ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ካብ ኮሜድያን ናብ መራሒ ሃገር

ቮሎድሚር ዘለንስኪ 12 ለካቲት 2022

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ሰላም ከስፍን ምዃኑ ብምምብጻዕ እዩ ኣብ ምርጫ ዝተዓወተ

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንፈለማ ግዜ ኣብ ቴለቪዥን ዝተራእየሉ፡ ኣብ ሓደ ተኸታታሊ ፊልም ከም ፕረዚደንት ኰይኑ እናተዋስአ እዩ ነይሩ።

ኣብ ሚያዝያ 2019 ግን ሓቀኛ ፕረዚደንት ናይታ 44 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ፣ ኣብዚ እዋን ምስ ሩስያ ኣብ ኲናት ገጢማ እትርከብን ሃገር ኰነ።

ኣብቲ፡ 'ሰርቫንት ኦፍ ዘ ፒፕል' ዘርእስቱ ተኸታታሊ ፊልም፡ ዘለንስኪ፡ ዝለበሶ ገጸባህሪ፡ ዛንታ ሓደ መምህር ኰይኑ፣ እቲ መምህር፡ ኣብ ሃገሩ ንዘሎ ብልሽውና ብምቅዋም ብቪድዮ ብዘመሓላለፎ መልእኽቲ ህቡብነት ዘጥሪ እዩ። ድሕሪ ቅሩብ ከኣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ይኸውን። ድሕሪ'ዚ ዩክሬናውያን፡ 'እሞ ነዚ ድራማ ደኣ ክውን ዘይንገብሮ?' ዝበሉ ዝመስሉ።

ቮሎድሚር ንፕረዚደንትነት ሃገሩ ክወዳደር ምስ ወሰነ፡ ኣርእስቲ ናይቲ ፊልም፣ 'ሰርቫንት ኦፍ ዘ ፒፕል' መጸውዒ ናይቲ ፖለቲካዊ ሰልፉ ገበሮ። ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ሰላም ከምጽእ ምዃኑ ድማ ቃል ኣተወ።

ኣብዚ እዋን ወተሃደራት ሩስያ ንዶብ ዩክሬን ጥሒሶም ርእሰ ከተማ ኪየቭ በጺሖም ኣለው። በዚ ከኣ ነታ ሃገር ምርግጋእ፣ ነቲ ሰራዊት ምውዳብን ብዓቢኡ ሓላፍነት ምድሓን ሃገርን ኣብ ዝባን እቲ ብዙሕ ፖለቲካዊ ተመኵሮ ዘይብሉ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ወዲቝ'ሎ።

እቲ ወዲ 44 ዓመት ፕረዚደንት፡ ኣብታ ሃገር ዓመጽ ከይለዓል ህዝቡ ኣብ ምርግጋእን በቲ ሓደ፣ ደገፍቱ ዝዀና ምዕራባውያን ሃገራት ብግብሪ ክሕግዝዎ ይምሕጸን ኣሎ።

ቮሎድሚር ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኮሜድያን ተዋሳኣይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ

ኮሜድያዊ ተውህቦ

ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ማእከላይ ክፋል ዩክሬን ኣብ እትርከብ ክሪቭየሪህ ኣብ ዝተባሃለት ከተማ ካብ ኣይሁዳውያን ስድራ ዝተወለደ ኰይኑ፡ ካብ ኪየቭ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ 'ናሽናል ኤኮኖሚክስ' ብዓውዲ ሕጊ ተመሪቝ። እንተዀነ ተውህቦኡ ኮሜዲ እዩ።

ብንእስነቱ ብቴለቪዥን ሩስያ ኣብ ዝካየድ ውድድራት ኮሜዲ ብብዝሒ ይሳተፍ ነይሩ። ኣብ 2003 ምስ ካልኣዩ 'ኪቫርታል 95' ዝተሰመየ መደባት ቴለቪዥን ዘፍሪ ዕውት ኩባንያ መስሪቱ። እቲ ኩባንያ ብቢልዮነር ኢሆር ኮሎሞይስኪ ንዝውነን መደበር ቴለቪዥን '1+1' ዝተፈላለየ መደባት የዳሉ ነይሩ።

