ቅልውላዉ ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ'ዩ ዘይሳነዩ መግለፅታት ዝወሃቡ ዘለዉ?

ኣብዪ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ምንጪ ስእሊ, ETV

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ልዕሊ ሰብመዚ ክልል ኣምሓራን፡ ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤታማዦርሹም ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ዝምልከቱ ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝወሃቡ ዘለዉ መግለጺታት ንሓድሕዶም ዝገራጨዉ ምዃኖም የዘራርብ ኣሎ።

ብፍላይ፡ ንኩነታት ናይቲ ነቶም ጀነራላት ከም ዝቐተለ ዝተገልጸ ሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ዝኾነ ውልቀሰብ ብዝምልከት ዝወጽአ መግለጺ፡ ፈለማ ከም ዝተታሕዘ ድሕሪ ምግላጹ፡ ንጽባሒቱ ፓሊስ ፈደራል ተቐቲሉ ክብል ገሊጹ።

ጸኒሑ ድማ፡ ፓሊስ ፈደራል እቲ ውልቀሰብ ድሕሪ'ቲ ቅትለት ርእሱ ክቐትል ሓሲቡ፡ ግና ኣብ ሆስፒታል ብህይወት ከም ዘሎ ዝሕብር መአረምታ ምስ ይቕሬታ ኣውጺኡ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ነቲ "ዕልዋን" መጥቃዕትታትን ዘወሃሃደ ዝተባህለ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ጽገ ዝተዋህበ ሓበሬታ'ውን ንሕድሕዱ ዝገራጮ'ዩ ነይሩ። ፈለማ ከም ዝተታሕዘ ዝሕብር መግለጺ ወጺኡ፡ ድሒሩ ድማ ይድለ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ብሰኑይ ድማ፡ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ከባቢ ከተማ ባህርዳር ተቐቲሉ ዝብል መግለጺ ተዋሂቡ። ስነስርዓት ቀብሩ ኣብ ከተማ ላሊበላ ከም ዝተኻየደ ዘይወግዓውያን ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ይስምዑ ኣለዉ።

እቶም ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት'ውን ብኣንጻር እቲ ፈለማ ዝተዋህበ፡ ሓያሎ ከም ዝነበሩን ቁጽሪ ግዳያት ብንጹር ከም ዘይፍለጥን ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ተዛሪቦም ነይሮም።

ዛጊት'ውን፡ ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ይኹን፡ ቁጽሪ ግዳያት ብንጹር ኣይተገልጸን ዘሎ። ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ኣርባዕተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ናይቲ ክልል ግን ብረቡዕ ኣብ ከተማ ባህርዳር ተፈጺሙ'ሎ።

ግን፡ እቲ ምድንጋራት ስለምንታይ'ዩ ዝፍጠር ዘሎ? ሳዕቤናቱ'ኸ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ተንታኒ ጉዳያት ፀጥታን ድሕንነትን ኣፍሪቃ ኣይተ ዳደ ደስታ፡ እቶም መጥቃዕትታት ሰብ ዘይተጸበዮም ምዃኖም'ዩ ዝገልጽ።

"እቲ ፍጻመ ኣዐርዩ ዘደንግጽ'ዩ፡ ብባህሪኡ ኸኣ ናይ ገበነኛታት ፍጻመ"ድሕሪ ምባል ስለ ምንታይ ነንርእሱ ዘይሳነዩ ሓበሬታታት ክወሃብ ተገይሩ ዝብል'ኳ ብንጹር እንተ ዘይተፈለጠ "ጸገም ከም ዘሎ ግን የርኢ" ኢሉ።

ብደረጃ ፌደራል ይኹን ክልል ጸጸኒሖም ዝወጽኡ ወይ ዝወሃቡ ዝነበሩ መግለጺታት መሓውር መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ መላእ ሃገር ተቋሪጹ ብምህላዩ ሓደ መልክዕ ዘለዎም ዘይኮነ፡ ሓበሬታ ክወሃብ እንትርአ፡ ካብ ምንታይ ዝነቐለ'ዩ ኢልካ ምፍላጥ ከጸግም'ዩ ይብል።

ነቲ ሰብ ናይ ምክልኻል ወይ ምሕባእ ምኽንያት ድዩ ሃልዩ፤ ቅኑዕ ሓበሬታ ከይወጽእ'ሞ ኣብ ዙርያ እቲ ፍጻመ ነቶም ክወጽኡ ዘይድለዩ ምሽጢራት ነቶም ሓበሬታ ዝቆጻጸር ዘሎ ሰብ ዘይጥዑይ ምኽንያት ክወጽእ ዘይደለየ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ "ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ግን ዘይቅኑዕን ጉድኣቱ ዝበዝሕን'ዩ ዝመስለኒ" ይብል።

ናይታ ሃገር ናይ ደሕንነት፣ ፖሊስን ጸጥታን መሓውራት ከምዝደኸሙ ዝተፈፈላለዩ ርኢቶታት ክወሃብ ይስማዕ። ይኹን'ምበር ከምዚ ዝበሉ ጸገማት እቲ መሓውር ጸጥታ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ'ውን ክፍጸምን ከጋጥምን ዝኽእል ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ ኣይተ ዳደ ደስታ፡

"ከምዚ ዓይነት ነዊሕ ግዜ ዝተሰርሓሉ፡ ፕላን ናይ መቕተልቲ ዝወሰደ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ነገር'ዩ፡ ብዝኾነ ንእሽተይ ክፍተት ተጠቒሙ ክገብሮ ዝኽእል ነገር'ዩ። እዚ ሕዚ ዘጋጠመ ቕንጸላ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ቀደሙ'ውን መሓውር እቲ ፌደራል እናደኸመ ክመጽእ ከሎ፡ ኣብ ታሕቲ ብዙሕ ድኽመታት ምንባሩ፡ ብሓደ መንፈስ፣ ዕላማን መደብን ትካላዊ ምልዕዓል ዝንቀሳቐስ ኣይመሰልን ነይሩ። እዚ'ውን ናይ ባዕሉ እጃም ክህልዎ ይኽእል" ኢሉ።

