ኤርትራ፡ 'በዚ ሎምቅነ ተረኺቡ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜታት ክንሓዝንን ክንበክን ንቡር እዩ'

ካቴድራል ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ጉባኤ ካቶላካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ብምኽንያት "ኣብ ቤተክርስትያናን ሕዝብናን ተረኺቡ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜታት" ክብሉ ዝገለጽዎ ኩነታት "መዓልታት ጸሎትን ምህለላን" ኣዊጆም።

እቲ ቢቢሲ ዘረጋገጾ፡ ፌርማ ናይ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ዘለዎ መልእኽቲ ናብ "ቆሞሳትን ገዳማትን" ዝተላእከ'ዩ።

ንሳቶም ኣብ መልእኽቶም፡ "በዚ ሎምቅነ ኣብ ቤተክርስትያናን ህዝብናን ተረኺቡ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜታት ክንሓዝንን ክንበክን ንቡር'ዩ" ኢሎም።

"ነቶም በቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዝተሃስዩን ገና ክህሰዩ ዝኽእሉ ሕሙማትን ምግዱራትን ኣብ ጸሎትና ብፍሉይ ንዘክሮም" ክብሉ'ውን ጻዊዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ናይ ጸሎትን ምህለላን ግዜ ካብ ሎሚ 25 ሰነ ክሳብ 12 ሓምለ ዝጸንሕ ምዃኑ'ውን እቲ ዝዘርግሕዎ መጸዋዕታ ይሕብር።

ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንማእከላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከም ዝዓጸወን፡ ነቶም ኣብኡ ዝእለዩ ዝነበሩ ሕሙማን ናብ መንግስታዊ ሆስፒታላት ክግዕዞ ከም ዘገደደ ይዝከር።

ትማሊ ሰኑይ ምሸት ድማ፡ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ናብቲ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንኡሰ ዞባ ሓመልማሎ ዝርከብ ማእከል ጥዕና ሰይሮም ከም ዝኣተዉን፡ መፍትሕ ኣየረከቡን ብምባል ድማ ንሓንቲ ድንግል እትርከቦም ክልተ ኣካየድቲ ኣሲሮም።

ካቴድራል ከረን

ምንጪ ስእሊ, Mary Harper

መግለጺ ስእሊ, "ነቶም በቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዝተሃስዩን ገና ክህሰዩ ዝኽእሉ ሕሙማትን ምግዱራትን ኣብ ጸሎትና ብፍሉይ ንዘክሮም"

ብዘይካ'ዚ ብሰንበት፡ ኣባላት ጸጥታ ናብቲ ኣብ ከተማ ከረን ዝርከብ ቤተ ክርስትያን 'እምነት ሚስዮን' (ፌዝ ሚሽን) ብምኻድ ቁጽሮም ዛጊት ዘይተፈልጠ ኣመንቲ ምእሳሮም ጸብጻባት ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ ግንቦት 2002 ጀሚሩ ብዘይካ ወንጌላዊት ሉተራዊት ንኹለን ኢቫንጀሊካውያን ጴንጠቆስታል ኣብያተ ከርስትያናት ብምዕጻው ንሓያሎ ካብ መራሕተን ከም ዝኣሰረን፡ ኣባላተን ከም ዘሳደደን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።

ኣቐዲሙ ንመሰኻኽር ጆሆቫ ኣብ ወታሃደራዊ ኣገልግሎት ኣይተሳተፍኩምን ብዝብል ንሲቪላዊ፡ ቁጠባዊን ሰብኣዊ መሰላቶምን ብምቕንጣጥ፡ ንሓያሎ ካብኦም ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ነይሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ፡ ብዙሓት መምሃራን ሃይማኖት ምስልምና ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቀይዲ ምእሳሩ ቤተሰብን ተሓለቕቲ መሰላትን ይዛረቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን'ውን ኣይነሓፋን። ገለ ኣባላታ ከም ዝብልዎ፡ ኣብ ጉዳያ ብምእታዉ፡ ንፓትሪያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ መንበሮም ብምውራድ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣእትዩዎም'ዩ።

ሓያሎ ካብ ኣቕሽሽታ'ውን ብዘይፍርዲ ካብ ዝተኣስሩ መራሕቲ ሃይማኖት'ዮም።

ጻውዒት ጾምን ምህለላን

ምንጪ ስእሊ, ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንማእከላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓጽዩ ኣሎ