ዘለንስኪ፡ ንፕረዚደንትነት ኣብ ዝተወዳደረሉ ዝነበረ እዋን፡ ኢሆር ኮሎሞይስኪ ቀንዲ ደጋፊኡ ምንባሩ ይግለጽ።

ክሳዕ መፋርቕ 2010ታት ከኣ ኣድህቦኡ ኣብዚ ሞያ ዝተሓጽረ ነይሩ።

ቮሎድሚር ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'ሰርቫንት ኦፍ ዘ ፒፕል'

ዘለንስኪ ናብ ፖለቲካ ክኣቱ ዝወሰነ፡ ኣብ 2014 ደጋፊ ሩስያ ዝነበረ ፕረዚደንት 'ታ ሃገር ቪክቶር ያኑኮቪች ንኣዋርሕ ብዝቐጸለ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ እዩ። ሩስያ፡ ከም ግብረመልሲ ናይዚ፡ ንክረምያ ተቘጻጺር ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ድሕሪ ምእታው፡ ነቶም ኣብ ምብራቕ ኰይኖም ካብ ዩክሬን ንኽንጸሉ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘልዓሉ ሓይልታት ክትድግፍ ጀሚራ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ጥቅምቲ 2015 እታ 'ኣገልጋሊ ህዝቢ' ዝትርጕማ ተኸታታሊት ፊልም 'ሰርቫንት ኦፍ ዘ ፒፕል' ኣብ መደበር ቴለቪዥን 1+1 ክትቐርብ እንከላ፡ ዘለንስኪ፡ 'ቫሲሊ ጐሎቦሮድኮ' ዝብል ገጸባህሪ ለቢሱ ተዋስአ። ብዙሓት ዩክሬናውያን'ውን፡ 'ከምዚ ዓይነት መራሒ እንድዩ ደኣ ዘድልየና ዘሎ፡' ክብሉ ባህጐም ኣስምዑ።

ቀጺሉ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ከኣ፡ ዘለንስኪ ፕረዚደንት ክኸውን ተመርጸ። ኣብ እዋን ምርጫ መወዳድርቱ ዝነበረ ፕረዚደንት ፔትሮ ፖሮሸንኮ፡ ዘለንስኪ 'ኣብ ፖለቲካ ተመኵሮ ከም ዘይብሉን ከምዘይምጥኖን' ብምግላጽ፡ ከነኣእሶ'ኳ እንተፈተነ፡ እቲ ውጽኢት ግን ከምኡ ኣይነበረን።

ዘለንስኪ፡ 73.2% ድምጺ ብምርካብ፡ ብ 20 ግንቦት 2019 መበል ሻድሻይ ፕረዚደንት ዩክሬን ኰይኑ ቃለ-መሓላ ፈጸመ።

ኵነታት ዞባ ዶንባስ

ዘለንስኪ፡ ነቲ ልዕሊ 14,000 ሰባት ዝቐተለ፡ ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ዝነበረ ግጭት መዕለቢ ንኽገብረሉ ብዝኣተዎ ቃል ክሰርሕ ጀመረ።

ብመሰረት 'ቲ ብ'ውዕል ሚንስክ' ዝፍለጥ፡ ጕዳይ ዞባ ዶንባስ ንምፍታሕ ኣብ 2014 ዝተኸተመ ውዕል፡ ክልቲአን ሃገራት ሓደ-ሓደ ሕድገታት ብምግባር ዘተ ክግበር፣ ምልውዋጥ እሱራትን ካልኦት ንሰላም ዘመቻችኡ ስጕምታት ክውሰዱን ተበግሶታት'ኳ እንተነበረ፡ ብዙሕ ግን ኣይቀጸለን።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሃገሩ ኣብ ዝተቘጻጸሮም ከባቢታት ንዝነብር ህዝቢ ፓስፖርት ሩስያ ከም ዝወሃቦ ብምግባር ንመስርሕ ዕርቂ ዕንቅፋት ኰነ።

