ኣብ ክልል ኣምሓራ 'ፈተነ ዕልዋ' ተኻይዱ፡ ጀነራል ሰዓረ ብጥይት ተወጊኡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዩጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ክልል ኣምሓራ ዘሎ ዘይምርግጋእ ተኸቲሉ ብጥይት ከም ዝተሃርመ ሓቢሩ።

ኣብይ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ክዳን ተከዲኑ ኣብ ተሌቪዥን ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ከተማ ባህርዳር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ሓያለ ሰበ መዚ'ውን ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝተፈተነ መንግስቲ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከም ዝተቛረጸ'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ነበርቲ ከተማ ባህር ዳር ድምጺ ከበድቲ ብረት ከም ዝሰምዑ ምስክሮም ሂቦም።

ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድምጺ ፎኮስቲ ብረት ከም ዝተሰምዐ ኣብ ቲዊተር ኣብ ዘውጸኦ ናይ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ሓቢሩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

Presentational white space

ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ዝመጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፖሎቲካውያን እሱራት ብምፍታሕ፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፍታትተ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ብምልዓልን ዝርከብዎም ኣወንታውያን ለውጥታት ዝገብር ዘሎ መራሒ'ዩ።

እንተኾነ ካብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ቀቢላዊ ግጭት ብምዕማሮም ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር 2.4 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ ምኽኣሎም ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።

እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ዶክተር ኣብይ አሕመድ ኢታ ማጆር ሹም ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነን 'ብዕሱባት' ብዝተተኮሰ ጥይት ተሃሪሙ ኢሉ።

ዶክተር ኣብይ አሕመድ ብዛዕባ ኩነታት ጀነራል ሰዓረ መኮነን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሓያለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኣኼባ እንከለዉ ብመሳርሕቶም ብዝተተኮሰሎም ጠያይት ከም ዝሞቱ ዶክተር ኣብይ አሕመድ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ንጉሱ ጥላሁን እዚ ፈተነ ዕልዋ ንፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣምባቸው ሞኮነን ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝዓለመ ምንባሩ ሓቢሩ።

ንጉሱ ጥላሁን ኣስዒቡ፡ ነቶም ነዚ ዝፈጸሙ ኣካላት ኣብ ቁጽጽር ንምዓሎም ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ካርታ

እቲ በዓል ስልጣን ኣብ መግለጺኡ፡ ንክልል ኣምሓራ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ፡ ሓላፊ ጸጥታ እቲ ክልል ዝነበረ እሞ ድሕሪ ኣብይ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸ ጅነራል ነቲ ፈተነ ዕልዋ ከም ዘካየደ ከም ዝሕብር ይገልጽ።

ሓደ መምህር ናይ ዩኒቨርስቲ ካብ ባህርዳር፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቶኸሲ ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ብዘይ መቁራጽ ከም ዝተሰምዐ ሓቢሩ።

"ኣብ መጀመርታ ሓደ ቅልል ዝበለ ክስተት'ዩ መሲሉኒ ነይሩ፡ ጽንሕ ኢሉ ግን ቶኽሲ ዓበይቲ ብረት ክስማዕ ጀሚሩ" ኢሉ

ተሌቪዥን ኢትዮጵያ ንሎሚ ሰንበት ክካየዱ ተሓሲቦም ዝነበሩ መደባት ከም ዝተቋረጹ ሓቢራ።

መግለጺ ቪድዮ, ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ መን'ዩ?