መስመር ነዳዲ ኣመሪካ ብሰርሰርቲ ምስተጠቕዐ ኣብታ ሃገር ስግኣት ሕጽረት ነዳዲ ኣንጸላልዩ

መስመር ነዳዲ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Colonial Pipeline

ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝዓበየ መስመር ነዳዲ እታ ሃገር ሳይበራዊ መጥቃዕቲ [ስርሰራ] ምስ በጽሖ ሓድሽ መምርሒ ኣውጺኣ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ቱቦ ነዳዲ፡ መዓልታዊ 2.5 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ዝመሓላለፈሉ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር፡ 45 ሚኢታዊት ዳይሰል፣ ጋዞሊንን ነዳዲ ነፈርትን ዝሽፍን እዩ ተባሂሉ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብሰርሰርቲ ገበነኛታት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዝውውር ነዳዲ ዓብዪ ሓደጋ ዘብጸሐ ኾይኑ ንዕኡ ንምጽጋን ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።

እቲ ሓድሽ ዝወጽኣ ደንቢ፡ ነዳዲ ብመገዲ መኪና ክግዕዝ ዘፍቅድ እዩ ተባሂሉ።

በዚ ሓድሽ ኣዋጅ ድማ፡ 18 ግዝኣታት እታ ሃገር ተረባሕቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ነዳዲ ከም ዝኾና ተገሊጹ።

ካብኣተን፡ ኣልባማ፣ ኮሎምብያ፣ ሜሪላንድ ሚሲሲፒ፣ ኒውዮርክ፣ ቴክሳስን ቬርጂንያን ይርከበአን።

ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሰብ ሞያ ዋጋ ነዳዲ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሚኢታዊት ክውስኽ ከም ዝኽእል ዘመላኽቱ ኮይኖም፡ ቀልጢፉ እንተዘይተዓርዩ እቲ ጽልዋ ኣዝዩ ዝገደደ ከይኸውን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ሓደ ተንታኒ ጉዳይ ነዳዲን ጋዝን ዝኾነ፡ ጉራቭ ሻርማ 'ንኣብነት ኣብ ቴክሳስ ልዕሊ ዓቐን ነዳዲ ኣብ መጻረዪ ተዋህሊሉ ኣሎ' ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"እቲ ጸገም ክሳብ ሰሉስ እንተዘይተዓርዩ ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ክወድቁ እዮም" ኢሉ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ነዳዲ ዝጸዓና መጓዓዝያታት ክሳብ ኒውዮርክ ከተማ ክንቀሳቐሳ እንተኸኣላ'ኳ፡ ከም'ቲ በቲ መስመር ዝርከብ ኣገልግሎት ዝጽጋዕ ኣይኮነን።

'ዳርክሳይድ' ዝተብሃለ ጉጅለ ሰርሰርቲ
መግለጺ ስእሊ, 'ዳርክሳይድ' ዝተብሃለ ጉጅለ ሰርሰርቲ

እቲ መጥቃዕቲ መን እዩ ፈጺምዎ?

ብርክት ዝበሉ ምንጭታት ከም ዝረጋገጽዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ 'ዳርክሳይድ' ካብ ዝተባህለ ጉጅለ ሰርሰርቲ እዩ ተፈኒዉ።

ብኡ መሰረት ድማ፡ ናብቲ ኔትወርክ እቲ ካምፓኒ ብምዝላቕ ልዕሊ 100 ጂቢ ዝዕቀን ሓበሬታ ከም 'መትሓጃ' ገይሮም ወሲዶም ቆሊፎምዎ ኣለው ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሚልዮናት ክፍሊት ዝሓተቱ ኮይኖም፡ እንተዘይኮይኑ ነቲ ወሳኒ ሓበሬታ ናብ ኢንተርኔት ሰዲዶም ክዝርግሕዎ ምዃኖም ኣፈራሪሖም ኣለዉ።

እቲ ኮሎንያል እናተባህለ ዝጽዋዕ ኤጀንሲ ነዳዲ ነቲ ጉድኣት ንምጽጋን፡ ሕጊ ምኽባር ብዝተኣሳሰር ምስ ሰብ ሞያ ድሕነት ሳይበርን ክፍሊ ኢነርጂን ተቐራሪቡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ትማሊ ሰንበት ድማ፡ ኣባዕተ ቀንዲ መስመር እቲ ነዳዲ ዛጊድ ዝተዓጽዉ[ኦፍ-ላይን] ኮይኖም፡ ገለ ኣናእሽቱ መስመራት ክሰርሑ ከም ዝጀመሩ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠመ፡ ዝኸፍአ ጉድኣት ከይበጽሕ ብምስጋእ እዮም ነቶም መስመራት ዕጸው ክኾኑ ገይሮምዎ።

ሰርሰርቲ 'ሳይበር'

