ዩክሬይን፡ 'ሩሲያ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኤውሮጳ ዓብዪ ኲናት ክትከፍት'ያ'

ሰራዊት ሩሲያ

ምንጪ ስእሊ, EPA / Russian Defence Ministry

ሩሲያ “ካብ 1945 ንድሓር ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ኲናት” ምትላማ መረዳእታታት ከም ዘመላኽቱ ቐዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ቦሪስ ጆንሰን ተዛሪቡ።

“ኩሎም ምልክታት ብዝተወሰነ መልክዑ እቲ መደብ ድሮ ከም ዝተጀመረ ዘርእዩ’ዮም” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሓበሬታታት ስለያ: ሩሲያ ንርእሰ ከተማ ዩክሬይን ዝኾነት ኬይቭ ንምኽባብ ወራር ክትጅምር ምዃና ከም ዘመላኽቱ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቡ።

“ሰባት ኣብ ልዕሊ ህይወት ደቂ ሰባት ክበጽሕ ዝኽእል ከቢድ ዋጋ ክግንዘቡ ይግባእ” ኢሉ።

መራሕቲ ዓለም ኣብ ዙርያ ድሕነት ንምዝርራብ ዘካይዱዎ ዓመታዊ ኣኼባ ኣብ ሙኒክ ይሳተፉ ኣለው።

መንግስቲ ኣመሪካ ሩሲያ ካብ 169 ሽሕ ክሳብ 190 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ከባቢ ዶባት ዩክሬይን ከምኡ’ውን ኣብ ሩሲያን ጎረቤት ቤላሩስን ከም ዘጸግዐት ክገልጽአ እንከሎ እዚ ቑጽሪ ነቶም ኣብ ምብራቕ ዩክሬይን ዝርከቡ ዓመጽቲ ዝሓውስ ምዃኑ ይሕብር።

ሰብ መዚ ሃገራት ምዕራብ ካብ ቀረባ ሳምንታት ጀሚሩ ሩሲያ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ንዩክሬይን ክትወራ ትኽእል እያ ዝብል መጠንቀቕታታት እኳ እንተውጽኡ ሩሲያ ግን እቶም ሰራዊታ ወተሃደራዊ ልምምድ እዮም ዘካይዱ ዘለው ብምባል ትነጽጎ።

ቦሪስ ጆንሰን ግን “እቲ እንሪኦ ዘለና መረዳእታ [ሩሲያ ወራር ክትፍጽም ከም እትኽእል] ዘርኢ ምዃኑ የስግኣኒ’ዩ። እቲ ሓቂ ኩሎም ምልክታት እቲ መደብ ብዝተወሰነ መልክዑ ከም ዝተጀመረ ዘርእዩ’ዮም” ኢሉ።

ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሓይልታት ሩሲያ ብምብራቕ ዩክሬይን ጥራይ ዘይኮነ ብቤላሩስን ኣብ ዙርያ ኬይቭ ብዝርከቡ ቦታታትን ክኣትው ምድላው ከም ዝገበሩ ዘመላኽቱ ሓበሬታታት ስለያ ንመራሕቲ ምዕራብ ከም ዝሓበሮም ጠቒሱ።

“እቲ እንርእዮ ዘለና መደብ ካብ 1945 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንድሓር እንርእዮ ዘለና ዝዓበየ ኲናት ምዃኑ የስግኣኒ” ክብል’ውን ቦሪስ ተዛሪቡ።

ስለ ዝኾነ ድማ ሰባት ሞት ዩክሬናውያን ጥራይ ዘይኮነ ህይወት “ሩሲያውያን መናእሰይ” እውን ከገድሶም ይግባእ ኢሉ።