ቅልውላው ካዛኪስታን፡ ኣመሪካ ወተሃደራት ሩስያ ናብታ ሃገር ምውፋሮም ነቒፋ

ምንጪ ስእሊ, Russian Defence Ministry
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መንግስቲ ካዛኪስታን በቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ምኽንያት ሩስያ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትገብረሉ ጻዊዒት ምቕራቡ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣእትይዎ።
ኣብ ካዛኪስታን ብሰንኪ ምኽባር ዋጋ ነዳዲ ተቓውሞታት ተላዒሉ ብዙሓት ሰባት ዝተቐተሉ ኮይኖም መንግስቲ ኣመሪካ: ካዛኪስታን ነቲ ናዕቢ ክተረጋግዖ ዓቕሚ ኣለዋ ኢሉ ከምዝኣምን ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ።
ሩስያ ስለምንታይ ወተሃደራታ ናብ ካዛኪስታን ተዋፍር ከምዘላ ንጹር ከምዘይኮነ ኣንቶኒ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ሩስያ ኣብ ናይ መጀመርታ ዙርያ 2,500 ወተሃደራት ናብ ካዛኪስታን ከምዘዋፈረት ዝተገለጸ ኮይኑ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ወፍሪ እቶም ወተሃደራት: ውዕሊ ናይ ሓባር ድሕነት ወተሃደራዊ ጥምረት ዩሮኤስያን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ገሊጾም።
ፕረዚደንት ካዛኪስታን ቃሲም ጆማርት ቶካየቭ፡ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ዓባይ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ኣልማቲ ብተቓወምቲ ምስኣዕለቕለቐ ሩስያ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትገብር ወግዓዊ ጻዊዒት ኣቕሪቡ።
እንተኾነ ግን ብሊንከን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ሓደ ካብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ዘርእየና ሩስያውያን ሓንሳብ ናብ ቤትካ እንተድኣ ኣትዮም ክተወጽኦም ኣዝዩ ከቢድ እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።
ንሱ ኣስዒቡ “ሰበ ስልጣን መንግስቲ ካዛኪስታን: ሰብኣዊ መሰል እቶም ተቓወምቲ ኣኽቢሮም ነቲ ጸገም ብናይ ገዛእ ርእሶም ዓቕሚ ክኣልይዎም ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ” ኢሉ።
ብሊንከን “ካዛኪስታን ስለምንታይ እዮም ግዳማዊ ሓገዝ ጠሊቦም ዝብል ምኽንያት ንጹር ስለዘይኮነ ነቲ ጉዳይ ንከታተሎ ኢና ዘለና” ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ኣልማቲ ዝርከቡ ኣመና ኣገደስቲ ዘይኮኑ ሰራሕተኛታቱ ካብቲ ዓዲ ክወጽኡ ከምዘለዎም ኣዚዙ’ሎ።
ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ሩስያ ናብ ካዛኪስታን ኣትዮም ብተቓወምቲ ተወሪሩ ዝጸንሐ ማዕርፎ ነፈርቲ ተመሊሱ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ንኽኣቱ ሓጊዞም።
ወተሃደራት ካዛኪስታን ንኣልማቲ ኣብ ቁጽጽሮም ንምእታው ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ተኹሲ ከምዝኸፈቱ ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ዘቤታውያን መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ተራእዮም።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ድሕነት ካዛኪስታን ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ዕግርግር ዛጊድ 26 ዝተዓጠቑ ገበነኛታትን 18 ኣባላት ጸጥታ መንግስትን ከምዝተቐተሉ ዝሓበረ ኮይኑ ፕረዚደንት ቶካየቭ መንቀሊ እቲ ህወከት ናይ ወጻኢ “ራዕዳውያን” ኢሉ ዝጸውዖም ሰባት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተወልዐ ህውከት ዋጋ ነዳዲ ብዕጽፊ ስለዝወሰኸ እዩ ተጎሃሂሩ ተባሂሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







