነት ብዘለዎምን ሰበስልጣናት ዝቘመ ሓደ ጕጅለ’ሎ።

ኣብ ሩስያ፡ ብ ‘ሲሎቪክ’ ዝፍለጥ ሓያለ ትካላት ጸጥታን ምኽባር ሕግን ኣሎ። ፑቲን ንባዕሉ፡ ኣብቲ ብ ‘ኬጂቢ’ [KGB] ዝፍለጥ ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ‘ኤፍኤስቢ’ [FSB] ዝተሰምየ ሓደ ካብዞም ትካላት ጸጥታ እዩ ስርሑ ጀሚሩ።

ጽልዋ፡ ‘ሲሎቪክ’ እምበኣር፡ ፑቲን ስልጣን ፕረዚደንትነት ድሕሪ ምሓዙ’ውን እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ።

እቶም ሓሙሽተ ላዕለዎት

ወሰንቲ ዝዀኑ ውሽጣውን ግዳማውን ፖሊሲታት ሩስያ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ እዮም ዝውሰኑ።

እዚ ቤት ምኽሪ፡ ነቶም ላዕለዎት ኣባላት ሽማግለ ‘ሲሎቪክ’፣ ማለት፡ ሓላፊ ጸጥታ [ኤፍኤስቢ]፡ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ሓላፊ ጸጥታ ወጻኢ፡ ምኒስተራት ምክልኻልን ጕዳያት ወጻእን፡ ቀዳማይ ምኒስተርን ኣፈኛታት ፓርላማን፣ ብሓፈሻ 30 ኣባላት ዝሓቘፈ እዩ።

እዚ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበሩ ቭላድሚር ፑቲን ኰይኑ፡ ዋና ጸሓፊ ኒኮላይ ፓትሩሸቭ፡ ሓላፊ ጸጥታ ኣሌክሳንደር ቦርትኒኮቭን ሓላፊ ጸጥታ ወጻኢ ሰርገይ ናሪሽኪን፡ ካብ 1970ታት ኣትሒዞም፡ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ [ለኒንግራድ] ንዓሰርተታት ዓመታት ምስ ፑቲን ዝነበሩ እሙናት ብጾቱ እዮም።

ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሩስያ ኒኮላይ ፓትሩሸቭ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሩስያ ኒኮላይ ፓትሩሸቭ

ምስ ምኒስተር ምክልኻል፡ ሰርገይ ሾውጊ፡ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሰርገይ ላቭሮቭ ሓሙሽተኦም፡ ወሰንቲ ኣባላት’ቲ ቤት ምኽሪ እዮም። ፑቲን ነዞም ዝተጠቕሱ ሰባት ዝያዳ ከም ዘቕርቦምን፡ ኣብ ኣዝዩ ወሳኒ ፖሊሲታት ወጻኢ ሓሳቦም ከም ዝሰምዕን ከም ዘኽብርን ይግመት።

ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሩስያ ኒኮላይ ፓትሩሸቭ፡ ካብ ጕጅለ ፑቲን እቲ ቀንዲ ንኲናትን ጐነጽን ፊንፊን ዝብል ነገረኛ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ። ክልቲኦም ካብ ሰብዓታት ኣትሒዞም ኣብ ለኒንግራድ ኣባላት ኬጂቢ ነይሮም።

ኣብ 1999 ፓትሩሸቭ፡ ንፑቲን ተኪኡ ሓላፊ ጸጥታ ሩስያ ብምዃን ክሳብ 2008 ኣገልጊሉ። ንሱ ንፑቲን እቲ ዝቐረበ ሰብን፡ ምናልባት’ውን ካብ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ ከስምዖ ዝኽእል ንሱ ጥራይ ምዃኑ እዩ ዝግመት።

ምኒስተር ምክልኻል፡ ሰርገይ ሾውጊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ምክልኻል፡ ሰርገይ ሾውጊ

ምኒስተር ምክልኻል ሰርገይ ሾውጊ’ውን ቀረባ ዓርክን ኣማኻርን ፑቲን ምዃኑ ይንገር። ንሱ ኣብ ርእሲ መዝነት ምኒስተርነቱ፡ ነቲ ‘ጂኣርዩ’ [GRU] ዝበሃል፡ ኣብ 2018 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ‘ሰርገይ ስክሪፖል’ ንዝተባህለ ሰላይ ሩስያ ዝነበረ፣ ከምኡ’ውን ኣብ 2020 ኣብ ሰርቢያ ተቓዋሚ መንግስቲ ሩስያ ‘ኣሌክስ ናቫልኒ’ ብምስማም ዝኽሰስ ትካል ወተሃደራዊ ጸጥታ ሩስያ ዝመርሕ’ውን እዩ።

ገለ ምንጭታት ከም ዘረጋግጽዎ፡ ርክብ ፑቲንን ሾውጊን ኣብ 90ታት ዛሕቲሉ’ኳ እንተነበረ፡ ካብ 2000 ኣትሒዙ ግን እናዓሞቐ ከመጽእ ጸኒሑ። ብዙሕ ግዜ፡ ኣብ ግዜ በዓላት ሓቢሮም ናብ መበቈል ከባቢ ሸውጊ ዝዀነ ሳይበሪያ ክኸዱ ድማ ይረኣዩ።

ሓላፊ ጸጥታ ኣሌክሳንደር ቦርትኒኮቭ፡ ኣብ ስርሓት ጸረ-ስለያ ንዓሰርተታት ዓመት ዝተሞከረ ክኢላ እዩ። ፑቲን ከኣ ዝያዳ፡ ካብዚ ብ ቦርትኒኮቭ ዝምራሕ ትካል ዝቐርበሉ ስለያዊ ሓበሬታ ዝያዳ ካልኦት ትካላት ጸጥታኡ ከም ዝኣምኖ እዩ ዝግለጽ።

እዚ ብኤፍኤስቢ ዝጽዋዕ ትካል ጸጥታ ሩስያ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓይልታት ዘለውዎ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣኽበርቲ ሕጊ ዝዀና ምኒስትሪታት፣ ማለት ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያትን ጠቕላሊ ኣኽባሪ ሕግን ጽልዋ ኣለዎ።

ሓላፊ ጸጥታ ኣሌክሳንደር ቦርትኒኮቭ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ጸጥታ ኣሌክሳንደር ቦርትኒኮቭ

ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ፡ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ብመንጽር ምጽሕታር ነገር እንክርአ፡ ዘይከም ቦርትኒኮቭ ህድእ ዝበለ እዩ። ላቭሮቭ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ምኵራት ዲፕሎማት ሩስያ ኰይኑ፡ ነቲ ምኒስትሪ ካብ 2004 ኣትሒዙ ንዳርጋ 18 ዓመታት ክመርሖ ጸኒሑ’ሎ።

ሽሕ’ኳ ምስ ፑቲን ሓቢሩ ዝተማህረ ወይ ኣብ ትካላት ጸጥታ ዝሰርሐ እንተዘይነበረ፡ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ላቭሮቭ ልዑል ኣኽብሮት ኣለዎ። ንሱ፡ ካብቲ ውሽጣዊ ዓንኬል ዕርክነትን መሳርሕቲ ነበርን ኣይዅን እምበር፡ ነዚ ክብሪ’ዚ ዝተጐናጸፈ ብዘለዎ ልዑል ሞያዊ ክእለት፡ ጸዓተኛነትን፡ ጕድለት ኣልቦነትን ምዃኑ ይእመነሉ።

ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ፡ ሰርገይ ላቭሮቭ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ፡ ሰርገይ ላቭሮቭ

ሓላፊ ጸጥታ ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ናርይሽኪን ብወገኑ፡ ልክዕ ከምቶም ካልኦት [ቦርትኒኮቭን ፓትሩሸቭን] ምስ ፑቲን ኣብ ትካል ጸጥታ ዝሰርሐ እዩ።

ሓላፊ ስለያ ይዅን እምበር ብዙሕ ግዜ ንህዝቢ ቅሉዕ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ምስ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና፡ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ስቲቭ ሮዘንበርግ ከይተረፈ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ እዩ።

እቶም ብወልቂ ንናርይሽኪን ዝፈልጡ፡ ንሱ ንፑቲን እሙን፣ ብባህሪኡ ኸኣ ትእዛዝ ዘኽብር ብባህሪኡ ወተሃደር ዓይነት ምዃኑ ይገልጽዎ።

ኣብ ጸጥታ ዝነበሮ ድሕረባይታ፡ ብልሕን ሞያዊ ክእለትን፡ ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬል ፑቲን ንኽኣቱን፡ በቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ጸጥታ ወጻኢ ዝቐርብ ስለያዊ ሓበሬታ፡ ኣብ ቅድሚ ፑቲን ተኣማኒ ክኸውንን ኣኽኢልዎ እዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ መንበረ-ስልጣን ‘ቲ ወሳኒ ሓይሊ

ዛዕባ “ወግዓዊ ኣፍልጦ ምሃብ” ነተን ሕቶ ምንጻል ዘልዓላ ሪፑብሊካት ምብራቕ ዩክሬን ኣማእኪሉ ዝዘተየ ዳሕረዋይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ንዲናሚክነቱ ዘግሃደ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

ወኪል ቢቢሲ ምብራቕ ኤውሮጳ ሳራ ረይንስፎርድ፡ “እቲ ኣኼባ ነፍስወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ብጽሒትን ተራን ዘለዎ ልክዕ ከም ሓደ ቲያትር እዩ፡” ክትብል ትገልጾ።

“እቶም ዝለዓሉ ሰብ መዚ ሩስያ፡ ኣብ ፍርቂ-ክቢ ጠረጴዛ፡ ኣብ ቅድሚ ፑቲን፡ ጕራቌን መሲሎም ኰፍ ኢሎም፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ኣብ ማይክሮፎን እናቐረቡ፡ ነቲ ንሱ ክሰምዖ ዝደሊ ጥራይ ይነግርዎ ነይሮም፡” ክትብል ትውስኽ።

ካብ ማእከል ካርኒጊ - ሞስኮ ዝዀነ ኣሌክሳንደር ባኖቭ፡ ”እዚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ፡ ኣኼባ ደቂ ሓንቲ ጋንታ ከም ዘይኰነ ክርድኣና ይግባእ፣ ንሓድሕዶም ኣብ ግርጭት ተሸሚሞም ክህልው ይኽእሉ እዮም፡” ክብል ሓሳቡ ይህብ።

“እቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝብልዎ፡ መግለጺ ሓሳባቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብቲ ውሽጣዊ ዓንኬል ዝግበር ጸወታ ንዘይምኽሳር ምዃኑ’ውን ክፍለጥ ይግባእ።”

እቲ ኣኼባ፡ ፑቲን ኣብ ልዕሊ’ቶም ካልኦት ማዕረ ክንደይ ልዕልነት ተቘጻጺሩ ከም ዘሎ፣ ከመይ ኣቢሉ ብቓልዕ ከም ዝገንሖምን መስሓቄን ከም ዝገብሮምን ኣጕሊሑ ዘርኢ እዩ ነይሩ።

ሓላፊ ጸጥታ ወጻኢ ሰርገይ ናርይሽኪን፡ “ቅድሚ ነቲ ብተቓወምቲ ዩክሬን ዝተታሕዘ ከባቢታት ኣፍልጦ ምሃብና፡ ‘ንምዕራባውያን መሻርኽቲ፡ ካልእ ዕድል’ ክንህቦም ይሓይሽ፡” ኢሉ ምስ ተዛረበ፡ ብፑቲን ዝወረዶ ሓያል ዘለፋ፡ እቲ ዝነበሮም ብጻይነትን ቀረባ ዕርክነትን’ውን ከናግፎ ኣይከኣለን።

