ወጥሪ ዩክሬይን፡ ሩስያ ሰራዊታ ናብ ምብራቕ ዩክሬይን ክጽግዑ ኣዚዛ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ካብ ዩክረይን ክግንጸሉ ብዝደልዩ ዓመጽቲ ንዝተትሓዛ ክልተ ክልላት ከም ነጻ ሃገር ኣፍልጦ ሂቡ፡፡
ንርእሳ ፒፕልስ ሪፐብሊክ ኦፍ ዶነስክ ኢላ እትጽውዕን ብሉሃንስክ እትፍለጥ ካልእ ክልልን ኣብ ትሕቲ እቶም ካብ 2014 ጀሚሮም ብሩስያ እናተሓገዙ ኣንጻር መንግስቲ ዩክረይን ዝዋግኡ ዕጡቓት እየን ዝርከባ፡፡
ሩስያ ድማ ወታሃደራታ ኣብተን ክልላት ‘‘ሰላም ናይ ምኽባር ስራሕቲ’’ ክሰርሑ ኣዚዛ ኣላ፡፡
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኮነ ኢላ ሉእላውነት ዩክረይን ትጥሕስ ኣላ ክብል ከሲሱ።
ንሱ ብቴሌቪዥን ንህዝቡ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ሃገሩ ሰላም ከምእትደልይ ብምግላጽ እንተኾነ ‘‘ኣይንፈርሕን’’ ኢሉ፡፡
ብተወሳኺ ሃገሩ ካብ መሓዙታ ‘‘ግልጽን ውጽኢታውን ሓገዝ ’’ ከም ዘድልያ ሓቢሩ፡፡
‘‘ኣብዚ እዋን ሓቀኛ መሓዛናን መላፍንትናን ከምኡ ድማ ንሩስያ ብቃላት ጥራሕ እናፈራረሐ ክቕጽል ዝደሊ መን ከም ዝኾነን ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ’’ ኢሉ፡፡
ሃገራት ምዕራብ ፑቲን ነተን ብተቓወምቲ ዝተትሓዛ ክልላት ኣፍልጦ ምሃቡ፡ ሰራዊት ሩስያ ብዕሊ ናብ ምብራቓዊ ዩክረይን ክኣትዉ መንገዲ ዝጸርግ እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩለን ኣሎ፡፡
ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ክልላት ዶነስክን ሉሃንስክን ንዝነብሩ ብዙሓት ሰባት ናይ ሩስያ ፓስፖርት ከም ዝተዓደሎም ዝተገለጸ ኮይኑ ሩስያ ዜጋታተይ ንምሕላው ብዝብል ሽፋን ሰራዊታ ክተእቱ ከምእትኽእል ምዕራባውያን ይሰግኡ፡፡
ድሕሪ እቲ ነተን ክልላት ዝሃቦ ኣፍልጦ ብሰኑይ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ኣብ ቴሌቪዥን ሩስያ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ዘመናዊት ዩክረይን ብሶቭየት ሕብረት እያ ‘‘ተፈጢራ’’ ብምባል ‘‘ ጥንታዊት መሬት ሩስያ’’ ክብል ገሊጹዋ፡፡
ብተወሳኺ ኣብ እዋን ምፍራስ ሶቭየት ሕብረት ሃገሩ ከም ዝተወረረት ዝለጸ ኮይኑ፡ ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ‘‘ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣመሪካ’’ ከም ዘላ ተዛሪቡ፡፡
ግብረ መልሲ ምዕራባውያንን ኣመሪካን
ኣመሪካ ንስጉምቲ ሩስያ ብቕጡፍ ዝኾነነት ኮይና፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን እውን ኣብተን ሩስያ ኣፍልጦ ዝሃበተን ክልላት ኣመሪካውያን ኢንቨስትመንት፣ ንግድን ፋይናንስን ከይገብሩ ዝእዝዝ መምርሒ ፈሪሙ ኣሎ፡፡
እቲ ስጉምቲ ካብቲ ሩስያ ንዩክረይን እንተወሪራታ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከንብረኦ ዝሓስበኦ ማዕቀብ ዝተፈለየ ከም ዝኾነ እውን ካብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝወጽአ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣኒያ ቦሪስ ጆንሰን ስጉምቲ ሩስያ ሉእላውነት ዩክረይንን ዓለም ለኻዊ ሕግን ዝጠሓሰ ክብል ኮኒንዎ፡፡
ኣውሮጳዊ ሕብረት ብተመሳሳሊ ኣብ ጎኒ ዩክረይን ብምዃን ግብረ መልሲ ከም ዝህብ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣወስትራልያ ስኮት ሞሪሰን እውን ነቲ ሰራዊት ሩስያ ሰላም ከኽብሩ ዝተዋህበ ትእዛዝ ተቐባልነት ዘይብሉ ክብል ነቒፉ፡፡
ቭላድሚር ፑቲን ነተን ተገንጸልቲ ክልላት ኣፍልጦ ምሃቡ ነቲ ምስ ዩክረይን ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድ እዩ፡፡
ኣብ ዶባት ዩክረይን ልዕሊ 150 ሽሕ ሰራዊት ዘሰለፈት ሩስያ ሐዚ እውን ናይ ምውራር ሓሳብ ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ፡፡
ኣመሪካ ግና ሩስያ ንክረይን ምውራራ ዘይተርፍ እዩ ትብል፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







