ኣፍጋኒስታን፡ ህይወት ኣፍጋናውያን ብዓይኒ ኢትዮጵያዊ

ጣሊባን ንካቡል ምስተቖጻጸረ ካብ ሃገር ክወጽኡ ዝጽበዩ ዜጋታት ኣፍጋን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 1990ታት ንኣፍጋኒስታን ዘመሓድር ዝነበረ ጣሊባን ብ2001 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣለየ፡ ን20 ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ፣ ሰራዊት ኣመሪካን ኔቶን ክዋጋእ ጸኒሑ።

ካብ ቀረባ ሰሙናት ንነጀው ጽዑቕ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ንዝበዝሕ ግዝኣታት ኣፍጋኒስታን እናተቖጸጸረ ዝመጽአ ጣሊባን ግን፡ መወዳእትኡ ንካቡል ብምቁጽጻር መንግስቲ ኣፍሪሱ።

ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብሩ ብሸቐልቐልን ስንባደን ዝተውሓጡ ኣፍጋናውያን ከኣ፡ ዳግም ህይወት ኣብ ትሕቲ ጣሊባን ሓደ ኢሎም ምፍቃድ ካብ ዝጅምሩ ሰሙን ገይሮም ኣለዉ።

ኣሽሓት ስግኣት ዝሓደሮም ኣፍጋናውያን'ውን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣብ ዝነበረት ወተሃደራዊት ነፋሪት እናተንጠልጠሉ፣ ብሓጹር እቲ መገዲ ኣየር እናዘለሉ ካብታ ሃገር ዝወጽኡሉ ዕድል ከናድዩ ተራእዮም።

እዚ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ግን ድማ ሽሙ ክንሮቑሖ ፍቓደኛ ዘይኮነ ኢትዮጵያ ከኣ፡ ኣብ ድሮ ጣሊባን ንካቡል ዝተቖጻጸረላ መዓልቲ ካብታ ሃገር ወጺኡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ።

ንምዃኑ፡ እታ ሃገር እንታይ ትመስል? ኣብ ምንታይ ኩነታት ጸኒሓትካ? ዝብልን ካልእ ትዕዝብታቱን ከካፍለና ተወኪስናዮ።

Short presentational grey line

ቢቢሲ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ህይወት እንታይ ይመስል ብዝብል እንተጀመርናኸ?

ብቐንዱ ምስ ኩሉ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ሕውስውስ ዝበለ ዓይነት ህይወት ኣይነበረንን። ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ካብ ዝረኽቦም ዝተፈላለዩ ደቂ እታ ዓዲ ግን ብዙሕ ነገር ፈሊጠ'የ። ካብኦም ዝፈልጦ ህይወት ኣፍጋኒስታናውያን ኣሎ። እዚ ክኣ ብኽልተ መልክዑ ክገልጾ ይፈቱ።

'ዘይሰልጠኑ' ኢልና ክንገልጾም ዝኽእሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኣለው። እዚኦም መብዛሕትኡ ግዜ ንወጻእተኛታት ብጎኒ ዓይኖም'ዮም ዝርእዩዎ። ብኣንጻሩ ምስ ኩሉ ሕውስውስ ኢሎም ዝነብሩ ኣለውዎም።

ብፍላይ እቲ መንእሰይ ፈታዊ ጸወታ ካብ ምዃኑ ብዝነቅል ድግሳት ይፈቱ'ዩ። እንተኾነ እዚ ብወግዒ ክገብሩዎ ስለ ዘይፍቀዶም ተሓቢኦም'ዮም ዝዛነዩ። ኣብታ ሃገር ኣልኮላዊ መስተ ምሻጥ ኩልኩል ስለ ዝኾነ ኣብ ገዝኦም ተሓቢኦም ይሰትዩ።

እቲ ህይወት 'ኖርማል' እዩ፤ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ምፍንጃር ነትጒ ጽልምትምት ዝብል ህይወት የለን። ስሩዕ ንጥፈታት ዕዳጋ፣ ምቅስቓስ ሰብን ሓያል ትራፈክን ኣሎ።

