ሩስያ ንዩክሬይን እንተወሪራ ሃገራት ምዕራብ ክወስድኦ ዝኽእላ ስጉምቲ እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ክትፍጽም እትኽእለሉ “ንጹር ተኽእሎ” ከምዘሎ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣጠንቂቑ።
መንግስቲ ሩስያ ብወገኑ፡ ኣሜሪካ ንጠለባት ሃገሩ ምንጻጋ ስዒቡ እቲ ኩነታት ብሰላም ክፍታሕ ዝኽእለሉ ዕድል ከምዝጸበበ ይገልጽ።
ኣብዚ ቕነ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሩስያ ናብ ዶባት ዩክረይን ይጽግዑ ብምህላዎም፡ ወራር ክትፍጽም ከምዝእትኽእል ብምግማት ወጥሪ ዓሲሉ’ሎ።
ሩስያ ግን ነቲ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ትውጥን ምህላዋ ዝኸስስ ሓበሬታተት ትነጽጎ።
ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ሓሙስ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብቴሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ’ዩ እቲ ወራር ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ክፍጸም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ፕረዚደንት ባይደን፡ ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር እትፍጽመሉ ንጹር ተኽእሎ ከምዘሎ ምዝራቡ ወሃቢት ቃል ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ ኤሚሊ ሆርኔ ገሊጻ’ላ።
“ነዚ ብወግዒ እዩ ተዛሪብዎ ዘሎ፤ ንኣዋርሕ እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መጠንቀቕታ ክንህብ ጸኒሕና ኢና” ኢላ።
ባይደን ምስቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ “ሩስያ ንዩክረይን ክትወራ እንተኾይና ኣሜሪካ ምስ መሻርኽታን ፈተውታን ብምዃን ብዘየማትእ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊጹ” ይብል እቲ ካብ ቤተመንግስቲ ዝወጸአ መግለጺ።
ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለንስኪ ብዛዕባ እቲ ምስ ባይደን ዝገበሮ ዝርርብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዘሎ ኡነታት ንምህዳእ ዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪታት ብዝምልከት ዘቲና ኣለና። ኣብ መጻኢ ሓበራዊ ስጉምትታት ንምውሳድ’ውን ተሰማሚዕና” ኢሉ።
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር እንተፈጺማ ምዕራባውያን ሃገራት ክወስድኦ ዝኽእላ ስጉምቲ እንታይ ይመስል?
ማዕቐባት ኣብ ልዕሊ ሩስያን ፑቲንን
ምዕራባውያን ሓይልታት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ክትፍጽም እንተኾይና ዝተፈላለዩ ማዕቐባት ከንብሩላ ከምዝኽእሉ መጠንቀቕታትት ኣብ ምሃብ ይርከቡ።
እተን ምዕራባውያን ሓያላን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያን መራሒኣን ከንብርኦም ዝኽእሉ ማዕቐባት ብወግዒ’ኳ እንተዘይተፈለጡ፡ ተንተንቲ ግን ዝስዕቡ ማዕቐባት ክድንገጉ ከምዝኽእሉ ይገልጹ።
ገደባት ዝውውር ገንዘብ
ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክድንገጉ ዝኽእሉ ማዕቐባት እቲ ሓደ ንሞስኮ ካብቲ “ስዊፍት” ብዝብል ዝፍለጥ ስርዓት ዝውውር ገንዘብ ምእጋድ እዩ ዝኸውን።
ስዊፍት ልዕሊ 200 ሃገራት ዝጥቀማሉ ናይ ገንዘብ ዝውውር ስርዓት እዩ።
ሩስያ ካብዚ ስርዓት እንተተኣጊዳ፡ ባንክታታ ምስቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ባንክታት ናይ ገንዘብ ዝውውራት ከፈጽሙ ናብ ዘይክእሉሉ ደረጃ ኣትዮም ማለት’ዩ።
ኢራን ኣብ 2012 ተመሳሳሊ ማዕቐብ ተነቢሩላ ነይሩ። ሽዑ ብሰንኪ እቲ ማዕቐብ ካብ ዕዳጋ ነዳዲ ክትረኽቦ ዝግባእ ዝነበረ ገንዘብ ከይኣከበት ከምዝተረፈት ይግለጽ።
ገደብ ዶላር
ሩስያ ንዶላር ከም መተዓዳደጊ ከይትጥቀም ብመንግስቲ ኣሜሪካ ክትኽልከል ትኽእል’ያ። ዶላር ኣይትጥቀምን እንተተባሂላ ድማ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝርከቡ ባንክታት፡ ምስቶም ኣብ ሩስያ ዘለዉ ባንክታት ብዶላር ዝውውር እንተፈጺሞም መቕጻዕቲ’ዩ ዝጽበዮም።
በዚ ምኽንያት ከኣ ሩስያ ምስ ዓለም ዝህልዋ ናይ ምትዕድዳግ ዕድል ዝተገደበ ይኸውን። ሩስያ ናብ ዕዳጋ ዓለም እተቕርቦ ጋዝ መሸጣ ብዶላር ኣሜሪካ ዝፍጸም ብምዃኑ፡ ኣብ ቁጠብኣ ዝፍጠር ኣሉታዊ ጽልዋ ኣዝዩ ከቢድ ከምዝኸውን ይግመት።
እገዳ ባንክታት
ኣሜሪካ ንባንክታት ሩስያ ናብቲ ጸሊም መዝገብ እትብሎ ዝርዝር ክተስፍሮም ትኽእል’ያ። እዚ ማለት ከኣ ዝኾነ ይኹን ኣካል ምስ ባንክታት ሩስያ ርክብ ከይህልዎ ከም ምግባር ይቑጸር።
ኣብ ሩስያ’ውን ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት ከኸትል ይኽእል።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ባንክታት ሩስያ ክተንብሮ እትኽእል ገደብ ዘኸትሎ ጉድኣት ኣብታ ሃገር ጥራሕ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን። እኳ ደኣስ ገንዘቦም ኣብ ባንክታት ሩስያ ዘቐመጡ ሃብታማት’ውን ከምዝጽለዉ ምግማት ይከኣል።
ካብቶም ዝተጠቐሱ ገደባት ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ናብ ካልኦት ሃገራት ሰደድ እትገብሮም ነገራትን መሸጣ ጸዓትን እውን ማዕቐባት ክግበሩ ከምዝኽእሉ ተንተንቲ ይገልጹ።
ብተወሳኺ ድማ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፑቲንን ካልኦት ኣብ ዙርይኡ ዘለዉ ብጾቱን ማዕቐባት ክድንገጉ ይኽእሉ። ኣብ ልዕሊ ንብረቶም ከምኡ’ውን ዝገብርዎም መገሻታት እገዳ ክግበሩ ከምዝኽእሉ ይግመት።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







