ሰራዊት ሩስያ ናብ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ዩክሬይን ኣትዮም

ሰብ መዚ ካልአይቲ ዓባይ ከተማ ዩክሬይን ዝኾነት ክሃርኪቭ መካይን ሩስያ ንመከላኸሊ ሓጹር ጥሒሰን ከም ዝኣተዋ ተዛሪቦም። ሓይልታት ሩሲያ ንቑልፊ ከተማ ካርኪቭ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ዋና ጎደናታት እታ ከተማ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለው ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝዝርግሑ ዘለው ቪድዮታት ድማ ሰራዊት ሩሲያ ናብታ ከተማ ከም ዝኣተወ የርእዩ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኵናት ዩክረይን ኣዋርሕ እንተዘይኮይኑ ድማ ዓመታት ክወስድ’ዩ- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ

    እቲ ኣብ ዩክረይን ቅድሚ ዓሰርተ ሓደ መዓልታት ዝተጀመረ ኵናት ኣዋርሕ እንተዘይኮይኑ ድማ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ዶሙኒክ ራብ ንስካይ ኒውስ ተዛሪቡ።

    መሓዙት ሃገራት ውድቀት ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ጋህዲ ንምግባር ስትራቴጂካዊ ሽርክና ክገብራ ከምዘለወን ድማ ኣስሚርሉ።

    ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ

    ምንጪ ስእሊ, PA Media

    መግለጺ ስእሊ, ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ
  2. እምቢ ንኵናት ዝበሉ ኣማኢት ሩስያውያን ተኣሲሮም- ‘ሞኒተርንግ ግሩፕ’

    ልዕሊ 600 ሰልፈኛታት ኣብ ዝተፈላለያ 21 ከተማታት ሩስያ ከምዝተኣሰሩ ‘ሞኒተሪንግ ግሩፕ’ ኣፍሊጡ።

    እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ዝኾነ ኣሌክሲ ናቫልኒይ ሩስያውያን ኣንጻር እቲ ኣብ ዩክረይን ዝተወልዐ ኵናት ከብቅዕ ተቓውሞ ከስምዑ ድሕሪ ምጽውዑ እዩ።

    ‘ሞኒተሪንግ ግሩፕ’ ንዘቤታውያን ሚድያ ኣጣቒሱ ከምዝጸብጸቦ ልዕሊ 200 ሰባት ኣብ ሳይበሪያዊት ከተማ ኖቮሲብሪስክ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

    ናቫልኒይ ኣብ ቀንዲ ከተማታት ሩስያ ሞስኮን ሰይንት ፒተርስበርግን ተቛውሞታት ክግበር ጸዊዑ ነይሩ።

    ንመንግስቲ ሩስያ ዝተቓወሙ ሰባት ምእሳር ዳርጋ ልሙድ ኮይኑ ከምዘሎ ዝተገለጸ ኮይኑ ኵናት ኣብ ዩክረይን ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ዛጊድ 8 ሽሕ ኣንጻር እቲ ኵናት ዝተሰለፉ ሰባት ከምዝተኣሰሩ ‘ሞኒተሪንግ ግሩፕ’ ኣፍሊጡ።

    እቲ ሎሚ ሰንበት ዝተገበረ ተቛውሞ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣንጻር ወራር ሩስያ ክካየድ ዝተጸውዐ ሰለማዊ ሰልፊ ስዒቡ እዩ።

    ኣብ ዩክረይን ዝተወልዐ ኵናት ከብቅዕ ተቛውሞታት ዘስምዑ ሩስያውያን

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዩክረይን ዝተወልዐ ኵናት ከብቅዕ ተቛውሞታት ዘስምዑ ሩስያውያን
  3. ኑክሌራዊ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ተኣዚዙ

    ደብዳብ ሚሳይላት

    ምንጪ ስእሊ, Zhitomir.info

    ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዲሚር ፑቲን ንኑክሌራዊ መከላኸሊ ሃገሩ ኣብ ተጠንቀቕ ክኸውን ኣዚዙ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሩስያ ኣብቲ ኣብ ዩክሬን ተካይዶ ዘላ ኲናት ሓይልታታ ናይ ሞትን መቑሰልትን ክሳራታት ከምዘጋጠሞም ተኣሚና።