ከምዚ ዝበለ ነገር እቲ ፖለቲካ ጥዑይ ከም ዘይኮነ ዘርኢ'ዩ ዝበለ ኣቶ ዳደ ደስታ፡ እቲ ኩነታት 'ክልላዊ ዕልዋ መንግስቲ' ወይ ካልእ ብቐሊሉ ከጋጥም ዝኽእል'ዩ ኢልካ ዘይኮነ ሓደ ጸረ ሃገራዊ መርገጺ ዘለዎ ሰብ፡ ናይ ክልል ጸጋታትን ናይ ጸጥታ መሓውርን ተጠቒሙ ዝፈጸሞ ምዃኑ ክግለጽ ምተገበአ ይብል።

መምህር ሕጊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መኮነን ፍስሃ ብወገኑ፡ ብዙሓት ዘይጸረዩ ነገራት ከም ዘለው ዘርኢ ነገራት ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ጸገሙ እዚ እዩ ምባል ከቢድ'ዩ። "እዛ ሃገር እዚኣ ናብ ዓብዪ ቅልውላው ትኣቱ ምህላዋ፣ ሰላምን ተስፋን ከም ዝፈረሰ፣ ሕግን ስርዓትን ከም ዘየለ ብዙሕ ሰባት እናጠቆሙ መጺኦም'ዮም።

"እዚ ከይዱ ከይዱ ናብ ሃገራዊ ሓደጋ ከእቱ ከም ዝኽእል እናተገለጸ መጺኡ'ዩ። እዚ ዘርእየካ እቲ ብቐጻልነት ዝነበርናዮ ናይ ደሕንነት ጸጥታ ምትንታን ምትንባይ መንግስቲ ዝደኸመ ምዃኑ፡ ቅልውላው እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ምብጽሑ ዘርኢ'ዩ" ይብል።

"ኣብ ኩሉ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልብኻ ዝሰብር'ዩ፡ ኮፍ ኢልካ ምሕሳብ ዘድልዮ ኩነታት በጺሕና ኣለና።"

ንሱ ከም ዝብሎ እንተኸይኑ፡ ናይ መንግስቲ ሓበሬታ ናይ ምእካብን ምዝርጋሕን "ብጥስጥስ" ዝበለ'ዩ። ተጋራጫዊ ሓበሬታ ዝወሃቡ ዘለዉ ድማ ካብዚ'ዩ ዝምንጩ እዩ ዝብል።

"እዚ ሓበሬታ ምእኹልነት መን'ዩ ዝመርሖ ዘሎ? ሃገርከ መን'የዑ ዝመርሓ ዘሎ? ዝብል ነገር ክትሓትት'ዩ ዝገብረካ። ፖሊስ ከም ፖሊስ፤ ደህንነት ከም ደህንነት ሓፈሻዊ ሓበሬታ ናይ ምእካብን ምትንታንን ዓብዪ ጸገም ከምዘሎ'ዩ ዘርእየካ፡ ድሕሪ ሕጂ ዓጃቢ ንሓለቕኡ ኣብ ዝቐትለሉ ብርኪ እንተበጺሕና ሕድሕድ በዓል ስልጣን ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ዓጃቢ ክኣምን ኣይኽእልን ማለት'ዩ።''

"እዚ ድማ ዓብዪ ቅልውላው ይፈጥር" ይብል።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስርዓት ፌደራሊዝም፡ ጠቓሚ ምዃኑ ዝተረጋገጸሉ'ዩ ዝብል ተንታኒ ኣይተ ዳደ ደስታ፡ እዚ እንተዘይኸውን ነይሩ፡ እቲ ህዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ናብ ካልኦት ክልላት ተላቢዑ፡ ሃገር ሙሉእ ዘናግዕ ሓደጋ ምኾነ ነይሩ ይብል። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፌደራሊዝም፡ ኣብ ሓደ ክልል ዘጋጠመ ነገር ናይ ሙሉእ ዓዲ ኩነታት ናይ ምዃን ዕድሉ ጸቢብ ንክኸውን ሓጊዙ እዩ ኢሉ ይኣምን።

እቲ ኣጋጣሚ፡ "ጉዳይ መሓውራት ፀጥታ እታ ሃገር ግን ቀልጢፉ ክዕረ ከም ዘለዎን፡ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ቦትኦምን ኣብ ስርሖምን ከም ዘየለው ዘርኢ'ዩ" ኢሉ ኣይተ ዳደ ደስታ።

ብዘይካ'ዚ ኣቶ መኮነን ድማ፡ ጠንቂ ናይቲ ንሕድሕዱ ዝዋቓዕ ሓበሬታ፡ "ኮነ ኢልካ ሓበሬታ ምዝባዕ፤ ካልኣይ እቲ ሓበሬታ ብኣግባቡ ዘይበጽሖ ዘደናግረሉ ምኽንያት ክህሉ ይኽእል'ዩ። እዚ ክጻረ ዘለዎ ነገር'ዩ" ክብል ግምቱ ሂቡ።

ነዚ ንምርግጋጽ ግን፤ ይብል ንሱ፡ ዕቱብ ምጽራይ ክግበርን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ናይ ጸጥታ መሓዉራት ብዝግባእ ክፍተሽን ኣለዎ" ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለዎ።