ኢትዮጵያ-ፖለቲካ፡ ኢንተርነት ስለምንታይ ይዕጾ?

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ዝበጽሕ ዕንወት ንምግታእ፡ ኣድላዪ እንተድኣኾይኑ 'ኣይኮነን'ዶ ንሰሙን ክሳብ መወዳእታ'ውን ኢንተርነት ክዕጾ ይኽእል'ዩ' ኢሉ።

ንምኻኑ፡ በየናይ ናይ ሕጊ ኣገባብ'ዩ ኢንተርነት ዝዕጾ? ክንብል ንበዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ምስጋናው ሙሉጌታ ሓቲትናዮ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ ብድንጋገታት ሰብኣዊ መሰላት ኮነ ሕገ መንግስቲ፡ ድሕነት ሃገር ንምሕላው ክብሃል መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል'ዩ።

ደራሲ 'ግርምተ ሳይቴክ'ን ኣካያዲ ስራሕ ቴክኖሎጂ ትካል ፎርቹን ግሎባል 500 ኣቶ ሰለሞን ካሳ ድማ፡ ከም ሓደ ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝበጽሕ ጉድኣት ትኹረት ንክግበረሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ምባሉ ትጽቢት ዝግበር'ዩ ይብል።

ስለምንታይ ግን መንግስታት ኢንተርነት ይዓጽው?

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ መንግስታት ዝሙግቶም ሓሳብ ብኢንተርነት ከይዝርጋሕ ንምክልኻል'ዮም ኢንተርነት ዝዓጽው ተባሂሉ ይንቀፉ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ምዕጻው ኢንተርነት፡ መንግስቲ ዜጋታት ዝረኽቡዎ ወይ ዝለዋወጡዎ ሓበሬታ ዝቆጻጸረሉ መገዲ ብምኻን፡ ብዘይኣገባብ ይጥቀመሉ ኣሎ ዘሎ ዝብል በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ምስጋናው እዩ።

ምቁራጽ ወይ ምዕጻው ኢንተርነት ኣብ ዓለም እናተለመደ ዝመጽእ ዘሎ ምኻኑ ዝዛረብ ኣዳላውን ኣቕራብን ምድላው ቴሌቭዥን ቴክ ቶክ ኣቶ ሰለሞን ብወገኑ፡ እቲ ምኽንያት መንግስቲ ፖለቲካን ሓበሬታን ኣብ ቁጽጽሩ ክኸውን ወይ ድማ እቲ ትረኻ ፖለቲካ ብልክዕ ንሱ ዝደልዮ ክኸይድ እንትደሊ'ዩ ይብል።

ብምስዓብ፡ መንግስቲ ዝተፈጥሩ ጸገማት ንምዕራይን ንምቁጽጻርን'የ ኢንተርነት ዓጽየ ዝብሎ ምኽንያት ሓቅነት እንተሃለዎ'ውን፡ መጽናዕታት ግን መሸፈኒ ምኽንያት ምኻኑ'ዮም ዘርእዩ ኢሉ።

ኢንተርነት፡ ንምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ረብሓ ዝወዓለ ብ2011 ኣብ ቀውዒ ዓረብ'ዩ። "ድሕሪ እዚ መንግስታት ነቒሖም ዝከታተሉዎ ጉዳይ እንተሃለወ፡ ኢንተርነት'ዩ" ይብል ኣቶ ሰለሞን።

ኣዳላውን ኣቕራብን ቴክ ቶክ ሰለሞን ካሳ

ምንጪ ስእሊ, SOLOMON KASSA

ኣብዚ ጉዳይ ዝተኻየዱ መጽናዕታት ብምጥቓስ፡ ድሕሪ ቀውዒ ዓረብ ልዕሊ 40 ሃገራት ልዕሊ 400 ግዜ ኢንተርነት ዓጽየን እየን ይብል እዚ በዓል ሞያ ቴክኖሎጂ።

ብፌስቡክ ብዝንዝሑ ሓበሬታታትን ብዝሓልፉ ግጭት ዘለዓዕሉ መልእኽታትን፡ ንብርክት ዝበላ ሃገራት ሕማም ርእሲ'ዩ።

ናይ ሓሶት ሓበሬታ፣ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ግጭት ዘልዕሉ ጽሑፋትን ምስልታትን፣ ጾታዊ ዓመጽ ዘርእዩ ምስሊታት ገለ ካብቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝስተውዓሉ መትሐዚ መጨበጢ ተሳኢኑሎም ዘለው ጉዳያት'ዮም።

"ከምዚ ዓይነት ሓበሬታታት፡ ሓሳባዊ ግጭት ጥራሕ ዘይኮነ ኣካለዊ ግጭት'ውን ከልዕሉ ይኽእሉ'ዮም" ዝብል ኣቶ ሰለሞን፤ እዚ ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ክዕሸውሉ ብዘኽእል መገዲ ተቓሚሙ ክቐርብ ከም ዝግበርን ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምህዳር ድማ፡ ብዘርኢ፣ ብሃይማኖት፣ ጾታን ካልእን ዝተኸፋፈለ ናይ ሓሶትን ጽልኣትን ዜናታት ብሰፊሑ ከም ዝርኣዩ በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ምስጋናዉ ገሊጹ።

ኢንተርነት ምዕጻው ፍታሕ ድዩ?