    ሕብረት ኣውሮጳ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተፈላለዩ ቁጠባዊ እገዳታት ኣዊጁ።

    ሰበስልጣን ዩክሬን፡ ካብ ቤላሩስ ሚሳይላት ከምዝተወንጨፈ ገሊጾም ኣለዉ።

  4. ልዕሊ 200 ዩክሬናውያን ተቐቲሎም - ሰብ መዚ ዩክሬይን

    ኣብ ዩክሬይን ብመጥቃዕቲ ሩስያ ጉድኣት ዝበጽሖ ጉድኣት

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መንግስቲ ዩክሬይን ብሰንኪ ወራር ሩስያ ልዕሊ 210 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 1100 ከም ዝቖሰሉን ሓቢሮም።

    “ጸላኢ ብጭካነ መንበሪ ኣባይቲ፣ ሆስፒታላት፣ መውዐሊ ህጻናትን ኣብያተ ትምህርትን የዕኑ ኣሎ። ኣብ መሬት ዩክሬይን መሰል ምንባር ህጻናትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ይምንዝዕ ኣሎ” ክትብል ሓላፊት ሓባሲ ንብዓት ዩክሬይን ልዩድምያላ ዴንሶቫ ገሊጻ።

    ንሳ ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ኣብ ኪቭ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ብዝተፈጸመ ደብዳብ ሓደ ቖልዓ ከም ዝሞን ካብ ሩስያ ዝተተኮሰ ሚሳይል ንመንበሪ ህንጻ ሃሪሙ ብዘስዓቦ ጉድኣት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝሞተትን ብምጥቃስ ገለ ካብቶም ዝሞቱ ሰባት ህጻናት ከም ዝኾኑ ሓቢራ።

    ሩስያ “ነዞም ከበናት ከቢድ መቕጻዕቲ” ክወርዳ’ዩ ኢላ።

    “ዩክሬይን ነዚ ኹሉ ትዕዘብ’ያ ዘላ፤ ኣብ ሁግ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክኣ ከተቕርቦ እያ” ክትብል ተሓንያ።

  5. ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዩክሬይን ዝነበሮም ስራሕ ከወንዝፉዎ’ዮም

    ትካላት ውድብ ሕቡራትን መሓዙት ሰብኣዊ ረድኤትን ብምኽንያት እቲ ኣብ ዩክሬይን “እናኸፍአ ዝመጽእ ዘሎ ኩነታት ድሕነት” ኣብ ዩክሬይን ዝነበሮም ስራሕ የወንዝፉ ኣለው።

    እቲ ውድብን መሓዙቱ ዝኾኑ ትካላትን “እቲ ኩነታት ከፍቅድ እንከሎ” ናብ ስርሖም ከም ዝምለሱን ኣብታ ሃገር ዝህቡዎ ኣገልግሎት ከም ዝቕጽሉን ሓቢሮም።

    ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቼልሲ’ውን እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት “ዘፍርሕን ኣዕናውን” እዩ ክትብል ገሊጻቶ።

    መግለጺ እታ ጋንታ፡ “ሕልናና ምስ ኩሉ ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ሰብ’ዩ። ኩሉ ኣባል እታ ግንታ’ውን ንሰላም ይጽሊ ኣሎ” ይብል።

    ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ወናኒ ጋንታ ቼልሲ ሩስያዊ ሮማን ኢብራሞቪች “ኣብ ፋውንዴሽን ምግባረ ሰናይ ቼልሲ ዝነበሮ ውክልና ሞግዚትነት” የቋርጽ ምህላው ተዛሪቡ ነይሩ።

    ኣብራሞቪች ሓደ ካብ ሩሲያውያን ሃፋትም ኮይኑ ንፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ቐረባ ከም ዝኾነ ይዝረብ።

    ፖለቲከኛታት ብሪጣኒያ ኣብ ልዕሊ እዚ በዓል ሃፍቲ እገዳ ክግበር ይሓቱ ኣለው።

  6. ሩስያ ስለምንታይ'ያ ንዩክሬይን ወሪራ?