ርኡይ ዝነበረ ቍጥዐ ፑቲን፡ ናርይሽኪን፡ ነቲ ሓላፊ ጸጥታ ኣቐዲሙ ዝተሰማምዓሉ ጕዳይ ከይፈተወ ክድግፍ ኣገዲድዎ እዩ።

እቲ 30 ዝኣባላቱ ጽኑዕ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘካየዶ ወሳኒ ኣኼባ፡ ምኒስተር ምክልኻል ሸውጊን፡ ምኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ላቭሮቭን ሓላፊ ጸጥታ ቦርትኒኮቭን ጥራይ እዮም ነንኻልኣይ ግዜ ክዛረቡ ሓቲቶም።

ላቭሮቭ፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክቕጽል ክምሕጸን እንከሎ፣ ሽውጊን ቦርትኒኮቭን ግን ቶኽታኺ ብዝዀነ ቃና፡ ነቲ ደገፍ-ሩስያ ብዘለዎም ተገንጸልቲ ሓይልታት ዝተታሕዘ ምብራቓዊ ግዝኣት ዩክሬን ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ ዝብል ውሳነ ክጸቕጡ ተሰሚዖም።

እዚ ኣኼባ’ዚ ፍልይ ዘብሎ ካልእ ነጥቢ፡ ዘይከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብስቱር ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ፡ ኣብ ተሌቪዥን ከም ዝቃለሕ ምግባሩ እዩ። ሽሕ’ኳ ቀጥታ ፈነወ ተባሂሉ እንተ ተገልጸ፡ ኣቐዲሙ ተመሊኡ ዝተፈነወ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ይግመት።

ካልእ ምኽሪ

ፑቲን፡ ካብዚ ምስ ሓለፍቲ ጸጥታን ምኒስተር ጕዳያት ወጻእን ዘካይዶ ልዝብ፡ ምስ ካልኦት ዝተፈላለዩ ወሰንቲ ሰበስልጣን ኣብ ሩስያ ይዅን ወጻኢ ከም ዝዘራረብ እዩ ዝግለጽ።

ብማዕከናት ዜና ብተደጋጋሚ ዝጥቀስን፡ ብዛዕባ ልሂቃን ሩስያ ንነዊሕ ዓመታት ዘጽንዐን የቭጌኒ ሚንቸንኮ ዝተባህለ ተንታኒ ፖለቲካ፡ ነቲ ውሽጣዊ ዓንኬል ፑቲን “ፖሊትቢሮ [ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት] 2.0” ብምባል ምስቲ ኣብ ግዜ ሶቭየት ዝነበረ ኣወዳድባ የመሳስሎ።

ፑቲን ምስ ቢልዮነር ኣርከደይ ሮተንበርግ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዎ እዩ ዝንገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፑቲን ምስ ቢልዮነር ኣርከደይ ሮተንበርግ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዎ እዩ ዝንገር

ኣብ 2021 ኣብ ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ ሚንቸንኮ፡ ከንቲባ ከተማ ሞስኮ፡ ሰርገይ ሶብያኒን፡ ከምኡ’ውን ሓላፊ ‘ቲ ዝዓበየ ትካል ነዳዲ ታ ሃገር ዝዀነ ኢጎር ስኺን ካብቶም ንፑቲን ቅርበት ዘለዎም ሰባት ምዃኖም ይጠቅስ።

ቦሪስ ሮተንበርግን ኣርካዲ ሮተንበርግን ዝተባህሉ ቢልዮነራት ኣሕዋት’ውን፡ ንፑቲን መተዓብይቱን እሙናት ኣዕሩኽቱን እዮም። ክልቲኦም ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዓባይ ብሪጣንያ ዘሕለፈቶ ማዕቀብ ኣትዮም ኣለው። ፍሮብስ ዝተባህለ መጋዚን፡ ኣብ 2020 ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ሩስያ እቶም ዝሃብተሙ ስድራ ክብል ረቝሕዎም ኣሎ።