ጉጅለ 'ዳርክሳይድ' ዘብጸሖ ጉድኣት፡ ኣብቲ ዓውዲ እቲ ዝዓበየ ዝበሃል'ኳ እንተዘይኮነ፡ ሰርሰርቲ ኣብ ናይ ውልቀሰባት ሃብቲ ምብዝባዝ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዓበይቲ መሰረተ ልምዓት ሃገራት'ውን ሓደጋ ከም ዝኾኑ ዘርኢ እዩ ተባሂሉ።

ቁጠባን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ብኸመይ ከም ዝተዛመደ ድማ ዘመላኽት እዩ።

'ዳርክ ሳይድ' ግዳይ ንዝገበሮም ትካላት፡ እቲ ዝወሰዶ ሓበሬታ ከም ዘርእዮምን፡ እቲ ዝተሓተትዎ እንተኸፊሎም፡ ነቲ ሓበሬታ ብኸመይ ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዘጥፈኦን እሙን መልእኽቲ ይሰድድ ተባሂሉ።

ዲጂታል ሻዳው ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኣብ'ዚ ዓውዲ ሳይበር ስርሰራ ዝመራመር ትካል፡ ዳርክ ሳይድ ኣብዚ ስራሕ ጉሕለት ብሰፊሑ ተዋፊሩ ዘሎ እዩ ኢሉ።

እቲ ሰርሳሪ ጉጅለ፡ ሓበሬታ ከመይ ገይርበካ ከም ዝጉሕጓሕን ብኸመይ ከም ዝውሰድን ቴክኖሎጂ ኣማዕቢሉ ሰባት'ውን ኣሰልጢኑ ዝሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ዳርክ ሳይድ፡ ካብቲ ዝጉሕሎ ገንዘብ ምስዞም ሰብ ሞያ ቴክኖልጂ እዚኦም ተኻፊሉ እዩ ዝበልዕ ተባሂሉ።

እቲ ሰርሳሪ ጉጅለ፡ ካልእ ተሪፉ መርበብ ገጽ ዘለዎ ኾይኑ ዛጊድ ዝሰርሰሮም ትካላትን፡ ክስርስሮም ዘይደልዮም ትካላት ኣብ ትሕቲ 'ስነ-ምግባር' ዝብል ዓምዲ ኣስፊሩ ይርከብ።

'ኣክሰስ ብሮከርስ' ምስ ዝበሃሉ ደለልቲ ድማ ምትእስሳር ፈጢሩ ከም ዝሰርሕ ተሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ብኸመይ እዩ ኣጋጢሙ?

ምስ ምትእትታው ኮሮናቫይረስ ብዝዛመድ፡ ብዙሓት ኢንጂነራት እቲ 'ኮሎኒኣል ፓይፕ ላይን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል ነዳዲ ኣመሪካ፡ ካብ ገዘኦም ኮይኖም እዮም ስረሖም ከሳልጡ ጸኒሖም።

እዚ እዩ ድማ ነቲ ምስርሳር ሓደጋ ክሳጥሑ ገይሩዎም ይብሉ፡ ሰብ ሞያ።

መስራትን ሓላፊ ሓደሽቲ ምህዞታት ዲጂታል ሻደውስ፡ ጄምስ ቻፕል ከም ዝብሎ ፈለማ እቲ ጉጅለ ናብቲ ሶፍትዌር ሰርሲሩ ንምእታው ዘኽእልዎ መተግበሪታት ኣማዕቢሉ።

"ሕዚ ብዙሓት ግዳያት ይኾኑ ኣለዉ እዮም። እዚ ዓብዪ ጸገም እዩ" ኢሉ ቻፕለስ።

መዓልታዊ ሓደሽቲ ትካላት ግዳያት ይኾኑ ከምዘለዉን፡ ብፍላይ ኣናእሽቱ ትካላት ኣዝዮም ተጎዳእቲ ከም ዝኾኑን ወሲኹ ሓቢሩ።

"ብሐፈሻ ግን ንቁጠባ ዓለም ዓብዪ ሓደጋ እዩ" ኢሉ።

እቲ ትካሎም 'ዲጂታል ሻደው' ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘርእዩ፡ መንነት እቶም ሰርሰርቲ ካብ ቋንቋ ሩስያ-ተዛራቢት ሃገር ከይኾነ ከም ዝተርፍ እዩ።

ምኽንያቱ ድማ ይብል እቲ መስራቲ እቲ ትካል፡ "ምኽንያቱ ኩባንያታት ኣባል ሃገራት 'ኮመን ዌልዝ ኦፈ ኢንደፐንዴንት ስቴትስ' ዝበሃል ማሕበር ዝኾና ከም በዓል ሩስያ፣ ዩክረይን፣ ቤላሩስ፣ ጆርግያ፣ ኣርመንያ፣ ኣዘርባጃን፣ ካዛኪስታን ዝኣመሰላ ሃገራት ካብ ምጥቃዕ ዝተቖጠበ እዩ ይብል።