  7. ንዩክሬይን ዘለወን ሓገዝ ዝገልጻ ዘለዋ ሃገራት

    ንዩክሬይን ዘለዎም ድጋፍ ዝገልጹ ሰልፈኛታት

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ግሪኽ ንዩክሬይን “ኣጽዋራት መከላኸሊ” ከምኡ’ውን ሰብኣዊ ረድኤት ክልእኽ’የ ኢላ።

    ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሎሚ ክልተ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ናብ ፖላንድ ከም ዝኸዳ ሓቢሩ።

    እንተኾነ እተን ነፈርቲ ብዛዕባ ዝሕዝኦ ዝርዝር ኣጽዋር ዝሕብር መረዳእታ የለን።

    ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ’ውን ሓደ ሽሕ ጸረ ታንክን 500 መከላኸሊ ሚሳይልን ናብ ዩክሬይን ክልእኽ እየ ኢሉ።

    ብሪጣኒያ ብወገና ቐረባት ኣጽዋር ንምሕጋዝ ቃል ካብ ሞንጎ ዝኣተዋ 25 ሃገራት ሓንቲ’ያ።

    ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ምስረታ “ንዩክሬይን ዝድግፍ ጠንካራ ጥምረት” ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ገሊጹ።

    “ሓገዝ ይበጽሓና ኣሎ፤ ኣጽዋር፣ መድሃኒት፣ መግቢ፣ ነዳድን ገንዘብን ንቕበል ኣለና” ኢሉ።

  8. ፕሬዝደንት ፑቲን ካብ ዓለምለኸ ፌደሬሽን ጁዶ ተኣጊዱ

    ፕሬዝደንት ፑቲን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ዓለምለኸ ፌደሬሽን ጁዶ ንፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ካብ ናይ ክብሪ ፕሬዝደንትነትን ኣምባሳደርነትን እቲ ፌደሬሽን ኣጊዱ።

    ፑቲን ጸሊም ቀበቶ ጁዶ ዘለዎ ኮይኑ እዚ ውሳነ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ዝተወስዱ “እገዳታት” ስፖርት ሓደ’ዩ።

    ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሶቺ ክካየድ መደብ ተታሒዙ ዝነበረ ፍርሙላ 1 ግራንድ ፕሪክስ ውድድር መኪና ሩስያ’ውን ተሰሪዙ ኣሎ።

    ብተወሳኺ እቲ ኣብ ሩስያ ከተማ ሴንት ፒተርስፐርግ ክካየድ መደብ ወጺኡሉ ዝነበረ ጸወታ ቻምፒዮንስ ሊግ 2022 ኣብ ፓሪስ ከም ዝካየድ ተገሊጹ።

  9. "ሰናይ ዕድል፤ ሰሰናዩ ንዓኩም" - ፕሬዝደንት ፑቲን

    ፕሬዝደንት ፑቲን

    ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency via Getty Images

    ፕሬዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክሬን ዝተዋህቦም “ወተሃደራዊ ልኡኽ ብዝለዓለ ጀግንነት ፈጺሞም’ዮም” ዝበሎም ሓይልታት እታ ሃገር ኣመስጊኑ።

    ኣብቲ ብቴሌቪዥን ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ፑቲን “ብሽም ህዝብን ዓባይ ሃገርናን” ብዝብል ምስጋንኡ ዘቕረበ ፑቲን ሰራዊት እታ ሃገር ንዝገብሩዎ ዘለው ኣገልግሎት ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

    ፑቲን ቅድሚ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ምፍጻሙ ኣፍልጦ ዝሃበን ክልላት ብምልዓል እቶም ወተሃደራት “ንህዝቢ ሪፐብሊክ ዶንባስ” ሓገዝ ክገብሩ ትእዛዝ ተዋሂቡዎም ነይሩ ኢሉ።

    “ሰራሕተኛታት ፍሉይ ሓይሊ ስርሒት፣ ኣዘዝቲ ፍሉይ ሓይሊ፣ ብሓፈሻ እቲ ሰራዊት ንቃልኩም ዘርኣኹምዎ ተኣማንነት ብሽም ህዝቢ ሩስያን ዓባይ ሃገርናን የመስግነኩም። ሰናይ ዕድል፣ ዓወትን ሰሰናዩን ንዓኹምን ንፈተውትኹምን” ኢሉ።