ኣብታ ከተማ [ካቡል] ድማ ብዙሕ ናይ መርዓ ኣዳራሻት ኣሎ። እቲ ዝገርም ንመርዓ ዓበይቲ ኣዳራሻት'ዮም ዝካረዩ።

ቢቢሲ፡ እቲ ምጭንናቕ ትራፊክ ካብ ምንታይ ዝነቐለ'ዩ? መብዛሕትኡ ሰብ መኪና ይውንን'ዩ ማለት ድዩ?

መካይን ብዙሓት ኮይነን ኣይኮነን፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተፍትሽ ስለ ዘሎን ብዙሕ ዝተማልአ ትሕተ ቕርጺ መገዲ ዘይምህላዩን ዝወሰለዶ ይመስለኒ።

መጀመርታ ናብታ ሃገር ክኸይድ ከለኹ ትጽቢተይ ካልእ'ዩ ነይሩ። እቲ ክውንነት ድማ ተፈልዩኒ። ኣፍጋኒስታን ክብሃል ከሎ ስቕ ኢሎም ኣብ መገዲ ክታኾሱ ዝውዕሉ'ዩ ዝመስለኒ ነይሩ።

ግን ኣብ ዝኾነ ቦታ ነትጒ ምስ ኣጋጠመ ግዳይ ዝኸውን ሰብ ስለ ዘሎ እቲ ምጭንናቓት ትርእዮ ኢኻ። መሊሱ ግን እቲ ሰብ ቐልጢፉ ናብ ልሙድ ህይወቱ'ዩ ዝኣቱ። ተላሚዱዎ ዝነብሮ ዓይነት ህይወት ኣለዎ።

ቢቢሲ፡ እቲ ህዝቢ መዓልታዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ እንታይ ይጥቀም?

ሞተር፣ ንኣሽቱ ታክሲ፣ ሚኒባስ ዓይነት መካይን ኣለዋ። ስርዓት ምዝዋር መኪና ግን ስቕ ኢልካ'ዩ፤ ዕግርግር ይበዝሖ።

ቢቢሲ፡ ቋንቁኦም ንመን ይቐርብ?

ሰለስተ ዓበይቲ ቋንቋታት ኣለዎም። እተን ክልተ ከም ናይ ስራሕ ቋንቋ ዘገልግላ እየን። እዚአን ፓሽቶን ዳሪን ኮይነን ብብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ዝዛረቦም ዓበይቲ ቋንቋታት'ዮም።

ካልኦት ብዙሓት ቋንቋታት ዘለውዋ ሃገር ኮይና፡ ታጂክ ዝብሃል እውን ኣለዎም።

ቢቢሲ፡ እዞም ህዝቢ ብምንታይ ይፍለዩ?

ሓደ ሃይማኖተኛታት'ዮም። ዓዶም'ውን ይፈትው'ዮም።

ኣብ ጾታዊ መዓርነት እንተመጺእና ግን፡ እቲ ንጓል ኣንስተይቲ ዝወሃብ ግምት ከምቲ ኣብ ዓድና ዘሎ'ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ንገዛ ክትኣልን ጸብሒ ክትሰርሕን'ዮም ዝደልዩ። ወዲ ተባዕታይ ከኣ ንደገ ወፊሩ ዝምጻእ የምጽእ ዝብል ሓፈሻዊ ኣረዳድኣ ኣለዎም።

መናእሰይ ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሎም ናብ ዝርከቡ መናፈሲ ቦታታት መግብን ካልእን ሒዞም ብምኻድ ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም የሕልፉዎ። እዚኦም እቶም ዝሓሸ መነባብሮ ኣለዎም ዝብሃሉ ክፋል ሕብረሰተብ'ዮም።

እቲ ታሕተዋይ ክፋል ሕብረሰብ ግን እንታይ ከም ዝገብር'ውን ኣይፍለጥን።

ቢቢሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ጣሊባን ብዝተኣሳሰር ዓብዪ ስግኣት ኣለወን። መነባብሮ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እንታይ'ዩ ዝመስል?

