'ቤትና እዚ እዩ'፡ ካብ ዩክረይን ክወጽኡ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ኣመሪካውያን

ምንጪ ስእሊ, Ukrinform
መንግስቲ ኣሜሪካ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ክትፍጽም ትዳሎ ከም ዘላ ብምግላጽ ዜጋታቱ ብህጹጽ ካብታ ሃገር ክወጹ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።
እንተኾነ ነዚ ጻውዒት ዘይተቐበልዎ ኣመሪካውያን ነበርቲ ዩክረይን ሒደት ኣይኮኑን።
ሩስያ ሰራዊታ ካብ ከባቢ ዶባት ዩክረይን ክተግዕዝ ከም ዝጀመረት እኳ እንተገለጸት፡ ሃገራት ምዕራብ እዚ ሓቂ ከምዘይኮነን ሩስያ ኣብ ዝኾነ እዋን ነቲ መጥቃዕቲ ክትፍጽሞ ከም እትኽእል ይሕብሩ።
ዋላ'ኳ መጠንቀቕታ ስለያዊ ምንጭታት ብመራኸቢ ብዙሓን እንተተዘርግሐ፡ ብዙሓት ነበርቲ ኪዪቭ ሩስያ ብምሉእ ዓቕማ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትኽእል እያ ንዝብል ጥርጣረታት ኣይቕበልዎን።
ኣብዚ እዋን ኣብ ጉጅለታት ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ወጻእተኛታት ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ኣብ 'ዩክረይን ክንጽንሕ ዶ ክንወጽእ?' ዝብል እዩ።
ቢቢሲ ኒውስ ዩክረይን ንሰብዋኒን፣ መምህራንን ወለንታውያንን ንዝርከብዎም ገለ ኣመሪካውያን ርእይቶኦም ሓቲቱ ኣሎ።
'ኣይክርዕድን እየ'
ኣብ ቦስተን ማሳቹሰትስ ዝተወለደ ሴን ኣልሜዳ ካብ 2014 ጀሚሩ ኣብ ኪዪቭ ርእሰማሉ ኣውፊሩ ይርከብ።
ዳይሬክተር ናይ ሓደ ሪል ኢስቴት ኩባንያ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ካብ ዩክረይን ክወጽእ ከም ዘይደሊ ይገልጽ።
"ኣብ እዋን ሰውራ መይዳን [ኣብ 2013 ን 2014 ዝተርኣየ ናብ ምእላይ ፕረዚደንት ቪክተር ያኑኮቪች ዘምርሐ] ኣይወጻኹን፤ ሩስያ ንክረምያ ምስ ወረረታ'ውን ኣይወጻኹን" ይብል።
"ባይደን ዝደለዮ ይበል፡ ኣነ ግና ኣይክርዕድን፡ ካብዛ ንነዊሕ እዋን ቤተይ ኮይና ዘላ ሃገር ኣይክወጽእን እየ።"
ሴን ነቲ መራኸቢ ብዙሓንን ዲፕሎማት ምዕራብን ሩስያ ወራር ክትፍጽም ምኻና ንዘቕርብዎ ሓበሬታ ኣይቕበሎን።
ብዘይካ'ዚ ብዛዕባ ምውጻእ ብዝምልከት ካብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝኾነ ሰብ ከም ዘይረኸቦ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Sean Almeida
'ቤተይ ኣብዚ እዩ'
ወተሃደራ ኣሜሪካ ነበር ዴቪድ ፕላስተር ኣብ ዩክረይን ዳርጋ 10 ዓመት ገይሩ።
ንሱ ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት እቲ ዝነብረሉ ከባቢ ንጡፍ ኮይኑ ፍሉጥ ከኣ እዩ።
ንወተሃደራት ዩክረይን ቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ምምሃርን ስልታዊ ሕክምናን ስልጠናታት ክህብ እንከሎ፤ ናብቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዝርከብ ግንባራት'ውን ክኸይድ ዕድል ረኺቡ እዩ።
ንምንታይ ካብ ሩስያ ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ከም ዘይፈርሕን ካብ ኪዪቭ ክወጽእ ከምዘይደልን ምስ ተሓተተ፡ ብሓጺሩ "ቤተይ ኣብዚ ስለ ዝኾነ" ክብል እዩ መሊሱ።

ምንጪ ስእሊ, David Plaster
'ክንዋጋእ ድልዋት ኢና'
ጀምስ ማርቲን ኣብ ኣዮዋ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ እዩ ተወሊዱ፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ሚሺጋን ድሕሪ ምምራቑ ኣብ ሞስኮ ኢንስቲትዩት ኦፍ ስቲል ኣጽኒዑ።
ጀምስ ናብ ክዪቭ ምስ ገዓዘ ከም መምህር ቋንቋ እንግሊዝን ተዋሳኣይን ክሰርሕ ጀሚሩ።
ሩስያ ወራር ክትፍጽም ምዃና ዝገልጽ ዜናታት ግና ንመደባቱ ኣየቀየሮን፤ በንጻሩ ደኣ ነቲ ብዋይትሃውስ ንዝተውሃበ ጻውዒት ምውጻእ ዕሽሽ ክብሎ እዩ መሪጹ።
"ካብ ዩክረይን ኣይወጽእን እየ፤ ግና እዚ ንባይደን ኮነ ነቲ መንግስቲ ኣየኽብሮን እየ ማለት ኣይኮነን" ክብል ንቢቢሲ ዩክረይን ተዛሪቡ።
ኒክላስ ዚኪ ኣብ ዩክረይን 18 ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ጸኒሑ። እንተኾነ ግና ናብ ኣሜሪካ ናይ ምምላስ ውጥን ከም ዘይብሉ ይገልጽ።
"ኣድላዪ እንተኾይኑ ክንዓጥቕ ድልዋት ኢና። እዚ ንብዙሓት ቤቶም እዩ። ምስእንሓብር ንሕይል ኢና። ኣብዚ ክጸንሕ ዝወሰንኩሉ ምኽንያት ንጹር እዩ! ቤተይ፣ ኣዕሩኽተይን ስድራቤተይን እዩ" ኢሉ።
ኣብ ሰራዊት ዩክረይን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተኣማመን ዝተሓተተ ኒኪላስ "ኣብ 2014 ካብ ዝነበርዎ ሕጂ ይሕሹ። ሓዪሎምን ሓቢሮምን ኣለው፤ ግና ብዙሕ ደም ክፈስስ እዩ ከቢድ እዩ።
"ሰላም ኢና ንደልይ፤ ክብሪ ንዩክረይን" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Niklas Theeke
'ቭላድሚር ኣይወርርን እየ ኢሉ እዩ'
ኣብ ድኒፕሮ እትቕመጥ ኣሊስያ ወራር የፍርሓ እኳ እንተኾነ ከም ዘይትግዕዝ ትገልጽ።
"ኣብ ዩክረይን ክጸንሕ ዝገብረኒ ምኽንያታት ብዙሕ እዩ። ሓደ ቭላድሚር [መራሒ ሩስያ] ወረር ኣይፍጽምን እየ ኢሉ እዩ፤ ስለዚ ንዘየሎ ነገር ክፈርሕ ኣይደልን። ካልኣይ ኣይተኸተብኩን። ሳልሳይ ሰብኣየይ ኣብ ሆስፒታል እዩ ዘሎ። ራብዓይ፡ እንተመጹ [ሩስያውያን] ከም ዘይቀትሉና እትስፎ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Alicia Day
ተሓላቒት መሰላት እንስሳ ዝኾነት ኣሊሳ፡ ነቶም ዘለውዋ ውልዶ ሓሰማን ምራኽን ክትጥንጥኖም ከም ዘይትኽእል ትዛረብ። ካብ ማሕረዲ ንምድሓን ከም ዝዓደገቶም ከኣ ትገልጽ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