    እቲ መልእኽቲ ብምኽንያት እቲ ካብ 2017 ጀሚሩ ወትሩ 27 ለካቲት ዝኽበር መዓልቲ ፍሉይ ሓይሊ ሩስያ ምኽንያት ብምግባር ዘመሓላለፎ’ዩ።

  10. ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰል ክትሕደግ ሓቲቱ

    ባይቶ ሕቡራት ሃገራት

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ሩስያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰል ክትሕደግ ፕረዚደንት ዩክረይን ጸዊዑ፡፡

    ዘለንስኪ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትፍጽሞ ዘላ ተግባራት ገበን ናብ ‘‘ምጽናት ዓሌት’’ ይጽጋዕ ከም ዘሎ እውን ጠቒሱ፡፡

    ቅድም ክብል ሶብየት ሕብረት ሐዚ ድማ ሩስያ ካብ 1945 ጀሚሩ ካብተን ኣብ ዝኾነ ኣገዳሲ ውሳነታት ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰል (ቪቶ ፓወር) ዘለወን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓንቲ እያ፡፡

    ሩስያ ብዓርቢ ነዚ መሰላ ተጠቒማ፡ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወራር ሩስያ ብምኹናን ሰራዊታ ካብ ዩክረይን ንክትስሕብ ዘውጸኦ ውሳነ ውዱቕ ገይራቶ እያ፡፡

    ሃገራት ኣመሪካ፣ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ፈረንሳን ቻይናን እውን ኣባላት ናይቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጎነጺ ከይፍጠርን ሰላም ክሰፍንን ክሰርሕ ዝተጣየሸ ባይቶ ካልኦት ኣባላት እየን፡፡

  11. ወራር ሩስያ ከምዝተሓሰበሉ'ዶ ይኸይድ ኣሎ?

  12. መራሒ ዩክሬን፡ ቮሎድሚር ዜለንስኪ መን'ዩ?

    ፕሬዝደንት ዜለንስኪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንፈለማ ግዜ ኣብ ቴለቪዥን ዝተራእየሉ፡ ኣብ ሓደ ተኸታታሊ ፊልም ከም ፕረዚደንት ኰይኑ እናተዋስአ እዩ ነይሩ።

    ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ማእከላይ ክፋል ዩክሬን ኣብ እትርከብ ክሪቭየሪህ ኣብ ዝተባሃለት ከተማ ካብ ኣይሁዳውያን ስድራ ዝተወለደ ኰይኑ፡ ካብ ኪየቭ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ 'ናሽናል ኤኮኖሚክስ' ብዓውዲ ሕጊ ተመሪቝ። እንተዀነ ተውህቦኡ ኮሜዲ እዩ።

    ኣብ ሚያዝያ 2019 ግን ሓቀኛ ፕረዚደንት ናይታ 44 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ፣ ኣብዚ እዋን ምስ ሩስያ ኣብ ኲናት ገጢማ እትርከብን ሃገር ኰነ።

    ኣብቲ፡ 'ሰርቫንት ኦፍ ዘ ፒፕል' ዘርእስቱ ተኸታታሊ ፊልም፡ ዘለንስኪ፡ ዝለበሶ ገጸባህሪ ዛንታ ሓደ መምህር ኰይኑ፣ እቲ መምህር፡ ኣብ ሃገሩ ንዘሎ ብልሽውና ብምቅዋም ብቪድዮ ብዘመሓላለፎ መልእኽቲ ህቡብነት ዘጥሪ እዩ። ድሕሪ ቅሩብ ከኣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ይኸውን።

    ድሕሪ'ዚ ዩክሬናውያን፡ 'እሞ ነዚ ድራማ ደኣ ክውን ዘይንገብሮ?' ዝበሉ ይመስሉ።

    ቮሎድሚር ንፕረዚደንትነት ሃገሩ ክወዳደር ምስ ወሰነ፡ ኣርእስቲ ናይቲ ፊልም፣ 'ሰርቫንት ኦፍ ዘ ፒፕል' መጸውዒ ናይቲ ፖለቲካዊ ሰልፉ ገበሮ። ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ሰላም ከምጽእ ምዃኑ ድማ ቃል ኣትዩ።