ድሕሪ ጣሊባን መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ዓይነት ስራሕ ምእታው ጀሚረን'የን። ዘይመንግስታውን መንግስታውን ኣብ ዝኾኑ ቤት ዕዮታት ተቖጺረን ዝሰርሓ፣ ኣባላት ባይቶ ዝኾና ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ።

ሕዚ ዝፈርሓሉ ቀንዲ ምኽንያት ጣሊባን እዚ ኹሉ ክንገብር ኣይፈቕደልናን ብዝብል እዩ። ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዳ፣ ካብ ገዛ ክወጽኣ ስለ ዘየፍቅደለን ሕቲ ሰሪሐን ዝረኽብኦ ዝነበራ እቶት ክንስእን ኢና ዝብል ስግኣት ኣለወን።

ቢቢሲ፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ መነባብሮ እቲ ህዝቢ ኣብ ምንታይ ደረጃ ዘሎ'ዩ?

ገንዘብ ኣለዎ ዝብሃል እቲ ኣብ መንግስታዊ ዘይኮና ትካላት ዝሰርሕ'ዩ። ሓሓሊፉ ካብ ፓኪስታን እናምጽኡ ዝንግዱ ነጋዶ፣ ኣባላት ባይቶ እዮም ሃፋትም ዝብሃሉ። መብዛሕትኡ ግን ድኻ'ዩ።

ኣብ ሕርሻ'ውን ብዙሕ ዝነጥፉ ኣይመስለንን። መብዛሕትኡ ብናይ ወጻኢ ሓገዛት ዝናበር'ዩ።

ቢቢሲ፡ ክንደይ ዝኣክል ናይ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ኣሎ? ከምቲ ልሙድ መግቢ ናይ ሓበሻ መግቢ ትረኽቡ'ዶ?

ኣብታ ከተማ ከምኡ ዝብሃል ነገር የለን። ኣብ ደገ እንረኽቦ መግቢ'ውን የለን።

እንትርፎ ብስራሕ ዝኸድና ብዙሕ ኢትዮጵያዊ የለን። ካብ ሞንጎና ሓደ ንዕረፍቲ ናብ ኢትዮጵኣ በጺሑ ክምለስ እንከሎ ጸብሒ ደርሆ፣ እንጀራ ሒዙ ይመጽእ።

ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ክህሉ እንከሎ ከኣ ተኣኻኺብና ሽሮ ሰሪሕና እናበላዕና እናተጻወትና ነሕልፎ። ኣብ ደገ ግን ከምዚ ክትረክብ ዝሕሰብ ኣይኮነን።

መዓልታዊ ህይወት ኣብ ካቡል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መዓልታዊ ህይወት ኣብ ካቡል

ቢቢሲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እንጀራን ደርሆን፣ ኣብ ናይጄሪያ መረቕ ኤጉሲ፣ ኣብ ዩክሬይን ጸብሒ ቦርሺት ኣብ ኬንያ ድማ ኡጋሊ ብዜጋታት እተን ሃገራት ኣዝዮም ዝፍተው መግቢታት'ዮም። ኣፍጋኒስታናውያን እንታይ ኣለዎም?

ሩዝ'ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ዝተፈላለየ ጣዕሚ ዘለዎ ደርሆ [ቺክን] እዮም ዝምገቡ።

ቢቢሲ፡ ከም ክለብ፣ ባራት ዝበሉ ናይ መዘናግዒ ቦታታት ኣለው'ዶ? ሙዚቃ ይስማዕ'ዶ?

ደረፍቲ ኣለው'ዮም። ድሕሪ ጣሊባን ናይ ሙዚቃ ስራሕቶም ከቕርቡ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ክንርኢ ክኢልና ኢና። ባራትን ካልእን ግን ኩልኩል እዩ።

ቢቢሲ፡ ንጸሊም ከመይ ይርእዩዎ?

ንዓናን ንጽዓዱን ክርእዩ ከለው ኣፈላላይ ኣሎ'ዩ። ይኹን'ምበር ከምቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝስትውዓል ጎነጻዊ ኣይኮነን፤ ልምዲ ኮይኑ ንጽዓዱ ኣልዕል ኣቢልካ ካብ ምርኣይ ወጻእ ናይ ምግላል ዝንባለ የብሎምን።

ቢቢሲ፡ ናይ ቀረባ ጎረባብትና ዝብሉወን በዓል መን'የን?

እተን ቀንዲ ፓኪስታን፣ ኢራንን ታጂክስታን'የን።

ቢቢሲ፡ ኣብ ጻንሒትካ ኣብ ካቡል ዝበዝሕ ግዜ ዝስማዕ እንታይ ነይሩ?

ነትጒ በብግዝኡ ኣሎ። ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ነትጒ ኣጋጢሙ ክብሃል ከሎ ከም ንቡር ክወስዶ ጀሚረ ነይረ። ምኽንያቱ ኣብ ዝኾነት ቦታ ነትጒ ኣጋጢሙ እንትብሃል ፖሊስ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ነቲ ኩነታት ኣጽርዮም፣ ኣህዲኦም ንምንቅስቓስ ሰብን መጓዓዝያን ድልዊ ክኸውን'ዮም ዝገብሩ።

በዚ ምኽንያት ነገራት ክተዓጻጾ ኣይደልዩን። ቐልጢፉ ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ እዩ ዝርኣይ። ካብ ኩሉ ዘፍርሓኒ ዝነበረ ግን ብጉጅለ ዝፍጸም ውዱብ መጥቃዕቲ'ዩ።

ሓደ እዋን ናይ ኣመሪካውያን ካምፕ ኣብ ዝነበረ 'ግሪን ቭሌጅ' ዝብሃል ከባቢ ኣሎ። ናብኡ ነታጒ ዝጽዓነት መኪና መጺኣ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ'ዩ። ከምኡ ዓይነት ዝወተደበ መጥቃዕታት ኣዝዩ'ዩ ዘስግእ። ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ዓሰርተ ዝኾኑ ጣሊባን ዝሓዘት መኪና መጺኣ ሰባት ቀቲሎም ይኸዱ። ከምዚኦም ዝበሉ ክስታት ኣዝዮም የፍርሑ።

ቢቢሲ፡ ዝተፈለየ ርግኣት ዝሰፍነሉ እዋን፣ ሰባት ሸርበድበድ ዘይብልሉ መዓልቲ ነይሩ'ዶ?

ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ወቕቲ ሓልዮም'ዮም መጥቃዕታት ዝፍጸሙ። ንሳቶም 'ዊንተር ሲዝን' ዝብሉዎ ወቕቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ኣይርኣይን። ነትጒን መጥቃዕትን ይንኪ።

ናታቶም ሓድሽ ዓመት ወርሒ ሚያዚያ ስለ ዝኾነ እዚ ወቕቲ ክውዳእ እንከሎ ድሕሪኡ'ዩ መጥቃዕቲ ዝጅመር። ይዝክር ግን ኣብ 2019 ዓ.ም ኣብ እዋን ጾም ረመዳን ጣሊባን ይኹን መንግስቲ ተኹሲ ጠጠው ኣቢልና ኢሎም።

ሽዑ ገለ ኣባላት ጣሊባን ጻዕዳ ባንዴራ ሒዞም ናብታ ከተማ ኣትዮም ምስ ኣባላት ስድራቤቶም ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ዝምልከት፡ ኣብ ካቡል ክቡር ዝብሃል ነገር እንታይ'ዩ?