ኣብ ሓምለ 2020 ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ'ኳ እንተ ተበጽሐ ሓሓሊፉ ኲናት ይርአ ነይሩ።

ዘለንስኪ ምስ ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዘለንስኪ ምስ ጆ ባይደን

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ዩክሬን ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረትን ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን (ኔቶ) ክትከውን ድልየት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ንፑቲን ኣመና ኣቘጥዖ።

ምዕራባውያን፡ ነቲ 'ዩክሬን ኣባል ኔቶ ክትከውን ክፍቀዳላ ኣይግባእን፡' ዝብል መርገጺ ሩስያ ዕሽሽ ብምባል፡ 'ሓደስቲ ኣባላት ክኣትዋ ኣለወን፡' ብምባል ወጥሪ እቲ ዞባ ክዓርግ ገበራ።

ሩስያ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ዩክሬን ብዛዕባ ዘካየደቶ ምስፋር ሰራዊት ክተብርህ እንከላ፡ ንጸጥታ ከም እትሰግእ ኣሚታ፣ ዩክሬን ኣባል ኔቶ እንተዀይና ኸኣ ዝለዓለ ስግኣት ክፍጠር ከም ዝኽእል ብምግላጽ ንኣባልነት ዩክሬን ብትሪ ነጺጋቶ።

ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ሩስያ፡ ንውሳነ ምጽናብር ዩክሬን ናብ ኔቶ ዝልውጦ እንተዀይኑ ዝተሓተተ ፕረዚደንት ቮሎድሚር፡ "ንኣይ እቲ ዝዓበየ ጕዳይ፡ ምርግጋጽ ህላወ ሃገረይ ጥራይ እዩ። ኔቶ፡ ዝዀነ ቃል ኣይከነን፣ ኔቶ ድሕነትካ እተረጋግጸሉ መገዲ እዩ፡" ኢሉ ኣባልነት ሃገሩ ምስ ህላወነት 'ታ ሃገር ከም ዝተኣሳሰር ኣስሚሩሉ።

እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ቅሉዕ ወራር ሩስያ ካብ ዝኽፈት ሳልሳይ መዓልቱ'ኳ እንተዀነ፡ ምዕራባውያን ኣባል ሃገራት ኔቶ ኣብ ልዕሊ ሩስያን መራሕታን ተሪር እገዳታት ካብ ምሕላፍ ዝሰግር፡ ንስለ ድሕነትን ህላወን ዩክሬን ኢሎም ዝወሰድዎ ስጕምቲ ዛጊት የለን።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ "ምዕራባውያን ነቲ ኵነታት ብርሑቕ ክዕዘብዎ ጥራይ ኣለው፡" ድሕሪ ምባል፡ "ሎሚ'ውን ከም ትማሊ ንሃገርና በይንና ንከላኸል ኣለና፡" ክብል ምዕራባውያን ንዩክሬን ድጋፍ ክህቡ ደጊሙ ሓቲቱ'ሎ።

ፕረዚደንት ዩክሬን፡ "ምስ ፕረዚደንት ፈደሬሽን ሩስያ፡ ብቴለፎን ክዘራረብ ፈቲነ ነይረ። እቲ ምላሽ ግን ስቕታ እዩ፡" ክብል፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት ምስ ፑቲን ንኽዘራረብ ዝገበሮ ፈተነ ከምዘይሰመረ ተዛሪቡ።

ሩስያ ኣስታት 200,000 ዝዀኑ ወተሃደራትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድሩዓት መካይንን ኣብ ዶብ ዩክሬን ከምዘለዋ'ውን ገሊጹ።

ዘለንስኪ፡ ብቋንቋ ሩስያ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ሩስያውያን ይታለሉ ከም ዘለው ጠቒሱ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ክቃወሙ ብስምዒት ተማሕጺኑ።