ናዕቢ ካዛኪስታን: ሩስያ ነቲህዝባዊ ተቓውሞ ንምግታእ ወተሃደራታ ከምዝለኣኸት ተገሊጹ

ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደና ዝዓበየት ከተማ ካዛኪስታን: ኣልማቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደና ዝዓበየት ከተማ ካዛኪስታን: ኣልማቲ

ምልካዊ መራሒ ካዛኪስታን፡ ሓይልታቱ ኣንጻር ናዕበኛታት መጠንቀቕታ ከይሃቡ ጥይት ክትኩሱ ትእዛዝ ከምዝሃቦም ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ቃሲም-ጆማርት ቶካየቭ ከምዝበሎ፡ "20,000 ሸፋቱ" ነታ ማእከል ተቓውሞ ዝኾነት ቀንዲ ከተማ ኣልማቲ ከምዘጥቅዕዋ ተዛሪቡ።

ኣብ ወጻኢ ዝሰልጠኑ "ኣሸበርቲ" ከምዝርከብዎም'ኳ እንተገለጸ፡ ዝኸነ መርትዖ ኣየቕረበን።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝበሎ፡ 26 "ዕጡቓት ገበነኛታት"ን 18 ኣባላት ጸጥታን ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ናዕቢ ተቐቲሎም ኣለዉ።

ኣብ ካዛኪስታን ኣንጻር መንግስቲ ንዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ንምግታእ ብሩስያ ዝምራሕ ሓይሊ ናበታ ሃገር ኣትዩ።

ኣንፃር መንግስቲ እታ ሃገር ይካየድ ኣብ ዘሎ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣብ ዝውሰደሉ ዘሎ እዋን፡ ምልካዊ መራሒ እታ ሃገር ብዘቕረቦ ፃውዒት’ያ፡ ሩስያ ወተሃደራታ ልኢኻ ዘላ።

ኣብቲ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ስዒቡ ንመዓልትታት ዝዘለቐ ናዕቢ፡ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ከምዝሞቱ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊፆም።

ኣብ ዝዓበየት ከተማ ኣልማቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትማሊ ሓሙስ ለይቲ: ከቢድ ተኹሲ ከምዝነበረ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ብመገዲ ትዊተር ዘርጊሑ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ኩሎም ወገናት ካብ ናዕቢ ክቑጠቡ ፀዊዖም።

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ካዛኪስታን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ልዕሊ 3,000 ሰልፈኛታት ብሰብመዚ ከምዝተኣሰሩን: ካልኦት 748 ሰልፈኛታት ከምዝተጎድንኡ ሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ ካዛኪስታን ኣብ ከተማ ኣልማቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ጸጥታ ካዛኪስታን ኣብ ከተማ ኣልማቲ

ፕረዚደንት ካዛኪስታን ካሲም-ጆማርት ቶካዬቭ፡ ብዘይ ገለ መረዳእታ ጠንቂ እቲ ናዕቢ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝሰልጠኑ “ግብረ ራዕዳውያን” እዮም ክብል ወቒሱ። ካሲም-ጆማርት ቶካዬቭ፡ እቲ ብሩስያ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልፍንቲ (CSTO) ንክሕግዞ ብረቡዕ’ዩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ሃገራት ሩሲያ፣ ካዛኪስታን፣ ቤላሩስ፣ ታጂኪስታንን ኣርሜኒያን ዝሓቖፈ ልፍንቲ፡ ኣስታት 2,500 ወተሃደራት ናብ ካዛኪስታን ከምዝለኣኸ ተገሊፁ።

እቲ ብሩስያ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልፍንቲ፡ እቶም ወተሃደራት ሓይልታት ኣኽበርቲ ሰላም እዮም፡ ንመንግስታውን ወተሃደራውን ትካላት ድማ ክሕልዉ’ዮም ኢሉ።

ማዕኸን ዜና ሩስያ (RIA) እቶም ወተሃደራት ንብዙሕ መዓልታት ወይ ሰሙናት ከምዝፀንሑ ፀብፂቡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ ሃገሩ ወተሃደራት ሩስያ ናብ ካዛኪስታን ምውፋሮም ብቕርበት ይከታተሎ ከምዘሎ ገሊፁ። እቲ ወሃቢ ቃል “ኣሜሪካን መላእ ዓለምን፡ ንዝኾነ ዓይነት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ይከታተሉ’ዮም” ኢሉ።

ዋጋ ነዳዲ ብዕፅፊ ምውሳኹ ስዒቡ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ፡ ብዙሓት ካዛኪስታናውያን ናብ ጎደናታት ወፅዮም ኣንፅር መንግስቲ ተቓውሞ የስምዑ ኣለው።

ዋላ’ኳ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ዋጋ ነዳዲ ንሽድሽተ ወርሒ ናብ ዝነበሮ ከምዝምለስ እንተገለፀ፡ ነቲ ናብ ፖለቲካዊ ቅረታ ዘምረሐ ሰልፊ ተቓውሞ ክገትኦ ኣይከኣለን።

ኣብታ ዝበዝሕ ግዘ ብምልክነት ትግለፅ ካዛኪስታን፡ መብዛሕትኦም መረፃታት መራሒ ውድብ እታ ሃገር ዳርጋ ብሚእቲ ሚእታዊት ዝተዓወተሎም እዮም። ውፅኢታዊ’ዩ ዝበሃል ዋላ ሓደ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ’ውን የብላን።