ኢንተርኔት ብምዕጻው ዝፍለጣ ሃገራት ዓለም ክንደይ ዝኣክል ከሲረን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኢንተርኔት ብምዕጻወን ናይ ዝኸሰራ ሃገራት ዝርዝር ዘቕረበ ትካል መጽናዕቲ ኔት ብሎክ፡ ብደረጃ ዓለም 8 ቢልዮን ክሳራ ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዓመት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኢንተርኔት ዝዓጸዋ ሃገራት ቁጽረን ካብ ካልእ እዋናት ዝዛየደ ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት 122 ግዜ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተቛሪጹ። ብሰዓታት ክግለጽ እንከሎ ከኣ 22 ሽሕ ኮይኑ'ሎ።
መንግስታት ናይተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተኻተታ ሃገራት፡ ብደረጃ ሃገር ይኹን ክልል፡ ኮነ ኢሎም እቲ ኣገልግሎት ከምዝቋረጽ እዮም ገይሮም።
እቲ ኢንተርነት ዘጥፍኡሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ዓማዊል ካብ ፌስቡክን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸብታትን ከምዝርሕቑ ንምግባር'ዩ።

ፌስቡክ፣ ዋትስኣፕ፣ ትዊተር፣ ዩቲዩብን ካልኦትን እንተተኣገዱ'ኳ ዓማዊል ግን 'ቪፒኤን' እናተጠቐሙ ክረኽብዎም ከምዝኸኣሉ እቲ ትካል ሓቢሩ።
መብዛሕቲኦም ምኽንያት ምቁራጽ ኣገልግሎት ድማ ምስ ተቓውሞታትን ዘይምርግጋእን ዝተሓሓዙ ምዃኖም ኣረዲኡ።
ሃገራት ማእኸላይ ምብራቅን ሰሜን ኣፍሪቃን ኢንተርኔት ብምዕጻው ኣብ ቅድሚት ይስርዓ። ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ድማ ይስዕበአን። እስያ ኣብ ሳልሳይ፤ ደቡብ ኣሜሪካ ራብዓይ ይርከባ።
እቲ ትካል መጽናዕቲ ኢንተርኔት ብምዕጻው ኣብ ዝሰርዐን ሃገራት ንኢትዮጵያ መበል 12 ኣቐሚጥዋ'ሎ።
ዚምባብወ፣ ሞሪታኒያ፣ ፓኪስታን፣ ግብፅ፣ ካዛኪስታን፣ ቤኒን፣ ጋቦን፣ ላይቤሪያን ካልኦት ሃገራትን ኣብቲ ዝርዝር ይርከባ።
ኤርትራ ድማ ኣብ መበል 20 ተሰሪዓ'ላ።

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto
ዋትሳብ እቲ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዝተዓጸወ ኮይኑ፤ ፌስቡክ፣ ኢንስታግራም፣ ትዊተርን ዩቱዩብን ብቐደም ሰዓብ ይስርዑ።
ኢትዮጵያ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ን274 ሰዓታት ኣገልግሎት ኤንተርኔት ክቋረጽ ገይራ'ያ። ብፍላይ ኣብ ወርሒ ሰነ [ላዕለዎት ጀነራላትን ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራን ኣብ ዝተቐተሉሉ] እቲ ኣገልግሎት ንዝተወሰኑ መዓልታት ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ነይሩ።
ሃገራዊ ፈተና ኣብ ዝህሉ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ተቛሪጹ'ዩ። እንተኾነ መንግስትን ኢትዮ-ቴሌኮምን ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