ኣነ ብመንጽር እቲ ዝነበረኒ መነባብሮ ክቡር ዝብሎ የለን። ብፍላይ ሃለኽቲ መግብታት ኣዝዮም ሕሱራት'ዮም። እቲ ቐረባት ካብ ጎረቤት ሃገር ፓኪስታን እናመጽአ'ውን ኣዝዩ ሕሱር'ዩ።

ቢቢሲ፡ ዩኒቨርሲታት፣ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዎም'ዶ?

እወ፤ ኣብታ ከተማ ካቡል ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ዝብሃል ዓብዪ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ፤ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝብሃል ዩኒቨርሲቲ'ዩ። እቲ ስርዓተ ትምህርቶም'ውን ጽቡቕ'ዩ።

ቢቢሲ፡ ጣሊባን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንካቡል ክቆጻጸሩዋ'ዮም ዝብል ትጽቢታት ነይሩ'ዶ?

ኣመሪካ ሰራዊታ ከውጽእ እየ ኢላ ምስ ወሰነት እቲ ሕብረሰተብ ክሰግእ ጀሚሩ። ኣመሪካ እንተወጺኣ ጣሊባን ክቆጻጸሩዎ'ዮም ዝብል ሻቕሎት ዳርጋ ኣብ ኩሉ ክሓድር ተራእዩ።

ኣመሪካ ምውጻእ ምስ ጀመረት'ውን ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ጣሊባን መጥቃዕቲ ጀሚሮም ገለ ርሕቕ ርሕቕ ዝበላ ግዝኣታት ይቆጻጸሩ ነይሮም።

ኣብቲ ግዜ ሻዕሎት ክዓርግ ጀሚሩ። በዚ ፍጥነት እዚ ንካቡል ክቆጻጸሩዋ'ዮም ዝብል ግምት ግን ኣይነበረን። እቲ ኣብዝሐ ዝተማህረ ዝብሃል ክፋል ሕብረተሰብ ንፕሬዝደንት ኣሽራፍ ጋህኒ እዩ ዝድግፍ። ስለዚ ብውሑድ ሰራዊት ስለ ዘሎ ንካቡል ክከላኸል እዩ ዝብል ትጽቢት ነይሩ።

ከም ከንዳሃር ዝበላ ዓበይቲ ግዝኣታት ተታሒዘን እውን ካቡል ኣይትትሓዝን ዝብል ነይሩ። ግን ኩሉ ነገር ብቕልጡፍ ተቐያይሩ።

ቢቢሲ፡ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ዜጋታት ክረጋግኡ ስለ ዘይኽኣሉ ዝበዝሕ ሰብ ክወጽእ ይደሊ ኣሎ። እንታይ ይስምዐካ?

እቲ ህዝቢ ብጣዕሚ'ዩ ዘሕዝነኒ፤ እንታይ ከም ዝገብሩ'ውን ኣይፈልጡን። ብፍላይ እተን ደቂ ኣንስትዮ ይውሓድ ይብዛሕ ሰሪሐን እቶት እናረኸባ ንስድራቤተን ይሕግኣ ስለ ዝነበራ ሕዚ እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፈልጣን።

ክሰርሓ ይክእላ'ዶ ኣይኽእላን ስለ ዘይፍለጥ፡ ዚያዳ ዝሻቐላን መጻኢአን ዘተሓሳስበን ንሳተን እየን። ዜጋታት እቲ ናይ ጸጥታን ድሕነትን'ውን ኣዝዩ የተሓሳስቦም ስለ ዝኾነ ካብታ ሃገር ወጺእና ክንነብር ይሓይሽ ዝብሉ ይበዝሑ።

ግን ተስፋ ይገብር፤ ጣሊባን ካብቲ ሕሉፍ ዝነበሮ ባህርያት ምምሕያሽ ኣርእዩ ከምቲ ሰብ ዝፈርሖ ኣይኸውንን ኢለ ተስፋ ይገብር። ዓድኻ ገዲፍካ እንታይ ይግበር?

Short presentational grey line