እዞም ሰብ ሞያ፡ ምዕጻው ኢንተርነት ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርኣዩ ዘለው ጎንጺታት ብሄርን ምምዝባል ዜጋታትን ጠጠው ዘብል ኣይኮነን በሃልቲ'ዮም።

ኣቶ ሰለሞን፡ ተሞክሮ ጀርመንን ፊሊፒንስን ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኢንተርነት ካብ ምቁራጽ፡ ጽልኣት ዝጉስጉስን ስነዕ [ናይ ሓሶት ዘረባ ወይ ሓበሬታ] ዝመሓላለፉ ብፌስቡክ ስለ ዝኾነ፡ ንፌስቡክ ምዝርራብ ግቡእ'ዩ ይብል።

ልዕሊ 100 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ግጭት እንትፍጠር ዘይምርግጋእ እንትቕጽል፡ መንግስቲ ንኩባኒያ ፌስቡክ ብምዝርራብ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምቁጽጻር ትኹረት ሂብካ ክስርሓሉ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ'ውን ይለዓል'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 41 ሚሊዮን ሰባት ተጠቀምቲ ሞባይል'ዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ምስጋናው ብወገኑ፡ ኣብ ዝምጽእ ዓመት ዝህሉ ሃገራዊ ምርጫን ኣብ ቀረባ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ዞባን ብምልዓል፡ "ብመንጽር እታ ሃገር ዘላቶ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ብዝተኽኣለ መጠን ሓሳብ ብዝግባእ ክትዕ ክካየደሉ ብምግባር፡ ካልእ ዝነሓነሐካ ሓሳብ እናቐረበ ክኸይድ ምግባር'ዩ እቲ ዝሓሸን ዘዋጽአናን ስልቲ" ይብል።

ገለ እዋን ፈተና ገለ ሻብ ድማ ጸጥታን ድሕነትን ህዝቢ ምክንያት ብምግባር፡ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኣይ ዘሎ ምዕጻው ኢንተርነት፡ መን ከም ዝዓጽዎ ዘይፍለጥ በተግ ኢልካ ዝውሰድ ስጉምቲ ምኻኑ ዝዛረብ ኣቶ ምስጋናው፡ "ቴሌ ድዩ፣ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ድዩ፣ ወይስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ'ዮም ዝዓጽውዎ ዘለው ኣይፍለጥን። ብምኻኑ ድማ ነዚ ዝውስን ብግልጺ ዝተቐመጠ መምርሒ የድሊ'ዩ" ኢሉ።

ኢንተርነት እንትዕጾ ዝበጽሑ ክሳራታት

ኣብ ቀረባ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብምኽንያት ምዕጻው ኢንተርነት ብሚሊዮናት ዝግመት ክሳራ ከም ዝበጽሖ ሓቢሩ'ዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሓደ ትካል ዘውጽኦ መጽናዕቲ ከም ዘመላክቶ፡ ኢንተርነት እንትዕጾ ኣብ ምጣነ ሃብታዊ ዕብየት ሓንቲ ሃገር ብማእከላይ 1.9 ሚኢታዊት ክሳራ የብጽሕ ይብል።

ካብዚ ብተወሳኺ ይብል በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ምስጋናው፡ ናይ ሓገዝ ገንዘብ ዝህባ ሃገራት ምምሕዳራዊ ስርሖም ብምኽንያት ምዕጻው ኢንተርነት እንትደናገ፡ ሰልቺዩዎምን ተስፋ ቖሪጾምን ሓሳቦም ክቕይሩ ይኽእሉ'ዮም።

እዚ ከሕድሮ ካብ ዝኽእል ቑጠባዊ ጸቕጢ ብዝሰገረ፡ ኢትዮጵያ ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ብምጽላም ጉድኣት ከብጽሐላ ከም ዝኽእል ዝዛረብ ኣቶ ሰለሞን፤ ግጭት ንምቁፍጻር ክብሃል ዝውሰድ ስጉምቲ፡ እቶም ጸገም ዝፈጥሩ ሰባት ኢንተርነት ብምዕጻው ካልእ መገዲ ክስእኑ ድዮም? ዝብል ክሕሰበሉ ይግባእ ኢሉ።

እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ብወገኑ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ መሰል ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ዘሕድሮ ጽልዋ ቀሊል ከም ዘይኮነ የስምረሉ።