  13. ፊንላንድን ኣይርላንድን በረራታት ሩስያ ከልኪለን

    ፊንላንድን ኣይርላንድን ክልል ኣየረን ንበረራታት ሩስያ ክዓጽዋ ምዃነን ኣፍሊጠን፡፡

    እንተኾነ እቲ ውሳነ ካብ መዓዝ ተፈጻሚ ከምዝኸውን ኣይገለጻን፡፡

    ፊንላንድ ምስ ሩስያ ብ 1300 ኪሜ ንውሓቱ ዶብ እትዋሰን ኮያና፡ ቀንዲ መገሻታት ምዕራባዊ ሩስያ ይዕጾ ኣሎ ማለት እዩ፡፡

    ከም ቡልጋርያ፣ ቼክ ሪፓብሊክ፣ ኢስቶንያ፣ ጀርመን፣ ፖላንድን ዩናይትድ ኪንግደምን ኣቐዲመን ተመሳሳሊ ውሳነ ዘሕለፋ ሃገራት እየን፡፡

    ሩስያ ብወገና ነፈርቲ ብዙሓት ሃገራት ብክልል ኣየራ ተወር ከይብላ ኣዚዛ ኣላ፡፡

    ካርታ

    ምንጪ ስእሊ, FlightRadar24

  14. ሩስያ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ከመይ ክተደልድል ክኢላ?

  15. ፑቲን እንታይ’ዩ ዝደሊ?

    ፕሬዝደንት ፑቲን ምስ ኣመሪካዊ መዘንኡ ጆ ባይደን እናዘተየ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ፑቲን፡ ብኸፊል ኔቶ ብአንፈት ምብራቕ ዘርኣዮ ምስፍሕፋሕ ነቲ መጥቃዕቲ ክወስድ ከም ዝገበሮ ይገልጽ።

    ቅድሚኡ ሩስያ “ካብዚ ንላዕሊ ክተንሳሕብ ቦታ የብላን፤ ስቕ ኢልና ከፍ እንብል ድዩ መሲሉዎም?” ኢሉ ነይሩ።

    ዩክሬይን ድማ ናብቲ ልፍንቲ ብዙሓት ሃገራት ዝኾነ ኔቶ እትጽንበረሉ ቑርጽ ዝበለ መዓልቲ ክንገራ ትደሊ፤ ምኽትል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ርያብኮቭ “ንዓና ብዝኾነ ተኣምር ዩክሬይን ኣባል ኔቶ ከይትኸውን ምግባር ኣገዳሲ’ዩ” ኢሉ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፑቲን ዩክሬናውያን “ኣካል ሓንቲ ሃገር” እዮም ዝብል ነዊሕ ጽሑፍ ጽሒፉ ነይሩ። እቲ ብታሕሳስ 1991 ዘጋጠመ ምፍራስ ሶቭየት ሕብረት ክኣ “ምብትታን ታሪኻዊት ሩስያ” ክብል ገሊጹዎ።

    እታ ሕጂ ዘላ ዩክሬይን ብኮሚኒስት ሩስያ ዝተፈጥረት ሕጂ ድማ ብምዕራብ እትዝወር ኵርኵር ሃገር ክብል ይጽውዓ።

    ፑቲን ብተወሳኺ ዩክሬይን ናብ ኔቶ እንተተጸንቢራ እቲ ጥምረት ንክሬሚያ ክሕዛ’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

    እቲ ቃል ኪዳን’ውን ናብቲ ቅድሚ 1997 ዝነበሩ ዶባት ክምለስ ትጠልብ።

    ፑቲን፡ ኔቶ ሓይልታቱን ትሕተ ቕርጺ ሰራዊቱን ካብተን ካብ 1997 ጀሚሩ ዝተጸንበራ ሃገራት ከውጽእ ኣለዎ እንትብል ኣብ ጥቓ ዶባት ሩስያ’ውን ኣጽዋራት ከቐምጥ የብሉን ይብል።

    እዚ ማለት ማእከላይ ኤውሮጳ፣ ምብራቕ ኤውሮጳን ሃገራት ባልቲክን እዩ።

  16. ". . . ኣብ ቤላሩስ ኣይንዘራረብን" - ፕሬዝደንት ዜለንስኪ

    ፕሬዝደንት ዜለንስኪ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሩስያ፡ ምስ ዩክሬይን ንምዝርራብ ከም እትደሊ ብዝመስል መልክዑ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ቤላሩስ ከም ዝሰደደት ገሊጻ።

    ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዜሌንስኪ ግን ሩስያ ካብ ግዝኣት ቤላሩስ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን መጥቃዕቲ እንተዘይትኸፍት ነይራ ኣብ ሚኒስክ ድርድር ምክያድ ይክኣል ነይሩ ክብል ነቲ ዝቐረበሉ ጻውዒት ነጺጉ።

    ኣብ ካልእ ከባቢታት ድርድር ንክካየድ ድልዊ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሩ።

    “ካብ ግዝአትኹም መጥቃዕቲ እንተዘይበጽሐና ነይሩ ኣብ ሚኒስክ ክንዘራረብ ንኽእል ነይርና።. . . ካልኦት ከተማታት ግን እንዘራረበሎም መድረኻት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም” ኢሉ።

    “ብርግጽ ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ፤ ክንራኸብ ንደሊ ኢና። እቲ ኲናት ከብቅዕ’ውን ንደሊ ኢና። ኣብ ዋርሶ፣ ብራቲስላቭ፣ ቡዳፔስት፣ ኢስታንቡል፣ ባኩ ዝመሳሰላ ከተማታት ምስ ሩስያ ንክንራኸብ ኣማራጺ ነቕርብ” ኢሉ።

    እቲ ፕሬዝደንት ወሲኹ ኣብ ልዕሌና ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ክፍጸም ግዝኣተን ኣሕሊፈን ኣብ ዘይሃባ ከተማታት ጥራሕ ኢና ክንዘራረብ ንኽእል ይብል።

    "በዚ መገዲ ጥራይ እዩ እቲ ድርድር ሓቃዊ ክኸውንን ኲናት ጠጠው ክብል ዝኽእልን” ክብል ተዛሪቡ።

  17. ሰለስተ መዓልቲ ዝገበረ ወራር ሩሲያ ኣብ ዩክሬይን ብሓጺር እንትግለጽ

  18. ሩስያ ስለ ምንታይ'ያ ንዩክሬይን ወሪራ?

    ሩሲያ፡ ብኣየር፣ ብባሕርን መሬትን ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ከቢድ መጥቃዕቲ ፈንያ።

    ሓይልታት እታ 44 ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር ድማ ኣብ ዙርያ ርእሰ ከተማ ኪቭ ዓሪዶም ኣንጻር ሰራዊት ሩስያ ይገጥሙ ኣለው።

    ንኣዋርሕ ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ንዩክሬይን ንምውራር ድልየት የብለይን ክብል እኳ እንተጸንሐ ኣሽሓት ሰራዊትን ኣጽዋራት ውግእን ግን ናብ ዶብ ሰሜን፣ ምብራቕን ደቡብን ዩክሬይን ኣጸጊዑ ጸኒሑ።

  19. ስለምንታይ ነበርቲ ተነጸልቲ ክልላት ዩክረይን ዓሊሎም?

  20. ኣብ ካርኪቭ ውግኣት ይካየዱ ኣለው - ጸብጻባት

    ዝፈረሰ ገዛ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ዝፈረሰ ገዛ

    ሓይልታት ሩሲያ ናብ ቑልፊ ከተማ ካርኪቭ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ዋና ጎደናታት እታ ከተማ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለው ጸብጻባት ሓቢሮም።

    ወተሃደራት ሩሲያ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ናብታ ከተማ ምእታዎም ሰብ መዚ ተዛሪቦም።

    ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝዝርግሑ ዘለው ቪድዮታት ድማ ሰራዊት ሩሲያ ናብታ ከተማ ከም ዝኣተወ የርእዩ።

    ኣብታ ከተማ ብውሑድ “ታይገር” ዝበሃላ መካይን ሩሲያ ብሓዊ ክቃጸላ ዘርእዩ ምስልታት ወጺኦም ኣለው።

    ቢቢሲ ክሳብ ሕጂ ንሓቃውነት እዞም ስእልታት ኣየረጋገጸን።

    ሰብ መዚ ካርኪቭ ግን ሎሚ ንጊሆ ነበርቲ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ኣጠንቂቐም።