ኢንተርነት ኣብ ዝቋረጸላ ሃገር፡ ብኸመይ ዋዕላ ናጽነት ኢንተርነት ይካየድ ኣሎ?

ዝተሎከተ ኢንተርኔት

ምንጪ ስእሊ, ullstein bild

ናጽነት ኢንተርነት ዝምልከት 'ፎረም ኦን ኢንተርኔት ፍሪደም ኢን አፍሪካ' ዝበሃል ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣገልግሎት ኢንተርነት ብተደጋጋሚ ኣብ ዝቋረጸላ፡ ኢሉ'ውን ንመዓልታት ኣብ ዝዕጸወላ ሃገር፡ ዋዕላ ናጽነት ኢንተርነት ምክያድ፡ ስግንጢር ዶ ኣይኮነን?

ብሓደ ወገን፡ እቲ ዋዕላ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ፡ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዘሕድሮ ጽዕንቶ ዝምልከት ዘተ ንምክያድ መገዲ ዝጸርግ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ብኻልእ ወገን፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት እናዓጸኻ፡ ናይ ሰባት ናይ ምዝራብ መሰል ኣብ ዝዕጸወላ ሃገር፡ እቲ ዋዕላ ምክያዱ ግቡእ ኣይኮነን ዝብሉ ነቐፍቲ እውን ኣለዉ።

ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣብታ ሃገር ፈተና ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክወሃብ ከሎ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ተዓጽዩ ነይሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ 'ፈነተ ዕልዋ መንግስቲ' ተገይሩ ምስተባህለ'ውን ንመዓልታት ኢንተርነት ተዓጽዩ እዩ።

ኣገልግሎት ኢንተርነት ዓለም ዝድህስስ 'ኔትብሎክስ' ዝበሃል ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኢንተርነት ኣብ እትዓጽወሉ እዋን፡ በብመዓልቱ ኣስታት 4.5 ሚሊዮን ዶላር ኪሳራ ከምዘጋጥማ ይገልጽ።

እቲ ዋዕላ ንምንታይ እዩ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ተደልዩ?

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኢንተርነት ክቋረጽ እንከሎ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጸሓፍቲ፡ ሰብሞያ ሕግን ካልኦትን ንመንግስቲ ይነቕፉ።

ሃገራዊ ዝርገሐ ኢንተርነት፡ ካብ 15 ሚኢታዊ ዘይበልጽ እኳ እነተኾነ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክቋረጽ እንከሎ፡ ህዝቢ'ውን ምምራሩ ኣይተርፍን። ናይ ደገ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝነቕፉሎም ምኽንያታት እቲ ሓደ'ውን ምቁራጽ ኢንተርነት እዩ።

ነዞም ነጥብታት ከም መረዳእታ ብምልዓል፡ እቲ ዋዕላ ንምንታይ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ከም ዝተወሰነ፡ ንኣዳለውቲ ናይቲ ዋዕላ ሓቲትናዮም።

ሓላፊ ፕሮግራማት 'ፎረም ኦን ኢንተርኔት ፍሪደም ኢን አፍሪካ' ኣስናህ ካልሜራ፡ ኢትዮጵያ መሰል ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብምግሃስ እትፍለጥ ሃገር እኳ እንተነበረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ኣንጻራዊ ለውጢ መጺኡ እዩ ይብል።

ፖለቲከኛታትን ብሎገራትን ካብ ማእሰርቲ ምፍትሖም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ከይዝርግሑ ተኣጊዶም ዝነበሩ መርበባት ሓበሬታ ኣገልግሎት ክህቡ ምጅማሮምን ከም ለውጢ ይጠቅስ።

ምሕረት ዩሃንስ

እንተኾነ፡ ድሕሪ'ቲ ፈተነ "ዕልዋ መንግስቲ" ኢንተርኔት ተቛሪጹ ምንባሩን፡ ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር እውን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ከምዝተኣሰሩ ይዛረብ።

"ኮይኑ ግን፡ ኢትዮጵያ ንለውጢ ቆራጽ ምዃና ርኢና ኢና። ኣብ ናጽነት ኢንትርነት ምስ ዝነጥፉን ካልኦትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሓጋጊዝካ ንምስራሕ ዝግበር ምንቅስቓስ'ውን ርኢና ኣለና" ይብል።

ዝርገሐ ኣገልግሎት ኢንትርነት ንምስፋሕን፡ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ናጽነት ኣብ ምኽባርን ብዙሕ ጉድለታት ከምዘሎ ግን ኣይሓብአን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብኢንተርነት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ከኽብር ዝጽውዕ ስምምዕ ክፈራረሙ ምዃኖም ድማ ንቢቢሲ ገሊጹ።

'ፎረም ኦን ኢንተርኔት ፍሪደም ኢን አፍሪካ' ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኡጋንዳ፣ ደቡብ አፍሪካ፣ ጋናን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ተኻይዱ እዩ። እቲ ዋዕላ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርገሐ ሓበሬታ ኢንተርኔት ከይግደብ፡ መሰል ምዝራብ ክኽበርን ምንቅስቓስ ዝገበር እዩ።